ድለ

ር.ሊ.ጳ፥ ስፖርት የዋህድ፡ ክቡራት ዋጋታት ሕይወት ይቕርጽን ሰላም ይድግፍን

ስፖርት ኵላዊ ቋንቋ እዩ፡ ንኹሎም ሕዝብታት ዝሓቁፍን ዶባት ሰገር ዝዀነን ሰባት ዘተሓቛቑፍን ዘቀራርብን ጥበብ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣብቅዑ፡ ብምኽንያት ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ ስፖርት ምእንቲ ሰላምን ምዕባለን ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ልክዕ ከምቲ ኣብ ስፖርት ኣብ ሕይወት እውን ምውሳእ የድሊ፡ ኣብ ናይ ሕይወት ሜዳ ምውራድን ምውሳእን ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢሮም፡ እቲ ብሕቡራት መንስታት ዓለም ዝተወሰነን ለምዝበን ኣብ ሻድሻይ ፍጻሜኡ ዝበጽሔ ዓለም ሓቆፍ ስፖርት ንሰላምን ምዕባለን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 6 ሚያዝያ ዝዝከር ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ 1896 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ኣብ ኣተንስ ምዝ ተበገሰለሉ ዕለት 6 ሚያዝያ ብምትሕሓዝ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ምኽንያት ብምግባር፥

ስፖርት ኵላዊ ቋንቋ እዩ፡ ንኹሎም ሕዝብታት ዝሓቁፍን ዶባት ሰገር ዝዀነን ሰባት ዘተሓቛቑፍን ዘቀራርብን ጥበብ እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ስፖርት ናይ ሓሴትን ናይ ዝለዓለ ውዕዉዕ ስምዒት ምንጪ እዩ፡ ሰብኣውን ማሕበራውን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ማሕበረሰብን ኣብ ክቡራት ዋጋታት ዝቕርጽ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስፖርት ኣብ ሕይወት ንዋሳእ

እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጻውዒት መልእኽቶም ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ፥ ስፖርት የዋህድ
03 April 2019, 17:25