ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ሞሮኮ ሓዋርያዊ መገሻ መዛዘሚ

ነቲ ተዓዲሉና ዘሎ መንፈስ ውሉድነት ኣብ ሕቶ ሕግታትን ክልከላን ግቡእነትን ተጽዕኖን ኣይነውድቆ። ከመይ ውሉድነትና ካብ ወለታውነት ወይ ሕጋውነት ካብ ምስምማዕ ወይ ምግጥጣም ዘይኮነስ ብትሕትናን ብቀጻልነትን `መንግሥትኻ ትምሳእ’ ኢልና ዕለት ዕለት ከም ዝጽልዩ ኣመንቲ ምዃን እዩ ዝምንጩ

ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 08.30 ቅዱስነቶም ራባት ካብ ዝርከብ ካብ ዝዓረፍሉ ሕንጻ ሓዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር ተፋንዮም ናብቲ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ራባት ናብ ዝርከብ ተማር ክፍለ ከተማ ናብ ዘሎ ብደቂ ቅድስቲ እናቴ ተረዛ - ደቂ ፍቅሪ ዝመሓደር ናይ ሰብኣዊ ኣገግሎት መውሃቢ ማእከል ነቒሎም ኣብኡ ልኽዕ ሰዓት 09.30 በጺሖምን ነቶም ኣብቲ መእለይ ዝርከቡ 150 ህሙማን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዘቕረቡሎም መዝሙር ኣቀባብላ ተገይሩሎምን ነተን በቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ርሒባት - ኣሕዋት እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ንዝተወሃበን ደናግል ደቂ እናቴ ተረዛን ነቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ተሓባበርቲ እተን ደናግልን፡ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

መውሃቢ ክንክን ጥዕናን ናይ ሕጻናት ቤት ትምህርትን መመገቢ ቤትን መሃይምነት ንምጥፋእ ብዝብል መደብ እውን ዓበይቲ ናይ መባእታ ሕንጸት ዝረኽቡሉን እናተዘዋወሩ በጺሖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ልክዕ ሰዓት 10.15 ራባት ናብ ዝርከብ ካቴድራል ተጓዒዞም፡ ኣብቲ ናይ ራባት ርእሰ ሰበኻ ቅዱስ ጴጥሮስ ካቲድራል ልክዕ ሰዓት 10.35 ምስ በጽሑ ኣብ ኣፈት ካቴድራል ብቆሞስን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎ ብዝከታተሉ ሰለስተ ካህናት ኣቀባብላ ተገይርሎም ናብ ካቲድራል ምስ ኣተዉ፡ ናይ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ሞሮኮ ዘገልግሉ ካህንን ናይ ሓደ መንእሰይ ካህንን ናይ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣን ድንግል ቃለ ምስክርነ ምስ ቀረበ ሓንቲ መንእሰይ ድንግል ንቕዱስነቶም ናይ ሰላምታ ቃል ምስ ኣቕረቡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ መባዅዕቲ ኵኑ

ኣብ ሞሮኮ ዘገልግሉ ካህናትን ዘገልግላ ደናልግልን ከምኡ እውን ኣብ ሞሮኮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ዝተረኽብሉ፡

ናይ ብፅዕና መባኹዕቲ

ቅዱስነቶም ኣብ ሞሮኮ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፡ ብምንታይከ ኽምስላ እየ? (ሉቃ. ምዕ. 13, 18) እንክብል ኢየሱስ ዘቕርቦ ሕቶ ጠቒሶም፡ ኣብዛ እነብረላ መሬት ሓደ ክርስቲያን ብምንታይ እዩ ዝምሰል ዝብል ሕቶ እውን ወሲኾም፡

ኩሉ ሕብረተሰብ መታን ክቦክዕ ነታ ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ መባዅዕቲ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣደ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ እዛ ኣብ ሞሮኮ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ውሑዳት ኣባላት ዘለውዋ እውን እንተዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኩነታት ህልው ዝገብር ኣባል እትሓቑፍ እያ፡ … ብዙሓት መታን ክንከውን ለኣኸና  

መቐረት ወንጌል

ተልእዀ ቦታን ግዜን ምሓዝ ዘይኰነስ፡ ምስ ኢየሱስ ብምርኻብ እዩ ዝግለጽ

ተልእዀ ወንጌል ብኣገባብ መስድዒ ሃይማኖት ዝፍጸም ዘይኰነስ ምስ ኢየሱስን ምስ ካልኦትን ብምዃን እዩ ዝፍጸም፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ጸገም ብዝሒ ወይ ዋሕዲ ኣኰነን፡ እቲ መቐረት ወንጌል ዘለዎ ጨው ምዃንን ወይ ከኣ ዘየብርህ መብራህቲ ምዃን ዝብል እዩ፡ (ማቴ. 5. 13-15 ረአ.)

