ድለ

2019.04.10 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 2019.04.10 ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ! 

ኲልና ወላውን እቶም ቅዱሳን ከይተረፉ ንእግዚአብሔር ሰብ ዕዳኡ ኢና! ር.ሊ.ጳ

ቃል አምላኽ፥ ‘ፍቚራተይ! ሓጢኣት የብልናን እንተበልና ንርእስና ነሰሓሕት፡ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። ብሓጢኣትና እንተ ደኣ ተኣሚንና ግና ንሱ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ሓጢኣትና ይምሕረና እዩ። ካብ ኵሉ ኣበሳና እውን የንጽሓና እዩ’ (1ዮሓ 1.8-9) ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ጸሎተ ኣቡነ ዘበሰማያት ንእግዚአብሔር ኣቦና ዕለታዊ እንጌራ ክበና ምስ ለመንና ብቐጥታ ምስ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ ንሰጋገር። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ‘ንበደላትና ይቅረ በለልና ንሕና እውን ንዝበደሉና ይቅረ ክንብል ኢና’ (ማቴ 6.12)። ከምቲ ዕለታዊ እንጌራ ዘድልየና ማዕረ ማዕረኡ ይቅረታ እግዚአብሔር ዕለት ዕለት የድልየና።

ናብ እግዚአብሔር ዝምህለል ሓደ ክርስትያን ቅድሚ ዝኣገረ ዕዳኡ ሓጢኣቱ እቲ ዝፈጸሞ ሕማቅ ነገራት ክሕደገሉ እዩ ዝልምን። እዚኣ ናይ ነፍሲወከፍ ጸሎት ቀዳመይቲ ሓቂ እያ። ወላውን ፍጹማት ሰባት እንተመሰለና ወላውን መንቅብ ዘይብሎም ካብ ሠናይ ሕይወት ፈልከት ዘይብንል ቅዱሳት ክርስትያን እንተመሰለና ወትሩ ካብ እግዚአብሔር ኣቦና ኩሉ እንጽበ ውሉድ ኢና። ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትና እቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ዝምባሌ ኣየናይ እዩ! እንተበልና ዝምባሌ ትዕቢት እዩ። እዚ ዝምባሌ እዚ ወትሩ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንኩሉ ብመስርዕ ዝሓዝና ፍጹማት ኢና ዝብል ኣበር ኣለዎ። ትዕቢተኛ ኩሉ ኣብ ኢዱ ከምዝኾነ ገሩ ይሓስብ። ከምቲ ኣብ ምሳሌ ፈሪሳውን መጸበሓውን እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ቤተጸሎት ክልምን እንከሎ ብኩሉ ፍጹም ከምዝኾነ ‘ኦ ጐይታ ከምቶም ካልኦት ዘይገበርካና ኣመስግነካ` እንክብል ንርእሱ ዘመጻደቀ እሞ ዝጽሊ ዝመሰሎ ኮይኑ ግን ከም ሓቑ እንተኾይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንርእሱ እዩ ዝንእድ ዝነበረ። ፍጹማት ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ንካልኦት እናኣቈናጸቡ ዝነብሩ ዕቡያት ሰባት እዮም። ካብና ማንም ፍጹም ኣይኮነን! ማንም! ብኣንጻሩ እቲ ብኩሎም ዝተናዕቀ ሓደ ሓጢኣተኛ መጸበሓዊ ኣብ መእተዊ እቲ ቤተመቅደስ ደው ይብል ንክኣቱ ብቚዕ ኮይኑ ኣይስምዖን ኣብኣ ኮይኑ ብምሕረት እግዚኣአብሔር ይተኣማመን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብዞም ክልተ እቲ መጸበሓዊ ጸዲቁ ንገዛ ከምዝተመልሰ (ሉቃ 18.14) የረጋግጸለና! እዚ ማለት ተማሒሩ ይቅሬታ ረኺቡ ድሒኑ ተዓዊቱ ማለት እዩ። ብኸመይ እንተቢልና ዕቡይ ኣይነበረን ከመይ ድሩትነቱ ይፈልጥ ሓጢኣቱ ይፈልጥ ስለዝነበረ።

