ድለ

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ  

ካብ ትረኻ ሓዋርያ ዮሓንስን ሓዋርያ ጳውሎስን ክልተ ገጽታ ምሥጢረ ኢየሱስ ንርዳእ! ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣባ ካንታላመሳ ትማሊ ዓርቢ ናይ መጨረሻ መሰናደዊ ትንሣኤ ስብከቶም ቅዱስነቶም ኣብ ዝተረኽቡሉ ‘ሎሚቅነ ዓለምና ብዛዕባ እቲ ኣይንስታይን ዝበሃል ሊቅ ዝተዛረቦ ተዛማድነት ዝገልጽ ጸሊም ጒድጒዳ ብዙሕ ይዝረብ ኣሎ ኰይኑ ካብ መወዳእታ ብዘይብሉ መንገዲ ዝምድና ዘለዎ ኣሎ ንሱ እግዚአብሔር እዩ እስኪ ብዛዕባኡ ነስተንትን` እንክብሉ ናይ ክልተ ሓዋርያት ተመኲሮ ከም መበገሲ ይጥቀሙ።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሓዲስ ኪዳንን ታሪኽ ንባበ መለኮትን እንተተመልከትና ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ሓደ ዝኾነ ምሥጢረ ኢየሱስ የዘንትው።

“እዘን ክልተ ኣመለኻኽታ ናይ ዮሓንስን ጳውሎስ መሠረተን እኳ ከምቲ ናይ ጸሎተ ሃይማኖት ኒቅያን ቚስጥንጥንያን ሓደ እንተኾነ ከም ክልተ ምንጪ ውሒጅ ነናተን ሃይለቃል ሒዘን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናመለኤ ብሓባር ይጐዓዙ። ናይ ኣሕዋትና ኦርቶዶክስ ትምህርተ ንባበ መለኮትን መንፈሳውነትን ብዙሕ ግዜ ኣብ ዮሓንስ ሓዋርያ ይምሥረት እንተ ናይ ምዕራባውያን ከንሻን ካቶሊኽን ከኣ ኣብ ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ይምስረት።”

ንሓዋርያ ጳውሎስ ታሪኻዊ ትንተና ክርስቶስ ኣብ ኣተኲሮኡ የለን ንሱ ዘተኲረሉ ኣብ ሥራሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ኣብቲ ቀንዲ ምሥጢረ ክርስቶስ ማለት ምሥጢረ ሕማማት ሞትን ትንሣኤን እዩ። ድሕነት ኣብቲ ብሥጋ ዝተወልደ ወዲ እግዚአብሔር ኢየሱስ ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ብቀንዱስ ኢየሱስ ምእንቲ ሓጢኣትና ከምዝሞተን ንከጽድቀና ካብ ሞት ከምዝተንሥኤን’ (ሮሜ 4.25) ምእማን እዩ። ዓንዲ ማእከል ትምህርቲ ጳውሎስከስ ምሥጢረ ሥጋዌ ዘይኮነ ምሥጢረ ፋሲካ እዩ። ዮሓንስ ሓዋርያ ብወገኑ ናብ ዲቅ ዝበለ ዕምቈት መለኮት ይኣቱ እሞ እቲ ኣልፋን ኦመጋን ዝኾነ ክርስቶስ ብግዜና ዘይኮነ ካብ ዘለዓለም ከምዝኾነ ንክገልጽ ‘ብመጀመርያ ቃል ነበረ እቲ ቃል ከኣ ኣብ እግዚአብሔር ነበር እቲ ቃል እግዚአብሔር ነበረ’ ይብል።

ቅዱስ ጳውሎስከስ ብቀጥታ ናብ መስቀል ከም ምንጪ ጥበብን ሓይሊ እግዚአብሔር ናብ ምግላጽ ይኸይድ። ንታሪኽ ዓለምን መወዳእታ ደቂ ሰባትንከስ ክርስቶስ ብመስቀሉ ይቅይሮ። ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጽሕፋ መልእኽቱ ከኣ ነዚ ከም ሕዳሴ ሥራሕ እግዚአብሔር የቅርቦ።

