ድለ

ንብጾትና ክንምሕር ኣሎና ኩሉ ብመንገዲ ፍትሒ ኣይኮነን ዝፍታሕ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፥ ‘‘ሽዑ ጴጥሮስ ናብኡ ቀሪቡ፥ ‘ጐይታይ ኃወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ጊዜ እየ ክምሕሮ ዚግብኣኒ፡ ክሳብ ሾብዓተ ጊዜዶ!’ በሎ። ኢየሱስ ከኣ ‘ክሳብ ሰብዓ ጊዜ ሾብዓተ ደኣምበር፡ ክሳብ ሶብዓተ ጊዜ ኣይብለካን’ በሎ’’ (ማቴ 18.21-22)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ሎሚ ናይታ ሓምሻይ ልመና ናይ ኣቡነዘበሰማያት ዝኾነት ‘ከምቲ ንሕና ንዝበደሉና ይቅረ እንብለሎም’ (ማቴ 6,12) እትብል ክፍሊ ክንዛዝም ኢና። ኣብ ቅድሚ እግዚኣአብሔር በዓል ዕዳ ምዃን ባህሪ ወዲሰብ ምዃኑ ርኢና ነርና። ኣሎና ንእንብሎ ኩሉ ከም ባህርያዊ ትዕድልትስ ይኹን ከም ጸጋ ካብኡ ኢና ተቀቢልናዮ። ሕይወትና ብእግዚአብሔር ፍቃድ ጥራይ ዘይኮነ ብኣኡ እተፍቅረት እውን እያ። ስለዚ ንክንጽሊ ኣእዳውና ሓፍ ክነብል እንከሎና ዘይነመስግነሉ ምኽንያት ፈጺምና የብልናን። ኣብ ቤተክርስትያን ባዕሎም ንባሎም ዝመስርሑ ሰባት የብልናን። ኩልና ንእግዚኣአብሔር ሰብ ዕዳኡ ኢና ከምኡ እውን ሕይወትና ጥጡሕ ንክኸውን ንዝሓገዙና ብዙሓት ሰባት ሰብ ዕዳኦም ኢና። መንነትና እምበኣር ካብቲ ዝተቀበልናዮ ሠናይ ነገር ይብገስ። እታ ቀዳመይቲ ኸኣ ሕይወት ብዓንዲ ርእሳ እያ! ኣይመስለኩምንዶ!

ዝጽልኸስ ተመስገን ምባል ይመሃር። ንሕና ግን ንኣይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ስለዝኾና የቀንየለይ ምባል ንርስዕ። ስለዝኸስ ዝጽሊ የቀንየለይ ኢልካ ምምስጋን ይመሃር እሞ እግዚኣአብሔር ምሳኡ ሠናይ ክኸውን ይልምን። ዝገበርና ንግበር ዝሓሰብና ንሕሰብ ክነወራርዶ ዘይንኽእል ዕዳ ምስ እግዚኣአብሔር ኣሎና። ካብቲ ንሕና እነፍቅሮ ንላዕሊ መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሩ የፍቅረና። ሽሕ’ኳ ከም ትምህርቲ ክርስትያንን ዝእዝዞን ክንመላለስ ንጽዕር እንተኾና ወትሩ ይቅሬታ እንሓተሉ ሓደ ነገር ኣይሰኣነናን እዩ። ብትህኪት ንዘሕለፍናዮ ዕለታት ኣንተሓሲብና ቂመ በቀል ንልብና ዝመልከሉ ግዝያት እንክንሓስብ ወዘተ። እዘን ተመላሊስና እንወድቀለን ኩነታት እዚኤን እየን እምበር ‘ኦ ጐይታ ኦ ኣቦ ንበደላትና ይቅረ በለለና ንዕዳና ሕደገልና’ እናበልና እግዚኣአብሔር ክምሕረና እንምሕጸኖ።

ሕስብ እንተበልና እታ ልመና ኣብዚኣ ጥራይ እንተትውሰን ክንደይ ምጠዓመ። ኰኑ ግን ኢየሱስ ምስዚኣ ብእትመሳሰል ካልአይቲ ክፍሊ ይምልኣ። እቲ ምስ እግዚኣአብሔር ዘራኽበና ትኹል ርክብ ሕያውነትን ምሕረትን ኣብ ጐድንና ምስ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሕዋትናን ዝዝርጋሕ ጋድማዊ መስመር ርክብ ክንፈጥር የድልዮ። ሕያዋይ ዝኾነ እግዚአብሔር ኩልና ከምኡ ሕያዎት ክንከውን ይዕድመና። ክልቲኤን ክፍልታት እዛ ልመና እዚኣ ፈጺምካ ክትፈልዮ ብዘይከኣል መራኸቢ ይተኣሳሰራ። ከምቲ ንሕና ነዕሩኽትናስ ይኹን ምሳና ንዝነብሩ ሰባት ጐረባብትና ደስ ዘየብል ነገር ንዝገበሩ በደሎም ከምእንሓደገሎም ንጐይታ በደላትና ሓጢኣትና ክሓድገልና ንልምኖ።

ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ምሕረት ሓጢኣት ከምዘሎ ይፈልጥ። እግዚአብሔር ንኩሉ ሓጢኣት ወትሩ ከምዝምህር ኩልና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ኢየሱስ ንሓዋርያት ብዛዕባ ገጽታ እግዚአብሔር ክገልጸሎም እንከሎና ርሕሩሕ ምሕረት ዝመልኦ መግለጺ ከምዘልዎ የብርሃሎም። ኣብ ሰማያት ካብ ንስሓ ዘየድሎም ቁጽሪ ዘይብሎም ጻድቃን ሓደ ሓጢኣተኛ ክንሳሕ እንከሎ ዓቢ ሓጐስ ከምዝኸውን (ሉቃ 15.7.10) ይብሎም። ኣብ ወንጌላት ካብ ሓጢኣት ክንሳሕ ብምሉእ ጣዕሳ ምሕረት እግዚኣአብሔር ንዝለመነ ኩሉ ከምዝምሕር ምንም ዓይነት ጥርጣሬ ኣይቀርብን።

ኮይኑ እዚ ክሳብ ክንድዙይ ዚዓቢ ጸጋ እግዚአብሔር ብዕቱብነት ምስራሕ ይሓትት። ብዙሕ ዝተቀበለ ሰብ ንርእሰይ ጥራይ ኢሉ ከይነፈገ ብዙሕ ምሃብ ክመሃር ኣለዎ። ብዙሕ ዝተቀበለ ብዙሕ ምሃብ ክመሃር ኣለዎ። ወንጌለ ማቴዎስ ኣቡነ ዘበሰማያት ምስ ሸውዓተ ልመናታት ምስ ሃበ ብኡ ንብኡ ንጉዳይ ምሕረት ከስምረሉ ዝደለየ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብኡ ንብኡ ‘ከመይሲ ንስኻትኩም ንሰብ ኣበሳኦም እንተደኣ ኃዲግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ክኪኃድገልኩም እዩ፥ ንስኻትኩም ንሰብ እንተዘይኃድግኩምሎም ግን፡ ኣቦኹም እውን ኣበሳኹም ኣይኪኃድገልኩምን እዩ’ (ማቴ 6.14-15) እንክብል ምሕረት ኣሕዋትን ኣሓትን ግዲ ከምዝኾነ የጠንቅቅ። እዙ ብጣዕሚ ሓያል እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ሰባት ከምዚ ክብሉ እሰምዕ። `ኣነ ነዚ ሰብ`ዚ ፈጺመ ኣይምሕሮን እየ! ነቲ ነዝን ነዝን ዝገበረኒ ፈጺመ ኣይምሕሮን እየ’ ይብሉ። ኰይኑ ግን  እንተዘይምሒርካ እግዚአብሔር ኣይክምሕረካን እዩ። ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ክንምሕር ከምእንኽእል ወይ ዘይንኽእል ምዃና እስከ ነስተንትን። ኣብታ ካልእ ሰበኻ ኣብ ዝነበርኩሉ ሓደ ካህን ብጣዕሚ ሓዚኑ ንዘጋጠሞ የዕልለኒ። ናብ ኣፋፈት ሞት ቀሪባ ናብ ዝነበረት ሽማግለ ሰበይቲ ሥርዓት ከብጽሕ ይኸይድ። እዛ መሽኪን ሽማግለ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ነራ። ስለዚ እቲ ካህን እምቤተይ ብሓጢኣትካ ትጠዓሳዶ! ይብለ ክናዘዛ ብዘይምኽኣለን እወ ይብላ! ቀጺሎም እቶም ካህን ንካልኦት ኩሎም ትምህራዶ ይብለን እተን ንሞት ቀሪበን ዝነበራ ሽማግለ ሰበይቲ ኣይፋል ይብላ። እቶም ካህን ብጣዕሚ ሓዚኖም። ንሕና እውን ሕልናና ንመርምር። እንተዘይምሒርካ እግዚአብሔር ኣይምሕረካን እዩ።  ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ ኣነ ፈጺመ ኣይክእሎን ከመይ እዚ ሕዝቢ እዚ ብዙሕ እዩ በዲሉኒ ክብለኒ ይኽእል ኣነ ኸኣ እንተዘይክኢልካ እግዚኣአብሔር ጸጋን ሓይልን ክህበካ ጐይታየ ንክምሕር ሓግዘኒ እናበልካ ለምን እብሎ። ኣብዛ ክፍሊ ልመና እዚኣኸስ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ኣብ ጸብጻብ ኣውሪድና ዝጐደለ እንተሎ ኣወራሪድና ክነተኻኽል ንግደድ። ገና ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ 18 ብዛዕባ ምሕረት ይዛረብ። እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ እዩ።