ኣብ ሕይወትና ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ሓጢኣት ኣለው። መዓት ድምጺ ዝገብሩ ግሁዳት ሓጢኣት ኣለው ማዕረ ማዕሪኦም ከኣ ወላ ባዕልኻውን ክተስተውዕለሎም ዘይትኽእል ሰላሕታዊ ባህርይ ዘለዎም ኣብ ልብኻ ዝተጠናነጉ ሓጢኣት ኣለው። ካብዚኦም እቲ ዝሓሰበ ትዕቢት ኮይኑ ወላ ነቶም ጽዑቕ ገዳማዊ ሕይወት ንዝመረጹ ከይተረፈ ክብክል ይኽእል። ካብ 1600-1700 ዓም ሓደ ውሩይ ናይ ደናግል ገዳም ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጃንሰኒስም ዝበሃል ምንቅስቃስ ብዛዕባ ፍጽምና ሰባት ዝዛረቡ ነቲ ምንቅስቃስ ዝኽተሉ ከኣ ከም መላእክቲ ጽሩያትን ንጹሓትን  ገሮም ዝግምቱ ነሮም ኮይኑ እዞም ሰባት እዚኦም ከም ዲያብሎስ ዕቡያት ነበሩ። እዚ ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ።  እዚ ሓጢኣት እዚ ንሕውነት ዝመቃቅል ካብ ካልኦት ዝበልጽና ኮይኑ ከምዝስመዓና ዝገብር ዳርጋ ንእግዚአብሔር ከምእንመስል ዘእምነና ሓጢኣት እዩ።

እንተኾነ እቲ ሓቑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። ከምቲ መጸበሓዊ ከኣ ኵልና በእከይየ ኢልና ኣፍልብና ክንድስቅ ብቚዕ ምኽንያት ኣሎና። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ‘ሓጢኣት የብልናን እንተበልና ንርእስና ነሰሓሕት፡ ሓቂ’ውን ኣባና የላን።’ (1,8) ይብለና። ንገዛእ ርእስኻ ክተታልል እንተደለኻ ሓጢኣት የብለይን በል! ከምዚ ብምግባርካ ንገዛእ ርእስኻ ኢኻ ተታልል ዘሎኻ።

ንእግዚአብሔር ሰብ ዕዳኡ ኢና ከመይ ኣብዚ ምድራዊ ሕይወትና ብዙሕ ተቀቢልና ካብ ዘይምህላው ናብ ህልውና መጺእና ኣቦን ኣደን ተዓዲሎምና ዕርክነትን ምሕዝነትን ተዋሂቡና ዘደንቅ ተፈጥሮ ተዓዲሉና ወዘተ። ሽሕ’ኳ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ሓንሳእ ሓንሳእ ከቢድ  ጸገማት እንተጓነፉና ወትሩ ሕይወት ሓንቲ ጸጋ ሓንቲ ትዕድልትን እግዚአብሔር ካብ ኢምንት ዝፈጠራ ተኣምር ምዃንን ክንዝክር ኣሎና።