ክርስትያን ማለት ምርካብ ማለት እዩ

ቅዱስነቶም ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን፡ ብዙሓት እንተዀንናን ቦታ እንተድኣ ዘሎና ኢና ትርጉም ዝህልወና ብዝብል ሓሳብ ከይወረሩ ክምዕዱ እንከለዉ፡

ሕይወት እትነብሮን ኣብ ሜዳ እተውርዶን ኣብቲ ዘለኻሉ ስፍራ መባዅዕቲ ብምዃን እዩ፡ እዚ ዋላ’ኳ ንህሞቱ ስሉጥ አውጻኢት ኣየርእይ ብዘየገድስ (ናይ ወንጌል ሓሴት, 210  ረኣ)፡ ክርስቲያን ምዃን ማለት ንሓደ ርእየት ወይ ጠመቓዊ ትምህርቲ ወይ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ወይ ንሓደ ናይ ዓሌት ጉጅለ ምስዓብ ማለት ኣይኰነን፡ ክርስቲያን ምዃን ማለት፡ ምርኻብ ማለት እዩ፡ ምርኻብ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ፡ ዝለ ዝተፈቐርናን ስለ ዝተራኸብናን ዝተረኸብና ስለ ዝዀንና ኢና ክርስቲያን ዝዀንና እምበር ስለ ዝሰዳዕና ኣይኰነን፡

ብኣገባብ ኢየሱስ ምዝታይ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ Ecclesiam Suam - ቤተ ክርስቲያኑ እተሰምየ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ እትርከበሉ ቦታን ስፍራን ምስ ዓለም ናብ ምዝታይ ከተብል ኣለዋ፡ ኣባላታ ንኸተብዝሕ ብዝብል ስልቲ ወይ እዋን ከምዝሓቶ ገርካ ዘተ ብምቕባል ዘይኰነ፡ ናብ ዘተ ምእታው እዩ ዘድሊ፡ ማለት ንጐይታኣን መምህራን እምንቲ ብምዃን፡ ስለዚህ ዘተ ብኣገባብ ኢየሱስ።

ክርስቲያን ኣብዛ መሬት፡ እግዚኣብሔር ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ኵነት ህይወት እውን ይሃሉ ሓቢሩ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ (ክመኣድ) ከምዝደሊ ናይ ዝገልጽ ህያው ዘተ ምስጢር እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ከም ኢየስስ ለወሃትን ትሑታንን ብምዃኑ (ማቴ. 11.29 ረኣ)፡ ውዕዉዕን መልሲ ብዘይጽበይ ውፉይ ፍቕሪ፡ ብዘይ ቀመርን ብዘይ ደረትን፡ ናይ ሰብ ናጽነት ብምኽባር፡

ምስ ዓለም - ዘተ

ዘተ፥ ናይ ሕውነት በሪ እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘተ ክትኣትውን ክትዝትይን ምስ ዓለም ኣብ ፍጻሜ ሕውነት ትዋሳእ፡ ናይዚ ሕውነት ዓይነ ማይ ኣባና ዘይኰነ ኣብቲ ኣቦ ዝዀነ እግዚኣብሔር እዩ፡ ስለ እቲ ብእምንቶ ዝተወሃባ ሕዝቢ ናይ ምልጃ ጸሎት ተቕርብ፥

ጸሎት ዝኸውን ዘተ፡ ዕለት ብዕለት ብስም ሰብኣዊ ሕውነት ንዅሉ ሓንጐፋይ ቢላ ብምቕባልን ውሁዳንን ማዕረ ንዝርይ ኣገባብ ብጭቡጥ ትኽውኖ፡ ጸንፈይና ፖለቲካን ምግምማዕን መኽሰብ ንምርካብ ብዝብልን ብናይ ጽልእ ርእየት ናይ ብዙሓት ዜጋታት ፍጻሜ ንምቁጽጻር ብዝብል ድርዀት ኣዚዩ ስለ እቲ ዝጉዳእ ዘሎ ሕውነት ብምሕሳብ (ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ኣቡዳብ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም.)

