ድለ

ኣብ ዛዕባ ኢየሩሳሌም ናይ ሓባር ጻውዒት ቅዱስ ኣቦናን ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይን

ብምምልካት፥ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ክትዕቀብ / ኣል ቆድስ ኣሻኢፍ፥ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ብፍላይ ናይተን ሰለስተ ኣሃዱ ኣምላክነት ኣመንቲ ሃይማኖታትን ምእመናንን ናይ ሓባር ውርስን ናይ መራኸቢ ስፍራን ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ትእምርትን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ዘሞሮኮ ኢየሩሳሌም እንኰን ቅድስትን ከተማ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብን ናይተን ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ምእመና ናይ ሓባር ውርሻን ኣራኻቢት ስፍራን ትእምርቲ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን እያ ዝብልን ኣብታ ከተማ ህብረ ሃይማኖትን መንፈሳውን ፍሉዩ ባህላውን ዓቐናታ ክነቓቓሕ ዝብል ናይ ሓባር ናይ ጻውዒት ሰነድ ቅዱነቶም ካብ ዕለት 30 መጋቢት ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዘካድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከምእተፈራረሙ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ከተማ ኢየሩሳሌም እንኰናውነታን ቅድስታውነታነታ / ኣል ቆድስ ኣሻሪፍ - ናይታ ከተማ መንፍሳውን ፍሉዩ በይናውን ናይ ሰላም ከተማ ጸዋዕታኣን ክዕቀብ ቅዱስ ኣቦናን ንጉስ ሞሓመድ ሻድሻይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፥ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ክትዕቀብ / ኣል ቆድስ ኣሻኢፍ፥ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ብፍላይ ናይተን ሰለስተ ኣሃዱ ኣምላክነት ኣመንቲ ሃይማኖታትን ምእመናንን ናይ ሓባር ውርስን ናይ መራኸቢ ስፍራን ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ትእምርትን ዝዀነትን ኣብኣ ሕድ ሕዳዊ ምክባብርን ናይ ሓባር ዘተ የማዕብሉን ይከናኸኑን ዝብል ሓሳብ የቃልሑ።

ነዚ ሸቶ ብምግባር ይብሉ፥ ናይታ ከተማ ህብረ ሃማኖታውነትን  መንፈሳውን ፍልዩ ባህላውን / ኣል ቆድስ ኣሻሪፍ ዓቐናታ ክዕቀብን ክነቓቓሕን  ይሓትቱ።

ምእንቲ’ዚ ናይ ኵለን ናይተን ኣብ ኣሃዱ ኣምላክ እምነት ዘለወን ሰለስተ ሃይማኖታት ምእመናን ናብታ ቅድስቲ ከተማ ብናጽነት ክኣትዉን ናይ ስግደትን ኣምልዀን መሰሎም ውሑስ ክኸውንን በዚ ኣገባብ’ዚ ኣብ ኢየሩሳሌም / ኣል ቆድስ ኣሻሪፍ ብዅሎም ምእመናን ንመጻኢ ናይ ሓባር ሰላማውን ሕውነታውን ናብራ ኣብ መሬት ዝምህለል ጸሎት ናብ እግዚኣብሔር ፈጣሬ ኵሉ ንኸዕርጉ ብዝብል ሓሳብ እቲ ብኽታሞም ዘቕረብዎ ኣብ ጉዳይ ኢየሩሳሌም ዝምልከት ናይ ሓባር ናይ ጻውዒት ሰነድ የጠቓልሉ።

 

02 April 2019, 17:24