ድለ

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ካቴድራል እመቤተ ማርያም፡ ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ንፈረንሳ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ካቴድራል እመቤተ ማርያም፡ ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ንፈረንሳ 

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ካቴድራል እመቤተ ማርያም፡ ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ንፈረንሳ

እቲ ናይቲ ዝሓነጽዎ ጥልቅን ጽኑዕን እምነት ዝምስክር ናይ ፈረንሳ ብሔራዊ ትእምርቲ ዝዀነ ኣብ ማእከል ከተማ ፈረንሳ ዝርከብ ናይ ሕዝቢ መንፈሳውን ሰብኣውነትን ውርሻ ተባሂሉ ዝምስከረሉ ካቴድራል እመቤተ ማርያም ዝወረደ ሓደጋ ባርዕ

ጸሎትን ቅርበትን፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕል እቲ ናይ ፈረንሳ ሃገራዊ ትእምርትን እቲ ዜጋታት ኣብ ፍልልያት ኣመኔታቶም ኵሉ  ምልክታ ሓድነት ተባሂሉ ዝንገረሉ ካቴድራል እመቤተ ማርያም ዝወረደ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ናብ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚሸል ኣውፐቲት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ናይ ፍረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ካብ መላእ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ናይ ቅርበትን ጸሎትን መልእክቲ ኣዚዩ ከምዝተንከፎም ክንገር እንከሎ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ይጻረ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይቲ ዝሓነጽዎ ጥልቅን ጽኑዕን እምነት ዝምስክር ናይ ፈረንሳ ብሔራዊ ትእምርቲ ዝዀነ ኣብ ማእከል ከተማ ፈረንሳ ዝርከብ ናይ ሕዝቢ መንፈሳውን ሰብኣውነትን ውርሻ ተባሂሉ ዝምስከረሉ ካቴድራል እመቤተ ማርያም ዝወረደ ሓደጋ ባርዕ ልቦም ብሓዘን ክትንክፈ ከምዘገበረ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሊቀ ጳጳሳት ፈረንሳ ብፁዕ ኣቡነ ኣውፐቲት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብቲ ዘጓነፈ ሓዘን ሕቡርን ንመላእ ዜጋታት ፈረንሳ ቅርበቶም እውን ኣረጋጊጾም፡ ኣብዚ ቅዱስ ቅነ ኵሉ ናይ ኢየሱስ ሕማማት፥ ሞቱን ትንሳኤኡን ተዘክሮ ክገብሩ ሓደራ ቢሎም፡ መንፈሳዊ ቅረበቶምን ጸሎትም ከምዘረጋገጹ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፡ እዚ ከቢድ ሓደጋ ባርዕ ነቲ ታሪኻዊ ካቴድራል ከቢድ ውድመት ከምዘስዓበሉን እቲ ናይ ፓሪስ ተቐማጦ ዜጋታትን ናይ መላእ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ሰዓቢ ሕዝቢ ፈረንሳ ምኽንያት ጓሂ ከምዝዀነን ኣብዚ ጓህን ስቓይን እሓብር ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 15 ሚያዝያ ምሸትን ከምኡ እውን ሎሚ ዕለት 16 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ንጐሆ ብዛዕባ እቲ ዝወረደ ሓደጋ ምስተሓበሮም ኣብ ኣዋኑን ሎሚ እውን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ባርዕ ልቦም ብሓዘን ክምላእ ከምዝገበረን ገሊጾም ንመላእ ህዝቢ ቀረባ ምዃኖምን ኣብ ጸሎቶም እውን ዙኩር ምዃኑ ከምዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ይገልጹ።

መላእ ቤተ ክርስቲያን ዓለምን ኣብ ጸሎት

መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ነቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ባርዕ ንምጥፋእ ንዝተረባረቡ ሓደጋ ምክልኻልን  መጥፋትን ሓዊውን ኣባላትን በርገሳዊ ሰበ ስልጣናትን ዘቕረብዎ ሕጹጽ ድጋፍ ብምምስጋን ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሙሊንስ በውፎርት እቲ ባርዕ ኣብ ልቦም ከም ብሩቱዕ ኣውያት ከምዘዘቃልን ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካል ኩሉ ሰብ ዝወረደ ማሕሰይቲ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣሰዒበን፥ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ኣውፐቲት ኣውን ብወገኖም ብሓባር ምስ ናይ ሃገሮም ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብቲ ሓደጋ ባርዕ ዝወረዶ ካቴድራል እመቤተ ማርያም ምብጻሕ ኣካይዶም ብሓቂ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ሓደጋ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹን፡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንመላእ ምእመናን ሕዝብን ነሕዋቶም ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳን ቅርበቶምን ጸሎቶም ምሉእ ምትሕብባርን ከረጋግጹ እንከለዉ ናይ ሎንደን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኰላስን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ብፁዕነቶም ጃስቲን ወልብይን ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፈር ሾንቦርን እውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጠን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካቴድራል ብድላይ ብፁዕ ኣቡነ ማውሪሰ ደ ሱልይ ኣብ 1163 ዓ.ም. ዝተበገሰን ር.ሊ.ጳ. ኣለሳንድሮ ሳልሳይ መሰረተ እምን ዘንበሩሉን ኣብ 1182 ዓ.ም. ከምእተጠናቀን፡ ናይቲ ካቴድራል ዋና መንበረ ታቦት ናይ ምብራኽ ስነ ስርዓት ብር.ሊ.ጳ. ሉቾ ሳልሳይ ከምእተፈጸመ ናይታ ካተድራል ናይ ታሪኽ ማህደር የረጋግጾ።

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ልዕሊ ካቴድራል እመቤተ ማርያም፡ ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ንፈረንሳ
16 April 2019, 16:27