መንግስትኻ ትምጻእ

መንግስትኻ ትምጻእ ዝብል ጸሎት፡ ንማንም ዘይሕርግ፡ ዘይጓንይ ዘይፈላልይ ናይቲ ናይ ዝመጽእ ህይወት መቓልሕ ዝዀነ ኵነት፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ናይ ልመና ጸሎት፡ … መንግስትኻ ኣብዚ

ብዓመጽ ብጽልእ ወይ ብዓሌታዊ ድዩ ወይ ብሃማኖታውን ኤኮኖሚያውን ልዕልና ዘይኰነስ፡ በቲ ካብ መስቀል ስለ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝወሓዘ ናይ ርህራሄ ሓይሊ፡ እዚ ናይ መብዛሕትዅም ተመክሮ እዩ፡

መጻኢ ምዝራእ

ቅዱነቶም ነቶም ኣብ ሞሮኮ ዘገልግሉ ዘለዉን ከም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ብዕለት በቲ መጻእን ተስፋን ንምዝራእ መሳለጢያ ብዝዀነ ኣገባባ፡ ዘተን ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብምንባር ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉን ኩሉ እናሓሰቡ

ዘራእቲ መጻእን ተስፋን ብዘኽውን ሕውነትን ዘተን ምትሕብባርን ኣቢልኩም እቲ ፍርሕን ግርጭትን ዓመጽን ክዘርእ ዝደልይ ዘይተገዳስንትን ድንቁርናን ተሰንፉ …

ንድኻታትን እሱራትን ስደተይናታትን ቀረባ ምዃን

ነቶም ኵሎም ኣብ ሞሮኮ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ዝውክሉን ጭቡጥ ክትከውን ዝዓዩ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ጭቡጥ ዘግበሩን ኵሎም፥

ነቶም ድሕሪት ዝተሓድጉን ንኡሳንን ድኻታትን እሱራትን ስደተይናታትን ቀረባ ኣብ ምዃን ሓደራ ቀጽሉ፡ ፍቕርኹም ንጡፍን ናብ ሞሮኮ ኣብ መንጐ ኰለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ጐደና ሱታፌ ኵኑ፡ ናይ ፍቕሪ ውህደት፡ እዚ ኸኣ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ምስ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ናይ ዘተን ንምትሕብባርን ይኹነልና፡

ኣብ ኣገልግሎት ፍትሕን ሰላምን

ስለ እቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምግልግላል፥ ኣብ ፍቕሪ ኣብ ዝወፈ ፍቕሪ እዩ፡ ብፍቕሪ ነቶም ኣዚዩም ዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን፥

ፍቕሪ፥ ነቶም ዝቖሰሉን ኣብ መከራን ሓሳርን ንዝርከቡን ናይቲ ሓደ ስድራ ካብ ዝዀነ ሕዝቢ ዝተነጸሉን ናይቲ ሰብኣዊ ሓደ ስድራ ኣባላትን ኣሕዋትን ምዃኖም ኣፍልጦ ንኽረኽቡ ዘሰንይ ጐዳና እዩ፡ ከም ናይ ኢየሱስ ክርቶስ ሰዓብቲ፡ በዚ መንፈስ ዘተን ምትሕብባርን ወትሩ ኣብ ልብኹም ንፍትሕን ሰላምን ንናይ መንእሰያትን ሕጻናትን ሕንጸትን ንምክልኻልን ምስናይን ኣረጋያንን ድኻታትን ኣካለ ስንኩላንን ዝተጸቕጡን ምዕያይ ዝብል ብርቱዕ ድላይ ይሃልኹም፡ ኣብዚ ይኹን ኣግልግሎትኩም።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ብሓባር ምስቶም ኣብቲ ካቴድራል ዝተረኽቡ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ ኣባላት ጨንፈር ሞሮኮን ኰይኖም ሕጻናት ኣብ ጐድኖም ቆይሞም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቕዑ፡ መዝሙር ንኽብሪ ማርያም እናተሰምዔ ነቶም ኣብ ኣባላት ጨንፈር ሞሮኮ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ቤት ምኽሪ ኣባላት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ተሰናቢቶም ናብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ብምኻድን ኣብኡ ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሮኮን ሰሜን ኣፍሪቃን ብጠቕላላ ምስ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ( ሞሮኮን፡ ኣልጀኢያን ሊቢያን ቱኒዚያን) ካብ ዘሰንይዎም ዘሳተፈ ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ምስ ኣብቅዑ ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ክልተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ዘዕርግሉ እቲ ብ 1983 ዓ.ም. ዝኽሪ ንወዲ ንጉስ ሞሓመድ ሓምሻይን ሓው ንጉሕ ሓሰን ዳግማዊ  ልዑል ሙላይ ኣብደላሕ ናብ እተሰምየ ናይ ስፖርቲ ሜዳ ነቒሎምን ኣብኡ ልክዕ ሰዓት ክልተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ብላቲን ስርዓት ራብዓይ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ብስርዓተ ኣምልዀ ላቲን ዝተነቡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ መጻሓፈ ኢያሱ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 9-12ን ካልኣይ ምንባብ ካብ ካለኤይቲ መእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 17-21  ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 1-3,11-32 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞሮኮ

ኣባ መኰነን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

‘ኣቦኡ ኸአ ገና ርሑቅ እንከሎ ረኣዮ እሞ ራሕራሓሉ ጐይዩ ድማ ሓቚፉ ሰዓሞ’ ሉቃ 15.20

ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ኰይኑ ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናያ ሓረግ ንዝምባሌ ናይቲ ርሕሩሕ ኣቦ ከም ዓንዲ ማእከል ኣስተንትኖና ኣንክቅርበልና እቲ ከብዱ ተሓምሱ ዝነበረ ኣቦ ምምላስ ወዱ ለይትን መዓልትን እንክጽበ ናብ ገዛ ክሳብ ዝበጽሕ ኣይጽበን እንታይ ደኣ ነቲ ውሉድ እውን ሃንደበት ብዝኾነ መንገዲ ጐይዩ ይቀባበሎ ሓቚፉ ከኣ ይስዕሞ። ነዊሕ ዝተጸባኻዮን ሃረር ዝበልካዮን ውሉድ እንክመጽእ ዝርኢ ኣቦ ግድን እዩ ከብዱ ሕምቡጭቡጭ ክብሎ።

ኣቦ ወደይ ‘ኩሉ ናተይ እኮ ናትካ እዩ’ (ሉቃ 15.31)

ኮይኑ ግን ናይ’ዚ ኣቦ ታሕጓስ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ናይቲ ኣብ ገዛ ተሪፉ ዝነበረ ውሉድ ህላዌውን የገድሶ ብምንባሩ ምእታው ምስ ደንጐየ ኣመቱ ክገብር ንደገ ከምዝወጸን ስግንጢራዊ ብምዝኾነ መንገዲ ኣብቲ ሓጐስ ዘይሳተፍ እቲ ኣብ ገዛ ዝነበረ ዓቢ ውሉድ ሓዘኑ ከኣ ነቲ ሓው `እቲ ወዲ` ክብል ይገልጾ። ካብ ልቡ ስለዘገለሎ ገና ንኣኡ እቲ ሓው ጥፉእ ሓው እዩ። ኣብቲ ሓጐስ ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ ንሓው ዘይምልላይን ዘይምቅባልን ጥራይ ዘይኮነ ነቦኡ እውን እምበርዶ ወድኻ ዝዓይነት ጥርጣሬ ወስ ይብሎ። ንሓው ምምሓርን ምቅባልንሲ ኣብዚ ይጽንሓልና ሓደ መሓሪ ኣቦ ከምዘለዎን ወትሩ ዝጽበዮን ዝሕልዎን መሓሪ ኣቦ ከምዘለዎ ኣይስቈሮን።

እዛ ምሳሌ እዚኣ ኩነታትና እውን ትገልጽ እያ። በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ጠፊኡ ነሩ ዝተረኽበ ሓጐስ እንክህሉ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ናይ ክሕደትን ጥልመትን ስምዒት ይንበብ። በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ሕሰምን መከራን ሥቃይን ዝተቀበለ ተጣዒሱ ናብ ቤት ኣቦኡ ዝተመልሰ ተቅባል በቲ ሓደ ወገን ነቲ ነዚ ጥፉእ ወዲ ዝተገብረ ምሕረትን ተቅባልን ኣይግባእን ኢሉ ዝቑጣዕን ጸርጸር ዝብልን ዓቢ ወዲ ይርከብ።

እዚ ወጥሪ እዚ ኣብ መንጎ ሕዝብናን ማሕበራትንን ወትሩ ኣሎ። እዚ ወጥሪ እዚ ካብ ቃኤልን ኣቤልን ጀሚሩ ኣብ ማእከልና ስለዘሎ ወትሩ ክጓነፈና እዩ። መን ኣዩ ኣብ ማእድና ኣብ ጉባኤና ኣብ ሻቅሎትናን ሥራሓትናን ኣብ ቅርዓታትናን ከተማታትናን ክህሉ መሰል ዘለዎ! እታ ጐይታ ንቃኤል ዝሓተታን ኣነዶ ሓላው ሓወይ ኰይነ ትብል መልስን ብቀጻሊዶ የቃልሓ ኣለዋ!

