ድለ

ር.ሊ.ጳ. ተቐማጦ ከተማ ሮማ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክዀን ምዒዶም ንቤት ምኽሪ ምሕደራን ኣመስጊኖም ር.ሊ.ጳ. ተቐማጦ ከተማ ሮማ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክዀን ምዒዶም ንቤት ምኽሪ ምሕደራን ኣመስጊኖም 

ር.ሊ.ጳ. ተቐማጦ ከተማ ሮማ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክዀን ምዒዶም ንቤት ምኽሪ ምሕደራን ኣመስጊኖም

ኣብዚ ዝተሓደሰ ልቢ ነቶም ዝተፈልየ እምነትን ሃይማኖትን ንዘለዎም እውን ስፍራ ኣሎ፡ ማንም ዘይንጽል ልቢ

ኣብቲ ይሴባሕ ዝብል መጸውዕ ስም ክወሃቦ ዝዀነ ንኡስ ኣዳራሽ ተረኺቦም ቅዱስ ኣቦና ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽርን ናይ ዞባ ከተማ ሮማ ኣባይቲ ጽሕፈት ምሕደራ ምስ ዝውክሉ ሰራሕተይናታት ተራኺቦም፡ ውህደት ዘለዎ ማሕበረሰብ ኵኑ ቢሎም ናይ ከተማ ሮም ቤት ምሕደራን ሓላፍቲ ክፍለ ከተማታት ሮማን ኣብ ዝህብዎ ኣገልግሎ ትጉሃት ክዀኑ ከምዝመዓዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይቲ ናይ ኩሉ ክርስቲያን ተቐማጢ ሮማ ሓላፍነት፡ ናይዛ ቤተ ክርስትያን ወጅሂ ናይቲ ልቢ ዝሕድስ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ነጸብራቕ ዝዀነ ብርሃን ዝምስክር ጭቡጥ ተግባር ምፍጻም እዩ፡ ኣብዚ ዝተሓደሰ ልቢ ነቶም ዝተፈልየ እምነትን ሃይማኖትን ንዘለዎም እውን ስፍራ ኣሎ፡ ማንም ዘይንጽል ልቢ።

ንዅሉ መፈሳዊ ቅርበተይ እረጋግጽ፡ ዕለት ብዕለት ናይ ሕውነት ኣንጠረይናታት ንኽትኰኑ አተባብዕ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተቐማጢ ሮማ ሓላፍነት ናይ ሕውነትን ምትሕብባርን ኣንጠረይና ምዃን እዩ፡ ከም ኩሉ ሕዝቢ ንስኻትኩም ተቐማጦ ሮማ እውን ኣብ መነባብሮ ጥጡሕ ሕይወት እንተናድዩን ንደቃትኩም ብቑዕ ሕንጸት ክረኽቡ መታን እትጽዕሩን ብዛዕባ መጻኢ ሕይወቶም ብዙሕ እትሓስቡን እትሻቐሉን ኢኻትኩም፡ ንሓድ ሕድኩም ክትተሓሳሰቡን ክትተሓላለዩን ሓደራ እብል፡ ንብጻይካ ቀረባ ምዃንን … ውሁደት ዘለዋ ማሕበረሰብ ኩኑ ከተማ ማለት ክኣ ትርጉሙ ንሱ እዩ።

ነቶም ሰራሕተይናታት ወኪለን ዘረባ ንዘስምዓ ጠቒሶም፡ እቶም ሰራሕተይናታት ዝህብዎ ኣገልግሎት ማንም ቀዳማይ ገጽ ዝህቦ ሓበሬታ ከምዘይኰነ ንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ብትዕግስትን ብለጋስነትን ብሓላፍነትን ንከተማ ሮማን ሕዝባን ዘበርክትዎ ልዑል ኣገልግሎት ክቕጽልሉ ኣበራቲዖም፥

… ስለ እቲ ኵሉ እተበርክትዎ ኣገልግሎት ኣመስግን፡ ብጽሞናን ብዘይ ረኣዩለይን ብተኣማንነትን ኣብ ተበርክትዎ ኣገልግሎት በርትዑ፡ ንከተማ ይዅን ንዓኻትኩም እውን ትርጉም ዘለዎ ኣገልግሎ እዩ፡ ዝተቐበልናዮ ሓላፍነት ብግቡእ ክንገልጾን ክንነብሮም እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስካ ክብሪ ኢና እንገልጽ፡ ስለዚህ ሓላፍነትካን ዕዮኻን ዘይምኽባር ገዛእ ርእስኻ ካብ ዘይምኽባር እዩ ዝነቅል፡