እዚ ሕዳሴ እዚ ኣብ ኣሰጓጉማን ኣብ ኣገባብን ከምዝኾነ እውን ይገልጽ። ዓለም ንእግዚኣአብሔር ኣብ ብርሃኑን ኣብ ጥበብ ፍጥረትን ከለልዮ ኣይከኣለን ስለዚ እግዚኣአብሔር ብተጻይ ናይዚ ክግለጽ ይደሊ ብትሕትናን ብዕሽነት መስቀልን ይግለጽ። ነዚ ኣበሃህላ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ጐ.ኢ.ክ `ኦ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጠቢባንን ማእምራንን ሠዊርካ ንሕጻናት ስለዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣሎኹ’ (ማቴ 11.25) ዝበለ ከይዘከርካ ክትርድኦ ኣይከኣልን። ብዛዕባ እዚ ኣስፊሑ ንክገልጽ ከኣ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ነዚ ዚስዕብ ይብል።

““ንሕና በደለይናታት ስለዝኾንና እቲ ዝተወሰነ ዘመን ምስ በጽሔ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣተኛታት። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ሰብ ዚመውት ዚርከብ ኣይመስለንን፡ ኣብ ክንዲ ሓደ ገባር ክፉእ ሠናይ ዚመውት ግና ምናልባት ኣይምተሳነን ይኸውን። ንሕና ሓጢኣተኛታት ስለዝኾና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ተሰዊዑ ብሙማቱ እግዚአብሔር ፍቅሩ ገለጸልና።’ (5.6-8) ይብል።”

ኣምላኽ ክርስትያንከስ ብሕቡእ ደረት ኣልቦ ሓይሊ የርኢ።

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ናብ ምሥጢረ መስቀል ስግር ይብሉሞ ክሳብ ክንድዚ ኣድላይነት ዝህልዎን ንተገልጾ ሕያው እግዚአብሔር መዕለቢ ዝኾነሉን ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ኢሎም ከኣ ይሓቱ።

ደቂሰባት ብተፈጥሮና ንእግዚአብሔር ኣብ መስመር ሓይልን ተኽእሎን ሃሰስ ንብሎ። ንእግዚኣአብሔር ክንገልጽ እውን ብቀዳምነት ከሃሌ ኩሉ ኢና ንብል። ኮይኑ ወንጌል ግንጽል እንተበልና እዚ ከኣል ኩሉ ኣብ ምንም ከምዘይክእል ኣብ መስቀል  ንዝተሰቅለ ክነስተንትን ንዕደም። እቲ ሓቀኛ ከኣል ኩሉነት ኣብ ናይ ቀራንዮ ኢምንትነት ይግለጽ። ረኣዩኒ ረኣዩኒ ንክትብል ቁሩብ ሓይሊ የድልየካ እልይ ንክትብል ግን ብዙሕ ሓይልን ክእለትን የድሊ። ኣምላኽ ክርስትያንከስ ኣብ ሕቡእ ነገራት መወዳእታ ዘብሉ ክእለት ዘለዎ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ስግንጢራዊ ዝመስል ኣስተንትኖ መልስና እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ እንክገልጹ ከማዚ ይብሉ።

ኣብዚ ዘስተንተናዮ ምሥጢር መልስና እንታይ ኮን ይኸውን ሥርዓተ ኣምልኾናኻ ንሶሙነ ሕማማት ከምዘለዎዶ ተምጽኣልና ትኸውን! ቀዳመይትን መሠረታዊትን መልሲ ናይ እምነት እያ። ማንም እንመት ዘይኮነ ከኣ ነቲ ክርስቶስ ዘዐወተና ነገር ክብርሃልናን ዝኽእል እምነት እዩ። ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ከውርሰና ዝኽእል እምነት (ማቴ 11.12)። በዚ ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘ኢየሱስ ክርስቶስ ብሳላ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን ቅድስናን ድኅነትን ኰይኑልና ኣሎ። ከመይ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ እቲ ዚምካሕ ብእግዚአብሔር ይመካሕ’ (1ቆሮ 1.30-31) ክብል ይዛዝሞ።

