ድለ

ክርስትያን መሰኻኽርን ኣብሰርትን ትንሣኤ ክርስቶስ ይኹኑ! ር.ሊ.ጳ

ብሥርዓተ ኣምልኾ ላቲን ድሕሪ ፋሲካ ዘላ ሰኑይ ንእሽቶ ፋሲካ ፓስኰታ ብዝብል ትዝከር ኰይና ልክዕ ከም በዓለ ፋሲካ ኣርእስተ ር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ጸሎተ ተፈሥሒ ኦ ንግሥተ ሰማይ ይደግሙ ኣስተምህሮ እውን የቅርቡ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰኑይ ዕለት 22 ሚያዝያ 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ‘ናይቲ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ኣደናቂ ዝኾነ ፍጻሜ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዝተዓወተሉ ትንሣኤ ኢየሱስ ምስክር ንኹን’ ክብሉ ድሕሪ ኣዘኻኺሮም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማቴዎስ ዝተወስደ ኰይኑ ትንሣኤ ክርስቶስን ናይተን ኣንጊሀን ኣብ መቃብር ዝተረኽባ ኣንስትን ዝገልጽ ኰይኑ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ‘‘ንስኻትክን ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ከም እተናድያ እፈልጥ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃ፡ ከምቲ ዝበሎ ተንሢኡ እዩ፡ ኣብዚ የለን፥ ንዕነ ነቲ ተነቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ርኣያኦ፥ ብቕልጡፍ ኬድክን ከ ነርድእቱ ‘ካብ ሙታን ተንሢኡስ እንሆ ንገሊላ ኺቕድመኩም እዩ፥ ኣብኡ እውን ክትርእይዎ ኢኹም’ በላኦም! እንሆ ነጊረክን ኣሎኹ’’ በለን ዝብል ይርከቦ።

ቅዱስነቶም ነዚ መበገሲ ብምግባር ነፍሲወከፍ ክርስትያን እውን ከምዘን ኣንስቲ እዚኤን ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ብኣካል ብግልና ክንረኽቦን መሰኻኽሩን ኣብሰርቱን ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና በዚ ከኣ ካብ ፍርሕን ጓሕን ሓራ ወጺእና ብታሕጓስ ፋሲካ ንመላለስ’ ኢሎም።

እዚ ፍጻሜ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ንፍጻሜ ትንሣኤ ክርስቶስ እንከመልክቱ ‘ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰባ ፈጺምካ ክሕሰብ ዘይከኣል ከምዝተፈጸመ ንክትኣምኖ ከቢድ ብምንባሩ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት ብጣዕሚ ኣደናቂ ኰይኑ እዚ ከኣ ነቲ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ሞትን ዝገልስ ኰይኑ ከም ከውሒ ድልዱል መሠረት ሕይወት ከም እንትስፎ ይገብረና’ እንክብሉ ዕብየትን ሓጐስን ፋሲካ ምስ ገለጹ ነቲ ኣብ ዕለተ ፋሲካ ኣብ ሃገረ ስሪላንካ ዝተፈጸመ ኣሰቃቂ ኅልቂት ‘ኢሰብኣዊ ተግባራት ብምንም ተኣምር ምኽንያታዊ ክኸውን ዘይክእል ኢፍትሓዊ ተግባር’ እንክብሉ ኣወጊዞም።

ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነን መንፈስ ከምዘይኮነን ባዶ መቃብር ይምስክር!

ኣብ ላዕሊ ከምዝጠቀስናዮ ናይ ዕለቱ ወንጌል ናብቲ መቃብር ኣንጊሀን ዝኸዳ ኣንስቲ ብቀዳምነት ምስ መልኣኽ ተራኺበን ነቲ ብሥራት ንሓዋርያት ክነግራ እንክጐዓዛ ከኣ ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ከምዝረኣያኦን ኣብ ባይታ ወዲቀን ኣምልኾአን ከምዘቅረባን እዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ጥቃ ባዶ መቃብር ነበረ።

