ድለ

ሲኖዶስ ጳጳሳት ሲኖዶስ ጳጳሳት 

ጸዋዕታ ማለት ንጻውዒት እግዚአብሔር ነጻ ኰንካ መልሲ ምሃብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ነቲ ኣብ ዝመጽእ 4ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ንመበል 56 ጊዜኡ ዚዝከር ዓለም ለኸ ዕለተ ጸዋዕታ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ንመጸዋዕታ እግዚአብሔር ጸማማት ኣይትኹኑ’ ጒስነታዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ይደንፍዕ! ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ኣመልኪትና ጽማቚ ናይታ መልእኽቲ ኣቅሪብናልኩም ነርና። ነዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም መልሲ ዝሃቡ ናይ ፎሊግኞ ጳጳስን ኣቦመንበር ኮሚሽን ውሉደክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ብፁዕ ኣቡነ ሲጊስሞንዲ እዮም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ንመጸዋዕታ ኣምላኽ ንምምላሽ ትብዓት ከምዘድሊ ትብዓት ብትብዓቱ ከኣ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ዝረኸበ ይርከበኒ ብጐይታ እተኣማመን ኢልካ ጠኒንካ ናይ ምእታው ትብዓት የድሊ ኢሎም ነሮም። ንመንእሰያት ጸዋዕታኦም ኣለልዮም ምእንቲ ክኽእሉ ከኣ ፍሉይ ጒስነታዊ ኣገልግሎትን እናኣሳለኻዮም ምሳኦም ምጒዓዝን ከምዘድሊ እውን ኣዘኻኺሮም ነሮም።

ናይ ፎሊግኞ ጳጳስን ኣቦመንበር ኮሚሽን ውሉደክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ብፁዕ ኣቡነ ሲጊስሞንዲ ነዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘ኣብ ኣእምሮይ ዝቅጀለኒ ቃል ኣምላኽ እቲ ዘማሪ ‘ተስፋኻ ካብ ስምካ ኣዚዩ ይዓቢ’ ዝብል እንክከውን እዚ ከኣ ተስፋታት እግዚአብሔር ንዕብየት ስም እግዚአብሔር ከም መዔቀኒ ይጥቀሙሉ። ንነፍሲ ወከፍና እግዚአብሔር ዝህባ ነፍሲወከፍ ተስፋ ምሥጢረ ነጻነትን ሕርየትን ሒዛ ትርከብ። እግዚአብሔር እንክጽውዕ ዚሓቶ ምሉእ ብምሉእኻ ምውፋይ እዩ። ዝኽሪ ዓለምለኸ ዕለተጸዋዕታን መልእኽቲ ር.ሊ.ጳጳሳትን ከኣ መንእሰያት ነዚ እግዚአብሔር ዝሓቶም ዘሎ ወፈያ ክገብሩ ኣብ ተስፋኡ ክተኣማመኑ እሞ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንመጸዋዕታ እግዚአብሔር ክምልሹ የድሊ` ኢሎም።

እግዚአብሔር ንምርጫና የኽብሮ እዩ!