ኣብ ጽላል እዛ ናይ ምሳሌ ገዛ ዝረኤ ምምቅቃልን ግርጭታትን ዘይምስምማዕን ዓመጽን ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ዓበይቲ ሃረርታት ዝኩሕኩሕ ነቲ ነፍሲወከፍ ከከምዘለዎ ናይ ውልድነት መሰል ከስተማቅር ንዘለዎ ግድል የዘኻኽረና። ኰይኑ ግን ብግዜ እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘እግዚአብሔር ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ሓቂ ንምፍላጥ ዕድል ኪረክብን እዩ ድላዩ’ (1ጢሞ 2,4) ዝብሎ ኩሎም ደቁ ኣብ ታሕጓሱ ክሳተፉ ማንም ካብኦም ከምቲ ንእሽቶይ ውሉድ ምሳሌ ኢሰብኣዊ ናብራ ከይነብሩ ማንም ዝኽትምና ከይስምዖ ማንም ከይንጸል ማንም ከምቲ ዓቢ ውሉድ ምሳሌ ብቅንኢ ክሓርር ከምዘይብሉ እዩ ድላይ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦና።

ርግጽ እዩ ምክፍፋልን ግርጭታትን ከምጽኡ ዝኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ነዚ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን። ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ግቡእ መጋበርን ብዝቀለጠፈን ዝሰለጠን መንገዲ ፍትሒ እንረኽበሉ ኣገባብ ጌርካ ናይ ምእማን ፈተና ወትሩ ምስ ተቀጀለና እዩ። ኮይኑ ግን ተመኵሮ ጽልእን ምክፍፋልን ሕነ ምፍዳይን ንነፍሲ ሰባት ቀቲላ ንተስፋ ደቅና ትምርዝ እሞ ነቲ እነፍቅሮ ኩሉ ኣዕንያ ካባና ተባርሮ።

ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ንልቢ ርሕሩሕ ኣቦ ክንምልከትን ክነስተንትንን ዝዕድመና። በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እዩ ዕለት ዕለት ከም ኣሕዋት ክነብር እንኽእል። ከምዚ ብምግባር ጥራይ እዩ ነቲ ብሓይሊ እንደልዮ ሓድነትን ብሱቚታ ዝግበር ምጒናይን ኣሸኒፍና ነቲ ናይ ምምቅቃል ዝንባሌታትና ክነወግዶ እንኽእል። ዕለት ዕለት ኣዕይንትና ንሰማይ ቊሊሕ ኣቢልና ‘ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር’ ምስ እንብል ጥራይ እዩ ከም ጸላእቲ ዘይኮነ ከም ኣሕዋት ንክነብር ዘኽእለና።

ነቲ ዘዕገርግር ዝነበረ ዓቢ ውሉድ ንከተሃዳድእ እቲ ኣቦ ወደይ ‘ኩሉ ናተይ እኮ ናትካ እዩ’ (ሉቃ 15.31) ይብሎ። እዚ ንንብረት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ነቲ ኣባታዊ ፍቅርን ርሕራሔን እውን የጠቃልል። ናይ ሓደ ክርስትያን ዝለዓለ ውርሻን ሃብትንከስ እዚ እዩ። ከመይ ክንዲ ብኩነታት ሞራላውን ማሕበራውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን መለክዒ ማንም ክትንክፎ ብዘይክእል ንኩሉ ብማዕረ ዝወሃብ ፍቁራት ደቂ እግዚአብሔር ምዃንን መዓልቲ ኣብኡ እንምለስ ብዓቢ ትጽቢትን ሃንቀውታን ዝጽበየና ዓቢ በዓል ናይ ወላዲ ከምዝገብረልና እውን ፍሉጥ እዩ እሞ ካብዚ ዚዓቢ ትዕድልቲ የለን።