ቢሎም ኣብ ናይ ከተማ ሮማ ሕንጻ ቤት ምሕደራ ካምፒዶሊዮ ዘካየድዎ ምብጻሕ ፈጺሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ናይ ከተማ ሮማ ቤት ምሕደራን ከንቲባን ሕንጻ ካምፒዶሊዮ ምብጻሕ ዘካየዱ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 6 ለካቲት 1966 ዓ.ም. ድሕሪ ናይ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክፍለ ምይይጥ ምብጻሕ ኣካይዶም ንናይ ከተማ ሮማ ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ባይቶ መደረ ኣስሚዖም፡ ሮማ ኣብዚ እነሄት፡ ከተማኹምን ከተማናን፡ ናይ ዘመናት ሮማ፡ ሮማ ናይ ላቲንን ክርስትናን ባህሊ ስልጣነ ቢሎም ቅድሚኦም ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣብ ካምፒዶሊዮ ፒዮስ ታሽዓይ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩን እቲ ፒዮስ ታሽዓይ ምብጻሕ ፍልይ ዘብሎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ግዚያውን መንፈሳውን ስልጣን ዘጣመረ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሮማ ምንም ዓይነት ግዚይዊ ስልጣን የብላን፡ እዚ ምኽንያት ጓሂ ኣይኰነን፡ ምንፋቕ እውን የብልናን፡ ከምዝበሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ የዘኻኽር።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ልብኺ ንኽርስቶስ ኣርህዊ

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 15 ጥሪ 1998 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ቤት ምሕደራ ከተማ ሮማ ምብጻሕ ኣካይዶም፥ ኣብ መንጐ ከተማ ሮማን ናይ ከተማ ሮማ ጳጳስን ዘሎ ርክብን ምዝዛም ናይ ቅድስቲ መንበር ግዚያዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሮማን ውዕሊ ላተራነንሰን ተመክሮ ናይ ዓለም ውግእን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝብሉ ዓበይቲ ለውጥታት ጠቒሶም፡ ዕለት ብዕለት ኣናጐልበተ ዝኸይድ ፍቕርን ምቅርራብን ህልው እዩ፡ ጳጳስ ሮማ ንከተማ ሮማን ሕዝባን ከተማ ሮማ ንጳጳስ ዘሮማን ዘለዎም ፍቕሪ ጭቡጥ እዩ፡ ከተማ ሮማ ናይ ስልጣነን ናይ እምነትን ጮራ ንኽትከውን ዝተሓርየት፡

ከተማ ኣብ ማእከል (ኣብ መንጐ) ከተማታት ንኽትኰኒ ብጐይታ ዝተሓረኺ ዝሓለፈ ብወንጌል ብሰማዕታትን ብቕዱሳትን ዝተመልከተ ክቡር ታሪኽን ናይቶም ቅዱሳት ታሪኽ ስምኪ ዓቢዩ ክገንን ገይሩ እዩ፡ እቲ ሃብታም ብታሪኽን ክርስትናን ዝዀነ ልብኺ ንኽርስቶ ኣርህዊ

ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ መደረ ኣስሚዖም ከምዝነበሩ ይዝከር።

በነዲክቶስ መበል 16፥ ሮማ ልእኽቲ ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት

ዕለት 9 መጋቢት 2019 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ካምፒዶሊዮ ምብጻሕ ኣካይዶም፡

ከተማ ሮማን - ኢጣሊያን ባህላውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ማዕቅፍ ዘለዎ ጥልቂ ለውጥታትን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰረተታት ዓመታት ዝተቐላቐሉ ለውጥታትን ዝወልዶ ሓድሽ ብዶሆታት ኣብ ምግጣም ትርከብ፡ ህብረ ባህልን ህብረ ቋንቋን ህብረ ሃይማኖትን ከተማ እያ፥ ሮማ ሓድሽ ሰብኣውነት እተነቓቕሕ ክትከው ትደልይ እንተድኣ ኰይና ናይ ስልጣነን ናይ ክርስትናን ስርወ መሰረታ ዳግም ክትውንን ይግብኣ፡ ናይ ወዲ ሰብ ኵለንተናዊ ጭቡጥ ኵነታት ግምት ብምሃን ሰብኣውያን ሕቶታት ከተማእክል ኣለዋ፡

… ቢሎም ከተማ ሮማን ቤት ምሕደራ ሮማን ንማርያን ኣወኪፎም፡ የዕይንቲ ሮማ ናብታ ሕጻን እየሱስ ዝሓቖፈት ምስሊ ቅድስተ ማርያን ተብል … ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ተቐማጦ ከተማ ሮማ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክዀን ምዒዶም

 

Photogallery

ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ
26 March 2019, 17:33