ድለ

ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ገዳማትን ኣባይቲ መንፈሳውያን ማሕበራትን ኩሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ስለ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕንና ክጽልይን ክጽለይን፡ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣቢሎም ሓቢሮም፡ ስለ እቶም ኣብቲ ውጥረትን ውግእን ኣብ ዝረአየሉ ከባቢ ዓለም ዘገልግሉ ሓኻይምን ተሓባበርቶምን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ኣባላት ግብረ ሰናይን ሕይወቶም ንሓደጋ ኣቃልዖም ካልኦት ንምድሓን ዝተዋፈሩ እያቶን እንክብሉ ገልጺኦም፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ናይ ጸሎት ሓሳብ ስሌኦም ክኸውን የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ብውግእ ዝዓነወ ከባቢ ዓለንምን ኣብቲ ውግእን ዓመጽን ዝረኣየሉ ስፍራ ኵሉ ንዘገልግሉ ትእምርተ ተስፋ እብክብሉ ከምዝገለጸዎም እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ጸሎት ናይ ር.ሊ.ጳ. ማሕበር ካብ ዝፈነዎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክፍለጥ እንከሎ፡

እቶም ኣብቲ ጽንኩርን ንሕይወት ሓደገይና ኣብ ዝዀነሉ ካባቢ ዓለም ዘገልግሉ ሰብ ጥበብን ተባዓትን ለጋሳትን ጸዋዕታኦም ዝስዕቡን

እንክብሉ ገሊጾም፡ ስለ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ንጸልይ፡ ናይ ካልእ ሕይወት ንምድሓን ናይ ገዛእ ርእሶም ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዑ እያቶም ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ተኻፋሊ ምዃን

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1978 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 11 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብቲ ውግእን ዓመጽን ዝረኣየሉ ከባቢ ዓለም ዘገልግሉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን በላሕትን ክኢላታትን ለጋሳትን እንክብሉ ገሊጾም፡ ንስነ ምርምርን ጥበብ ክንክን ጥዕናን ጸዋዕታኦምን ምያኦምን ገይሮም ዝነብሩ እያኦም እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስፐይንን ላቲን ኣመሪካን ሓኻይም ማሕበር ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ኣብ ስነ ምርምርን ኣብቲ ዘለዎ ዕደ ጥበባዊ ብቕዓት ጥራሕ ዝቖመ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ሓልዮትን ተኻፋልነት ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ፡ ምሕረትን ነቶም ብስጋን መንፈስን ንዝሳቐዩ ቀረባ ብምዃን ዝንባለ ዝፍጸም እዩ፡ ስለዚህ ምሕረት ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ነፍሲ እዩ ከበሃል ይከኣል፡ ርህራሄ ወይ ሓልዮት መግለጺ ናይ ዝስምዓካ ሓዘን ዘይኰነስ ተኻፋልነት ኣብ ስቓይ ከእ ማለት እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ገሊጾም ከምዝነበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ጽምዕ ዓመጽ ምኽንያት ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም 20 ዝተፈላለዩ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ዓመጽን ውግእን ከምዘሎን፡ እቶም 7 ማእለያ ዘይብሉ ሕይወት ሰብ ንሓደጋ ሞትን ምዝብልናን ዝቃልዓሉን፡ ኣብ የመንን ዒራቕን ሶሪያን ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ኣፍጋኒስታን ኣብ ኡክራይንን ዝካየዱን ብተወሳኺ እውን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ዘሎ ዓመጽን ውግእን ንምጥቃስ ዝከኣል እዩ። በጽዋር ዝተሰነየ ዓመጽን ውግእን እቲ ቀንዲ ምኽንያት ሰብኣዊ ቅልውላው ህልቂትን እዩ እንክብሉ፡ እዚ ስቓይን መከራን ኣገልግሎት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣካላትን ሓገዞምን ቅርበቶም ዝጠልብ ኩነት እዩ።

15 ሚሊያርድ ዶላር ንሰብኣዊ ርድኤት ክውዕል እንከሎ፡ ንናይ ውግእ ኣጽዋር 1.739 ሚሊያርድ ዶላር ይፈስስ

ኣብ ዓለም ልዕሊ 135,7 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ሓገዝ ንምቕራብ ልዕሊ 25,2 ሚሊያርድ ዶላር ውጻኢ ከምዘድልን፡ ክሳብ ሕጂ 15.2 ሚሊያርድ ዶላር ጥራሕ ክምዝተዋጽኤ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡ ንሸመተ ኣጽዋር ውግእ 1.739 ሚሊያርድ ከምዝፈስስን፡ ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራትን ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ከባቢ ዘገልግሉ ሓኻይምን ኣባይቲ ሕክምናን ካብ ዝህብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ውግእን ዓመጽን ንኣባይቲ ሕክምናን ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከላትን ህላዌ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምርካብ መሰልን ናይ ምቕራብ መሰልን እውን ከይተረፈ ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ማሕበር ዋና ኣመሓድሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ነቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ውግእን ዓምጽን ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ናይ ሰብ ሕይወት ንምድሓን ኣገልግሎት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ኣካላት ኣዚዩ ኣገዳሲ ክነሱ ብዙሕ እዋን እዚ ስብኣዊ ኣገልግሎት’ዚ ንሓደጋ ክቃላዕ እዩ ዝረአይ ቢሎም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ተፈስሁ ወተሃሰዩ ኣብ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፡ ሕይወትካ ስለ ካልኦት ንሓደጋ ምቅላዕ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናብ ቅድስትና ዘብጽሕ መገዲ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዘሎን ቅዱስነቶም ነዚ ሓሳብ’ዚ ዕለት 27 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እውን ጠቒሶም፡ ሕያዋይ ሳምራዊ መን ካበይን ስለምንታይ ሃይማኖትን ዓሌትን ከይፈለየ ድንድ ቢሉ ከይፈረደ ምሉእ ሓልዮትን ደገፍን ዘቕርብ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ
05 April 2019, 17:23