ቀጺሉ ማቴዎስ ምሳሌ ኢየሱስ ይጠቅስ 10 ሺሕ ክኸፍል ዝነበሮ በዓ ዕዳ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ ይጭነቅ ሓደ ተኣምር ይኽሰት ንኩሉ ዕዳኡ እቲ ዋና ይምሕሮ። ዘይተጸበዮ ጸጋ ይረክብ። ኰይኑ ግን እዚ ዝተማሕረ ሰብ ብኡ ንብኡ ሚእቲ ክኸፍሎ ዝነበሮ ሓው ይረክብ እሞ ልመናን ምሕጽንታን ሓው ምስማዕ ኣብዩ ብክሳዱ ሒዙ ክሳብ ዝኸፍሎ ንክእሰር ኣሕሊፉ ይህብ! እቲ ዋና ነዚ ምስ ሰምዔ በል ንዓ ከምቲ ዝመሓርኩኻ ካብ ዘይመሓርካ ነተን 10 ሺሕ ክሳብ ትኸፍል ተዳጐን ይብሎ። ስለዚኸስ ክትምሕር እንተዘይጽዒርካ ኣይትመሓርን ክትፈቅር እንተዘይጽዒርካ ኣይክትፍቀርን ኢኻ።

ኢየሱስ ንሓይሊ ምሕረት ኣብ ርክብ ደቂሰባት ይመልሶ። ኣብ ሕይወት ኩሉ ብፍትሒ ኣይኮነን ዝሓልፍ። ሓዲስ ታሪኽ ጸጋ ክትጅምር እንተደኣ ተደልዩ ነቲ ዝተገብረ ሕማቅ ነገር ክትምሕርን ልዕሊ እቲ ዝድለ ክተፍቅርን የድሊ። ሕማቅ ተግባር ምስ ሕነ ምፍዳይ ስለዝተኣሳሰር ብዝቀልጠፈ ብምሕረት እንተዘይተቆጽዩ ንዓለም ምሉእ ዓፊኑ ከጥፍእ ይኽእል።

ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ስኒ ኣብ ዝብል ሕጊ ነቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ናባኻ እመልሶ ይብል። ሓንሳእ ሓንሳእ ነዚኣ ንገብራ ኢና! ኣይኮነን ድዩ! ኩልና ንፋለጥ ኢና! ኢየሱስ ግን ነዚ ሕጊ እዚ ብሕጊ ፍቅሪ ይትክኦ። እዚ ከኣ ነቲ እግዚኣአብሔር ዝገበሮ ኣነ ንኣኻ እገብሮ ማለት እዩ። ኣብዛ ጥዕምቲ ሶምነ ፋሲካ ነዚኣ ነስተንትን። ክንምሕር ዝጽግመና እንተኾይኑ ክንገብሮ እንተዘይክኣልና ዘይስመዓናውን እንተኾነ እግዚአብሔር ምሒርካ ናይ ምኽኣል ጸጋ ክህበና ንለምኖ። ከመይ እዚ ጸጋ እዩ።

እግዚብሔር ንነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣብ ታሪኽ ሕይወት ኣሕዋቶም ብፍላይ ናይቶም ሓደ ደስ ዘይብል ነገር ዝገበሩ ዝተጋገዩ ጽብቅቲ ታሪኽ ንክጽሕፉ  ጸጋ ይህቦም። ብሓንቲ ቃል ብምትሕቁቋፍ ብፍሽኽታ ናብ ካልኦት ነቲ ካብ እግዚኣአብሔር ዝተቀበልና ጸጋ ክነመሓላልፍ ይከኣል። እዛ ካብ እግዚአብሔር ዝተቀበልናያ እተደንቅ ጸጋ ኣየንቲ ኮን ትኸውን እንተበልኩም ምሕረት እያ፣ ስለዚኸስ ነዛ ካብ እግዚኣአብሔር ብነጻ ዝተቀበልናያ ጸጋ ንካልኦት ንዓድላ። እግዚኣአብሔር ይሃበለይ ክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
24 April 2019, 16:46