ድለ

ፍትሒ እንክጐድል ሱቚ ዘይምባል ክንዲ ፈላላዪ መናድቅ መራኸቢ ድልድል ንስራሕ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ድሕሪ እቲ ጽዑቚ ጸሎተ ሳልስቲ ፋሲካን ናይ ፍርቂ ለይቲ ቅዳሴን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ማለት ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ብዝብል ቃለ ምዕዳን ሂቦም ሓዋርያዊ ቡራኬን ናይ ሥሬተ ሓጢኣት ጸሎትን የዕርጉ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ መሊኦማ ንዝነበሩ ምእመናን ሮማን ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን ንመላእ ዓለምና ዝኸውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ቃለ ቡራኬ ሂቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ትዕድልቲ ዘመንና ኰይኑ ዓለምና ካብ ጻት ናብ ጻት ኩሉ ሥቃይን ቃንዛን ሓዘንን ኰይና ስደትን መከራን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ በዚሑ ደቂሰብ ከኣ ክንዲ ርሕራሔን ምድንጋጽን እነርኢ ንፍገትን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዕጺኻ ንምትራፍ ሓጹርን መናድቅን ምህናጽን ኰይና ምናድ እተን ደሓን ዝኾናን ሃገራት ክጭክና ምርኣይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንኩለን ጸገም ዘለወን በብሓደ እናጠቀሱ ምሕጽንታኦም ገሊጾም።

ሓዲስ ሕይወትን ሓዲስ ዓለምን!

ዕለተ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ንቤተክርስትያንስ ይኹን ንመላእ ዘመደ ኣዳም ናይ ሕዳሴ ጒብዝናን ግዜ ኰይኑ እዚ ከኣ ንዘለዓለም እዩ። ቅዱስነቶም ከም መኽፈቲ ቃሎም ክጥቀሙሉ ዝመረጽዎ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ፍጻሜ ሲኖዶስ መንእሰያት ዘመሓላለፍዎ ቃለ ምዕዳን እንደገና ከምዚ ክብሉ ደጊሞም።

ክርስቶስ ሕያው እዩ! ንሱ ተስፋና እዩ። ናይዚ ዓለምና ዝበለጸ ንእስነት እውን ንሱ እዩ። ንሱ ዝትንክፎ ኩሉ መንእሰይ ይኸውን ሓዲስ ይኸውን ብሕይወት ከኣ ይመልእ። ስለዚ ከኣ እየ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ክርስትያን ከቅርበን ዝደለኹ ቀዳሞት ቃላት ክርስቶስ ሕያው እዩ ንስኻ ሕያው ክትከውን እውን ይደልየካ ዝብላ እየን ኢለ ነረ። ሎሚ እውን ንኩሉኹም ኣብዚ ዘሎኹምስ ኩኑ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተሉና መንእሰያትን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን ንኩሎም ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም እትርከቡ ንነፍሲወከፍኩም ነዚ እምነየልኩም። ክርስቶስ ምሳና እዩ። ሽሕ`ኳ ንሕና ክንፍለ ክንርሕቅ እንተፈተና ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድንና እዩ። ፈጺሙ ኣይሓድገናን። እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ ጐድንኻ ኣሎ ይጽወዓካ ኣሎ እንደገና ብሓዲሽ ክጅምር ይጽበየካ ኣሎ ኢሎም።

ትንሣኤ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ወዲተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ምጅማር ሓዲስ ሕይወት እዩ። ከመይ እቲ ሓቀኛ ተሓድሶ ወትሩ ካብ ልቢ ካብ ሕልና እዩ ዝጅምር። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ፋሲካ ምጅማር ሓዲስ ዓለም እውን እዩ። እዚ ሓዲስ ዓለም እዚ ካብ ባርነት ሓጢእትን ሞትን ሓራ ዝኾነ እቲ መንግሥቲ እግዚአብሔር እንብሎ መንግሥቲ ፍቅሪ መንግሥቲ ሰላም መንግሥቲ ሕውነት እዩ እንክብሉ ድሕሪ ኣበሲሮም በብሓደ ናብተን ብውግእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ክትንትኑ ጀሚሮም።

ንሃገረ ሲርያ ፖሎቲካዊ ፍታሕ እዩ ዘድሊ!