ብካልኣይ ደረጃ ንኣምላኽ ሰብ ዕዳኡ ኢና ከመይ ሽሕ’ኳ ክነፍቅር ብዝተጸዋዕናሉ መሰረት ክነፍቅር እንተፈተና ብገዛእ ሓይሉ ከፍቅር ዝኽእል ማንም የብልናን። እቲ ሓቀኛ ፍቅሪ ክነፍቅር ክንክእል ከሎና ጥራይ ኮይኑ እዚ ከኣ ብጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ብናይ ገዛእ ርእሱ ብርሃን ዘንጸባርቅ ወላ ሓደ የለን። ነዚ ዝገልጽ ጥንታውያን ሊቃውንቲ  ንባበ መለኮት  ምሥጢረ ወርሒ ዝብልዎ ጉዳይ ኣሎ! እዚ ወርሒ ናይ ገዛእ ርእሳ ብርሃን ስለዘብላ ካብ ብርሃን ጸሓይ እያ እተንጸባርቅ እሞ እዚ ምሥጢረ ወርሒ ኣብ መንነት ቤተክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ታሪኽ እውን ይግለጽ እዩ። ንሕናውን እንተኾነ ናይ ገዛእ ርእስና ብርሃን የብልናን እቲ ኣሎና እንብሎ ብርሃን ካብ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ብርሃን እግዚአብሔር ዘንጸባርቅ እዩ። ንሓደ ሰብ እንተደኣ ተፍቅር ኰንካ ገና ሕጻን እንከሎኻ ብወጻኢ ክምስታ ዝለገሰልካ ብክምስታ ክትምልስ ዝመሃረካ ስለዘሎ እዩ። ክተፍቅር ዝኸኣልካስ ሓደ ጐረቤትካ ኣብኡ ትርጉም ምንባር ከምዘሎ ብፍቅሪ ስለዘንቀሓካ እዩ።

ናይ ሓደ ጌጋ ዝፈጸመ ሓደ እሱር ሓደ ዝተፈርደ ሓደ ብወልፊ ዕጸ ፋርስ  ዝተዀነነ . . ብዙሓት ዓበይቲ ጌጋታት ኣብ ሕይወቶም ዝገጸሙ ሰባት ስለእንፈልጥ . . ታሪኽ እሞ ጽን ንበል። እዚ ብዙሕ ምኽንያታት እኳ ክህልዎ እንተኸኣለ ምናልባት ናይዚ ኩሉ ጌጋ ሓላፍነት ዝስከም መን ኮን ይኸውን ኢልካ ምስ እትሓትት ሓላፍነትካ ተሰኪምካ ብሕልናኻ ጥራይ እንተዘይተመሪሕካ ታሪኽ ጽልእን ዝሰዓበ ውርደትን መከራን ሒዝካዮ ኢኻ ትነብር።

እዚ ምሥጢረ ወርሒ ኸስ ‘ስለምንታይ ነፍቅር ንዝብል ሕቶ ኣቀዲምና ስለዝተፈቀርና ይቅረ ንብል ኣቀዲመ ሰማያዊ ኣቦ ይቅረ ስለዝበለና ኣብ ዝብል መደምደምታ የብጸሓና። ሓደ ሰብ ነዚ ብርሃንዚ እንተዘይኣንጸባሪቁን በዚ ብርሃን እዚ እንተዘይመይቑን ከምቲ ናይ ምድራዊ ክረምቲ ከርዲዱ ይተርፍ።

ኣብቲ ዝመርሓና ሰንሰንሰለት ፍቅሪ ናይ እግዚአብሔር ሓልዮት ዝመልኦ ፍቅሪ ከመይ ኢልና ኢና ክንርኢ ዘይንኽእል! ካባና ወላ ሓደ ከምቲ እግዚአብሔር ጌሩ ዘፍቅረና ንእግዚአብሔር ዘፍቅሮ የብልናን። ነዚ ንምርዳእ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ስቑል ደው ኢልና ፍቅሩን ፍቅርናን ክሳብ ክንደይ ከምዝፈላለ ክግንዘብ ይኽእል። ንሱ ሓንሳእን ንሓዋሩን ስለዝፍቅረርና ብቀዳምነት ንዘለዓለም የፍቅረና።

ስለዚኸስ እቲ መንጐና ዝርከብ ዝለዓለ ቅዱስ በዓል ዕዳኻ ምዃኑ ንከየቋርጽ ለምን። ኦ ኣቦ ንኩልና ራሕርሃልና። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
10 April 2019, 12:59