ደቂ ሰባት ንሓንሳብን ንኩሉ ግዜን ነጻ ገሩ ዝፈጠረና እግዚአብሔር ነዛ ነጻነት እዚኣ ወትሩ ምስ ኣኽበራ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም  ‘መጸዋዕታ ጐይታ ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን` ኢሎም ነሮም፣ ብፁዕነቶም ነዛ ሓረግ’ዚኣ እንክትንትኑ ‘እዚ ኣበሃህላ’ዚ ዝገልጾ እንተሎ እግዚአብሔር ብዘይካ ናትና ነጻነት ወይ እሽታ ሓንቲ ኣይገብርን ንማለት ኮይኑ ኣብ’ዚ ኣብ መንጎ ዲያብሎስ እግዚአብሔርን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ዲያብሎስ ብዘይ ፍቃድና ሓንቲ ነገር ክገብር ኣይክእልን እግዚኣአብሔር ግን ክገብር ይኽእል። ኮይኑ ግን ከምቲ ንወዱ ንምልኣኽ እሽታን ፍቃድን ድንግል ማርያም ዝሓተተ ኣብቲ ዓቢ ትዕድልቱ ዝኾነ መጸዋዕታ ተስፋኡ ንክንሳተፍ ይዕድመና ናትና ፍቃድ ወይ እሺ ምባል ከኣ ይሓትት።’ እንክብሉ ሽሕ’ኳ ኩሉ ኣብ ክእለቱ እንተኾነ ብዘይ ፍቃድና ገዲዱ ሓንቲ ከምዘይገብር ብምግላጽ ንዝኾነ መጸዋዕታ እግዚአብሔር መልሲ ንምሃብ ብዘይ ምንም ተጽዕኖ ነጻ ብዝኾነ ልቢ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም። ኮይኑ ግን ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ኮይኑ ግን ዝኾነ መጸዋዕታን ምርጫን ጸገም ኣለዎ። ጠኒንካ ምእታው የድሊ ከመይ ከምኡ ዓይነት ውሳኔ ኣብ ቅድሚ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ዓስቢ ኣለዎ’ እውን ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብ መልእኽቶም ነዚ ጉዳይ እዚ ከምዝጠቀስዎ ብኩለንትናኻ ኢኻ ትካታዕ ዘሎኻ ኩነትናኻ ኢኻ ተወፊ ዘሎኻ ብዛዕባ መጻኢኻ ምንም ከይፈልጥካ ጠኒንካ ንክትውስን ትብዓት የድሊ ኢሎም ነሮም። ብፁዕነቶም ናብ’ዛ ጠኒንካ ምእታው ወይውን ምውሳን እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ ኣብ`ዚ ከምዚ ዓይነት ውረድ ደይብ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ኣየናይ ምዃኑ ትፈልጡዶ! ኢሎም ይሓቱ እሞ እቲ ዚዓበየ ሓደጋ ንምሉእ ነጻነትካ ብምውፋይ ከምዚ ኣብ ዲቅ ዝበለ ጸልማት ባሕሪ ዘሊልካ ዝእቶ ብእግዚአብሔር ብምትእምማን ጨኪንካ ምውሳን እዩ። ብገዛእ ርእስኻ ካብ ምትእምማን ብእግዚኣአብሔር ምትእምማን እንክትመርጽ ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምእተምልጥ ግን ምፍላጥ የድሊ ኢሎም።

እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍና ብግልና ይጽውዓና!

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ‘ጸዋዕታ እግዚአብሔር ከመይ እዩ ኢልና እንተሓተትና ብሓደ ግላዊ ርክብ ምስ ጐይታ ጀሚሩ ብዘይተጸበኻዮ መንገዲ ብሃንደበት ዝመጽእ እዩ’ ይብሉ። ብፁዕ ኣቡነ ሲጂስሞንድ በዚ ከምዝሰማምዑ ይገልጹ እሞ ‘ነፍሲ ወከፍ ርክብ ካብቲ ብጥምቀት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ነቂሉ ምስ ጐይታ እንጠማመተሉ ፍጻሜ እዩ። ኣብ መጸዋዕታ እግዚኣአብሔርከስ ኣዕይንቲ እየን ዝዛረባ። ብርሃን ሰውነትና ዝኾነት ዓይኒ ናይ ልቢ ለውሃት ምልክት እያ። ምስ ጐይታ ከይተጠማመትካ ዚጅመር ለውጥን ጒዕዞን የለን። ዝኾነ ጒዕዞ ጸዋዕታኸስ ምስ ጐይታ ዓይኒ ንዓይኒ እትራኸበሉ እዩ።  ስለዚ ንመንእሰያትና ጸዋዕታኦም ኣለልዮም ንክኽእሉ ንሓግዞም ኢሎም።

መንእሰያት ጸዋዕታኦም ከለልዩ ንሓግዞም!

ቅዱስነቶም ንመላእ ቤተክርስትያን ኣበርቲዖም ዘተሓሳስብዎ ነገር እንተልዩ ንመንእሰያት ጸዋታኦም ኣለልዮም ንክኽእሉ ንሓግዞም ዝብል ኮይኑ እዚ ከኣ ‘ንመደብ ድሕነት ኣምላኽ ንክድህስሱ ዘኽእሎም ሓዋያዊ ጒስነት መንእሰያትን ኣገልግሎት ጸዋዕታን ይገበር` ኢሎም። ብፁዕ ኣቡነ ሲጂስሞንዲ ነዚ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ብምሳሌ ንምግላጽ እዚ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዚ ከም ዝናም ዘይኮነ በብነጥቢ ኮይኑ ኣብ ዝኸድዎ ምስናዮም እምበር ኣብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ብሓባር ብዝግበር በዓላትን ኣስትምህሮታትን ጻውዒታትን ተወሲንካ ዘይምታራፍ ጸዋዕታኦም ጽቡቅ ገሮም ክሳብ ዘልልዩ ንነፍሲወከፎም ብቀጻሊ ምስናዮም የድሊ ኢሎም።   ስለዚኸስ ንነፍሲወከፍ መንእሰይ ከም ነጥቢ ማይ በብቁሩብ ምስናዮም የድሊ እንክብሉ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ንምልላይ ጸዋዕታ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ እዩ እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 March 2019, 17:32