ቅዱስነቶም ነተን ኣብ ዓለምና ኣብ ብርቱዕ ፈተነን ስቃይን ሓዘንን ካብ ዝርከባ ሃገራት ብምዝካር እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ፈጺሙ ከምዘይሓድገን ክተኣማመና የዘኻኽሩ እሞ ስለ ኣቲ ፍቊር ሕዝቢ ሶርያ ግዳይ መወዳእታ ናይ ዘይትርእየሉ ውግእን ብምዃና ዝገደደ ከኣ ነቲ ስደቶምን ስቃዮምን ሞቶምን መላእ ዓለም ለሚድዎ ሸለል ኣብ ዝብለሉን ተስፋ ቊርጸት ኣብ ዘንጸላልወሉን ግዜ ክርስቶስ ተስፋ ክሳብ ዝህቦም ጸሎትም ከምዘየቋርጹ ይገልጹ።

ይኹን እምበር ብሓዲስ መንፈስ ንሃረርታ ነጻነትን ሰላምን ፍትሕን ሕዝቢ ሶርያ ቅኑዕ መልሲ ንምሃብ ፖሎቲካዊ ፍታሕ ናይ ምንዳይ ግዜ ዝበጽሐ ይመስል። ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ተፈናቂሎም ዘለው ብሰላም ናብ መረበቶም ዝምለሱሉ ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኖም ዘለው ስደተኛታት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ ምናዳ እቶም ኣብ ከም በዓል ሊባኖስን ዮርዳኖስን ንዓመታት ተሰዲዶም ዝነብሩ።

ማእከላይ ምብራቅ ውግእ የመንን ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሶርያ ዝዘከርዎ ውትሩ ኣብ ምምቅቃልን ውግእን ወረ ውግእን ዝነብር ማእከላይ ምብራቅ ምልስ ይብሉ እሞ ኣብዚ ዞና እዚ ዝነብሩ ክርስትያን ትዕግሥቲ ብዝመልኦ ተጻዋርነትን ጽንዓትን ነቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወትን ካብ ምምስካር ዓዲ ከይውዕሉ ተማዕጺኖም።

ፍሉይ ሳህሮይ ናብ ሕዝቢ የመን ምናዳ ከኣ እቶም ብጥሜትን ብውግእን መዓት ዝወርዶም ዘሎ ሕጻናት እዩ ዘሎ። ብርሃን ፋሲካ ካብ እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውን ጅሚሩ ንልቢ ገዛእትን ሕዝብን ማእከላይ ምብራቅ ከብርህ እሞ ካብቲ ዘሎ ብዙሕ ሥቃይ መስተርሆት ንክረኽቡሎም ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ መጻኢ ንምፍጣር የኽእሎም።

ኣብ ሊብያ ሞት ይቅጽል ኣሎ!

ቅዱነቶም ቀጺሎም ዝዘከርዋ ሃገር እታ ደሓን ክትመስል ቀንያ ከም ብሓዲስ ዘሎን ዘየሎን ኣጽዋር ሸሚቶም ብምትእትታው ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ባእታታት ብርቱዕ ደማዊ ኩናት ብምጅማሩ ነቲ ኣደራዕ ዝስከሙ እቶም ኣብ ማእከል ዝሞቱ መሳኪን እንክኾኑ ብዙሓት ሥድራቤታት ከኣ መረቦቶም ገዲፎም ኣደዳ ስደትን መከራን ምዃኖም ገሊጾም።

ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ወገናት ክንዲ ንምቅታል ምውድዳር መንገዲ ዘተ ክመርጹ እሞ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታ ዝተኻየደ ግጭትን ፖሎቲካዊ ቅልውላውን ዘስዓቦ ቊስልታት ዳግም ካብ ምሕካኽ ክድሕኑ እምሕጸን ኢሎም።

ፍቅርቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ!

ብሊብያ ዝጀመረ ጻውዒት ቅዱስነቶም ናብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብምስፋሕ እቲ ሕያው ዝኾነ ክርስቶስ ሰላሙ ናብ መላእ ኣፍሪቃ ከፍስስ እሞ ነቲ ዘለዎ ማሕበረሰባዊ ወጥርታት ግጭታት ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ናብ ተሪር ምስሕሓብን ሁከትን ሰጊሩ ዘይውሕስነትን ዕንቀትን ሞትን ዘስዕብ ኩነታት ከርሕቅ ብሕልፊ ቡርኪና ፋሶ ማሊ ኒጀር ናይጀርያን ካመሩንን ሰላም ይሃብ ኢሎም።

ሓሳባተይ ናብ ሱዳን እዩ ዘሎ ከመይ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዓቢ ዘይርጉእነት ፖሎቲካ ይረኤ ኣሎ። ኩሎም ተዋሳእቲ ድምጺ ክረኽቡ እሞ ነፍሲወከፎም እታ ሃገር ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ሃገር እትብሎም ነጻነትን ምዕባለን ሠናይ ነገርን ከምእትረክብ ክገብሩ እምሕጸን ኢሎም።

ዕርቂ ኣብ ደቡብ ሱዳን!

ቅዱስነቶም ነታ ስለሰላም ደቡብ ሱዳን ክብሉ ኣብ እግሪ መራሕታ ዝወደቅዋ  ደቡብ ሱዳን ይዝክሩ እሞ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ዘካየድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ፍረ ክህብ ዘለዎም ምንዮት ይገልጹ።

ኣብ ታሪኽ እቲ ሃገር ሓዲስ ገጽ ታሪኽ ክኽፍተን ኣብኡ ከኣ ኩለን ጉጅለታት ፖሎቲካን ማሕበረ ሰባትን ናይ እምነት ተቊዋማትን ንሓባራዊ ሰናይ ነገርን ንዕርቂ ናይታ ሃገርን ተጊሆም ክሰርሑ እምነ ኢሎም።

ምብራቃዊ ኡክራይና!