ንዘመነ ፋሲካ ከምዝግባእን ብዕምቈትን ንምንባርከስ ይብሉ ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝምሕጸኖ ማለት ‘ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና ንክርስቶስ ብምልባስ እዩ` ኢሎም።

ኣብ ቅድሚ መስቀል ጠጠው ዝብል ሰብ ናይ ሃይማኖት ሥራሕ ብምድጋም ንኩሉ ሓጢኣቱ የረክብ ናይ ዝሓለፈን ዘሎን ምስኪንነቱ የረክብ ከምቲ ንክዳንካ ኣውጺእካ ናብ ሓዊ እትድርብዮ ዓይነት ንኩሉ ርስሓቱን ክፍኣቱ ኣብኡ ይጉሕፍ። ደሓር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ይለብስ። ከምቲ መጸበሓዊ ዝብሎ ኣብ ኣፋፈት ቤተመቅደስ ዝብል ማለት `ኦ ጐይታ ንዓይ ንሓጥእ ራሕራሓለይ` ይብል ብድሕርዚ `ጸዲቁ ናብ ገዛኡ ይምለስ’ (ሉቃ 18.13) ነዚ ምስ እንገብር ኢና ብሓቂ ፋሲካ ገርና ሰጊርና ክንብል እንኽእል። ነዚ ምስ እንገብር ኢና ንክርስቶስ ክንመስል እንኽእል።

ንክርስቶስ ስለምምሳል!

ሰባኬ ቤተ ር.ሊ.ጳ ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ንክርስቶስ ንምምሳል ዘድሊ ነገራት ከምዚ ኢሎም ይትንትኑ።

እግዚኣአብሔር ሰማይን ምድርን ኣብኡ ንዘሎን እንክፈጥር ንዓና ዘለዎ ፍቅሪ ብውህበታት መሊኡ ይገልጾ። እታ ካባና ወጻኢ ዘላ ተፈጥሮ ምስ ዘደንቅ ነገራታ እተን ኣብ ውሽጥና ዘለው ኣእምሮን ዝኽርን ነጻነትን ካልእ ኩሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ትዕድልትን እዩ እቲ ውህበታት። እዚ ጥራይ ከኣ ኣይኣኽሎን። ብክርስቶስ ገሩ ምእንታና ክሳቀ ደለየ። እዚ ኩነት እዚ ኣብ ማእከል ፍጡራት እውን ይረኤ እዩ። ሓደ ፍቅሪ ክዕምብብ እንከሎ ብኡ ንብኡ ምስ ካልኦት እተፍቅሮም ክትካፈሎ ትጓየ። ክልተ ሕጹያት ኣብ ምጅማር ፍቅሮም ዝገብርዎ እዚ ኣዩ። ኰይኑ ግን ምስ ተመርዓውን ድሩትነታቶም ክገሃዱ ምስ መጹን ጸገማት ምስ ተቀልቀሉን ከመይ ከምዝኸውን እውን ንፈልጥ ኢና። ስለዚኸስ ሓደ ሥድራቤት ንቅድሚት ክግስግስ ውህበታት ምልውዋጥ ጥራይ ከምዘይኣክል እንታይ ደኣ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ጾር ክስከም (ገላ 6,2) ከምዘለዎ ከምኡ እውን እቲ ሓደ ምእንቲ ኣቲ ሓደን ምስኡን ኣብ ሥቃዩ ክሳተፍ ከምዘለዎ ንግንዘብ። ከምኡ እውን ሰብ ውፉይ ሕይወት ከምቲ ማዘር ተርዛ ዝበላኦ ንእግዚእብሔር ንነገራት ካብ ምፍጻም ስለእግዚኣአብሔርን ስለቤተክርስትያን ኣብ ምስቃይ ክሕለፍ ግድን እዩ። ኢየሱስከስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ነዚ ይምህረና እዚ ጥራይ ዘይኮነ ናትና ንክንገብሮ እውን ጸጋኡ ይዕድለና ነዚ ከኣ ብእምነትን ምሥጢራትን ገቢሩ ይህበና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠዉቑ!
12 April 2019, 17:37