“ኣብዚ ቅንያት እዚ ነቲ ጥርሑ ዝተረፈ መቃብር ኢየሱስ ምስትንታን ብዙሕ ክሕግዘና እዩ። እተን ኣንስቲ ብፍርህን ታሕጓስን ተመሊኤን እቲ መቃብር ባዶ ከምዝኾነን ክርስቶስ ካብ ሞት ከምዝተንሠኤን ንከበስራ ይህወኻ ነረን ኢየሱስ ግን ኣብ ቅድሚኤን ደው ይብል። ንሰን ከኣ ናባኡ ቀሪበን ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኤን ነእጋሩ ሒዘን ኣምልኾአን ኣቅሪበን። ተንኪፈንኦ ስለዚ መንፈስ ወይ ምትሓት ኣይነበረን ኢየሱስ ብኣካሉ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ብሥጋኡ ሕያው ምዃኑ ኣረጋጊጸን። ኣብቲ ግዜቲ ኢየሱስ ካብአን ንኩሉ ፍርሒ ይቅንጥተለን እሞ ከምቲ መልኣኽ ዝበለን ዳግም ነቲ ዝተረኽበ ፍጻሜ ነሕዋቱ ከበሥራ የተባብዔን። ብትንሣኤ ክርስቶስ ንሕና እውን ተንሢእና ኢና።”

ኣርባዕቲኦም ወንጌላውን ከም ቀዳሞት መሰኻክር ትንሣኤ ሙታን ንደቀ ኣንስትዮ ይጠቅሱ። ማርያም መግደላዊትን ካልኦትን። ንሱ ሕያው ምዃኑ ብቀዳምነት ግንባር ቀደም ኰይነን ዘበሥራ ደቂ ኣንስትዮ እንክኾና ወዮም ደቂተባዕትዮ ግን ፈሪሆም ኣብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም ነበሩ።

“ሎሚ እውን እንተኾነ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እተን ነተን ኣንስቲ ዝተነግራ ቃላት ‘ኣጆኽን ኣይትፍርሓ ኬድክን ኣበሥራ’ ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ኣብ ኣእዛንና የጋውሓ ኣለዋ። ድሕሪ እተን ንሕማማት ኢየሱስን ሞቱን ትንሣኤኡን ዳግም ከም እንነብረን ዝገበራና ጸሎተ ሳልስቲ ፋሲካ ሎሚ ብዓይኒ እምነት ነቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤን ሕያው ዝኾነን ጐይታ ነስተንትን ኣሎና። ንሕና እውን ከምተን ኣንስቲ ብግልና ብኣካል ክንረኽቦን ኣበሰርቱን መስከርቱን ክንከውን ዝተጻዕና ኢና። በታ ጥንታዊት ናይ ሥርዓተ ኣምልኾ ምልጣን ፋሲካ ኣብዚ ዕለታት እዚ ‘ክርስቶስ ተስፋይ ካብ ሞት ተንሢኡ’ እናበልና ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ንዘምር። ብኣኡ ንሕና እውን ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተንሢእና ኢና፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናብ ሓርነት ፍቅሪ ተሰጋጊርና ኢና። ነዚ ነንሕድሕድና እናተቀባበልናን እናተኻፈልናን ኣብ መንጎና ምህላው ይሰመዓና።”

በቲ ክብሪ ዝመልኦ ብርሃኑ ክንበርህ ብምፍቃድ ነቲ ናይ ፍርህን ጓህን ደመና ንቀንጥጥ። ኣብተን ህያብ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝኾና ሰላምን ቅሳነትን ብምሉኣት ኣእዳውና ሃንጐፋይ ኢልና ምስ ኣሕዋትና ኣሓትናን ንካፈሎ ምናዳ ከኣ ምስቶም ተስፋን ምጽንናዕን ዘድልዮም ንካፈሎ።

ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ እዩ ኣብ ጐድናን ኣውን ኣሎ። ንሱ እንክትጽውዖን እንክተፍቅሮን ይግለጽ። ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ጸሎት ከምኡ እውን ኣብተን ብእምነትን ምስጋናን ዝዝውተራ ናእሽቱ ሓጐሳት ይግለጽ። ብምሉእ ልብና ነንሕድሕድና እናተቀበልናን ዕርክነትን ሕውነትን እናኣደንፍዓናን ንተፈጥሮ እናስተንተናን ክንረኽቦ ንኽእል። ኣብዛ መዓልቲ ምስጋና ዝኾነ ዕለት እዚኣ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ንክነስተማቅር ይደግፈና።

ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ። ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ከኣ ‘ንዝረኸብና ዝኾነ ጽቡቅ ዕድል ንታሕጓስን ሰላምን ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ መሰኻኽር ንኹን` እንክብሉ ብምምሕጻን ኣፋነውዎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

23 April 2019, 13:46