ንኣህጉር ኣፍሪቃ ብሓፈሻን ገሊኣተን ሃገራትን ድሕሪ ጠቂሶም ቅዱስነቶም ናብ ኤውሮጳ ምልስ ይብሉ እቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ እንተኾነ ካብ ዓመታት ንምብራቅ ኡክራይና ዘድሚ ዘሎ ውግእ ዘኪሮም ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ምጽንናዕ ይምህለሉ።

እግዚአብሔር ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝነቀለ ተበግሶ ኣተባቢዑ ናብ ነባሪ ሰላም ዝበጽሑ ይግበሮም ኢሎም።

ፖሎቲካ ዘሰክሞ ሓላፍነታት!

ሕንፍሽፍሽ ፖሎቲካን ስማዊ ደሞክራስን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ግጭትን ሁከትን እኳ እንተስኣስዓበ ኣይከም ኣብ በዓለ ቨነዝወላን። እዚ ሃብታም ክንሱ ኣብ ድኽነት ዝወደቀ ከባቢ ሰኣን ቅኑዕ ምሕደራ ሕዝቢ ኣብ ብርቱዕ ቅልውላው ፖሎቲካን ቊጠባን ይርከብ ስለዘሎ መራሕትን ፖሎቲከኛታትን ሓላፍነቶም ተረዲኦም ሕዝቦም ክረድኡ እዚ ፋሲካ እዚ ልቦም ክትንክፍ እሞ እንተወሓደ ነቲ ንወዲሰብ ዘድሊ ውሕስነት ሂብካ ክብሪ ወዲሰብ ዝሕለወሉን ነባሪ ሰላም ዝነግሰሉን ሃዋኍ ክፈጥሩ ይምሕጸኑ።

ነቶም ፖሎቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም ጐይታ ንማሕበራዊ ኢፍትሓነትን ዓመጽን ጭቆናን ንከወግዱን ነቲ ዘሎ ፍልልይ ንምፍዋስ ጭቡጥ ፍታሕ ንክገብሩን ነቲ ሕዝቢ ጐዲልዎ ንዘሎ ክምልኡን ልቦም የብርሃሎም። ካብ ሞት ዝተንሠኤ ጐይታ ነቲ ኣብ ኒካራግዋ ዝግበር ጻዕሪ ፍረ ክህልዎን ንሕዝቢ ኒካራግዋ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን ብርሃኑ ይልኣኽ ኢሎም።

ምቅድዳም መሣርሒ ውግዕ የብቅዕ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ናይ ኩሉ ግጭታት ሱር ዝኾነ መሣርሒ ውግእን ዕዳጋኡን ውድድሩን ፈተነኡን ስለዝኾነ እዚ ከኣ እንትርፎ ዕንወት ካልእ ፋይዳ ሰለዘይብሉ ደው ይብል ክብሉ ተማሕጺኖም።

ጐይታ ንመራሕቲ ኩለን ሃገራት ናብ መሣርሒ ውግእ ንዝግበር ጉያ ደው ከብሉ ከብርሃሎም ምናዳ ኸኣ እተን ብቚጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ነቲ ዝካየድ ኣሻቃሊ ዝኾነ ዝርጋሔ መሣርሒ ውግእ ጠጠው ከብላ ከብርሃለን እምህለል ኣሎኹ ኢሎም።

እንጌራ መጽለልን ክብርን!

ወዲሰብ ንክነብር ዘድልያኦ መሠረታውያን ነገራት እንጌራን መጽለልን ክብርን ኰይነን ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤ ናይ መላእ ዘመደ ኣዳም ልብን ሕልናን ብብርሃን ትንሣኤ ክትንከፍ እሞ ነቶም ዝተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምናዳ ከኣ ዝከላኸለሎም ዘብሎም ድኻታትን ሥራሕ ኣልቦን ዝተጐስዩን ወገንና ተጸጊሞም ማዕጾና ክኩሕኩሑ እንከለው ነቲ ዘድልዮም እንጌራን መጽለልን ክብሪ ወዲሰብን ከምዝልግሱ ንክገብሮም ይልምኑ።

ብብርሃን ፋሲካ ተመሪሕና ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ መኣዛ ናብቶም ብብሕትውና ኣብ ሓሳረ መከራን ስቃይን ተዋሒጦም ዘለዎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነብጽሕ። ነቲ ኣደንዚዙ ሒዙና ዘሎ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ናይ ሸለልትነት እምኒ ንስበሮ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ነቶም ዓመት ዓመት ንምሽላም ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኸውን ዕምባባ ዘወፍዩ ሃገረ ነዘርላድን  እስሎቨንያን ኣመስጊኖም ጸሎተ ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ናብ መላእ ዓለም ኣወፈዩ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 April 2019, 19:03