እዛ ኩሉ ናተይ ናትካ እዩ እትብል ሓረግ ነቲ ናይ ኣባታዊ ርሕራሔ እውን ተጠቃልል። ስለዚ ነቲ ተዓዲሉና ዘሎ መንፈስ ውሉድነት ኣብ ሕቶ ሕግታትን ክልከላን ግቡእነትን ተጽዕኖን ኣይነውድቆ። ከመይ ውሉድነትና ካብ ወለታውነት ወይ ሕጋውነት ካብ ምስምማዕ ወይ ምግጥጣም ዘይኮነስ ብትሕትናን ብቀጻልነትን `መንግሥትኻ ትምሳእ’ ኢልና ዕለት ዕለት ከም ዝጽልዩ ኣመንቲ ምዃን እዩ ዝምንጩ።

ኣብ መወዳእታ እዛ ምሳሌ እዚኣ ሓደ ክፉት ነገር የቅርበልና። እቲ ኣቦ ነቲ ዓቢ ወዱ ኣብ ናይ ምሕረት በዓልን ሓጐስን ክሳተፍ ይልምኖ። እቲ ወንጌላዊ ግን እቲ ዓቢ ወዲ እንታይ ከምዝገበረ ኣይነግረናን። እዚ ክፉት ዕድመ እዚ ንነፍሲወከፍና ኣብ ሕይወትና ኣብ ካልኦት ንዘሎና ጠመተን ዝምባሌንዶ ይውክል ይኸውን። ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣብ ቤት ኣቦ ብዙሕ ማሕደር ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። ካብዚ ማሕደር እዚ ደገ ዝተርፉ እቶም ኣብቲ ታሕጓስ ክሳተፉ ዘይደልዩ ጥራይ ኣዮም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ኣብዛ ዓዲ እዚኣ ብእትህብዎ ምስክርነት ወንጌል ምሕረት ከመስግነኩም እደሊ። ማሕበራትኩም ናይ ምሕረት ደሴታት ክሳብ ዝኾና ንእትገብርዎ ጻዕሪ አመስግነኩም። ነዚ ማንም ብሸለልትነት ክሰግራ ዘይብሉ ማንም እውን ካብ ሥቃይ ገጹ ዘዙረሉ ኣገባብ ዘይብሉ ባህሊ ምሕረት ከተደንፍዕዎ ኣተባባዓኩም። ወትሩ ኣብ ጐድኒ ናኣሽቱን ድኻታትን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝተገለሉን ደናቚር ኰይኖም ዝሕሰቡን ምዃን ቀጽሉሉ ከምቲ ሕያዋይ ኣቦ ንኩሉ ክትሓቁፉን ከም ልቡ ጌርኩም ክተፍቅሩን ጸዓሩ። ከምቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ዝምህለልዎ ከኣ መሓርን ርሕሩሕን እግዚአብሔር ሓይሉ ይሃብኩም ንእትገብርዎ ናይ ፍቅሪ ሥራሓት ከኣ ናብ ፍረ የብጽሓልኩም እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

‘ኩሉ ናተይ እኮ ናትካ እዩ’ (ሉቃ 15.31)

ኣብ መዝዛም መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ራባት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሮኮ እተካይዶ ሕንጸት መራኸቢ ድልድላትን ብሓፈሻኡ ናይታ ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውሑዳት ዝኣባላታ ብዕዮታታን ኣገልግሎታን ዓባይ ምዃና እውን ብትሕትና ተመስሎኣ ገሊጾም፡ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስትያንን ሃይማኖት ምስልምና ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡንን ኣብ መንጐ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ናይ መራኸቢ ድልድል ምዃና ዘማእከለ ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ ንቕዱስነቶም ንዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመስጊኖም ሰላምታን ምስ ኣቕረቡ ቅዱስነቶ ኣውን ብወገኖም ቃለ ሰላምታ ከምዘስምዑ ክንገር እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብናይ ሞሮኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ንኽምለሱ ናብ ራባት ናብ ዝርከብ መዓረፎ ነፈርቲ ሳለ ተጓዒዞም ኣብኡ ብናይ ንጉስነቶም ልኡካን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ናይ ንጉስነቶም መቐበሊ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ምስ ተገበረሎም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ትኵእ ዋና ጸሓፍን ብናይ ስብከተ ወንጌል ነሕዛብ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፍን ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍን ብሓባር ንቶም ወግዓዊ ምፍናው ንዝገበሩሎም ልኡካን ናይ ሞሮኮ ንግስ ሰላምታ ኣቕሪቦም ተፋኒዮም ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ርብዕናን ናብ ሮማ ነቒሎም።

ናብ ሮማ ነቒሎም

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞሮኮ ዕለት 31.3.2019
01 April 2019, 18:03