ድለ

ደብዳብ ሮማን ፒዮስ መበል 12፥ ንሕዝቡ ክሓቁፍ ዝወጸ ካህን

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ደብዳብ ገና እናቐጸለ እንከሎ ካብ ቫቲካን ወጺኦም ሕዝቢ ንምጽንናዕ ዝመረጹ

ፒዮስ መበል 12 ሕዝቢ ዘጽነዐን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበትን ዝገልጽ ልቢ እዮም፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሮማ ድብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ናብቲ ዝተሃሰየ ህዝቢ ብምኻድ ናይ ጸሎትን ፈውሲ ቅብኣትን ዘብጽሑ እዮም፡ እቲ ቁስሊ ዝፍውስ ዘይቲ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ሒዞም ነታ ደብዳብ ዝወረዳ ከተማ ሮማን ሕዝባን ኣብ ጐድኒ ከይኖም ዘጸናንዑን ዝመርሑን ር.ሊ.ጳ. እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 19 ሐምለ 1943 ዓ.ም. ልዕሊ 520 ዝግመቱ ናይ ኣመሪካን ሓይሊ ምክልኻል ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብ ዝተባራዓሉ ዕለት ንነጀው ንፈለማ ግዜ ኣብ ልዕሊ ከተማ ሮማ ደብዳብ ኣካየደ፡ እዚ ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ሳን ሎረንዞን ኣብ ከባቢ ቲቡርቲኖን  4 ሺሕ ቦምባታት ዝዝነበን፡ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዜጋታት ሓደጋ ሞትን ካልኦት 11 ሺሕ ንሓደጋ ማሕሰይቲ ዘቃልዔን እዚ ናይ ፋሺስታዊ ስርዓት ናይዚ ወተሃደራዊ መዓስክር ንምውቃዕ ብዝብል ውሳኔ ዝተፈጸመ ደብዳብ’ዚ ዘስዓቦ መጉዳእቲ ብቐረባ ንምስትውዓልን ነቲ ዝቆሰለን ዝደመየን ነታ ዝባደመት ከተማ ከጸናንዑ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጹ፡ እቲ ዝነበረ ኩነታት ዘይተረጋግኤ እውን እንተነበረ ንሕዝቡ ቀረባ ምዃን ዝንበር ጓሳ ኰይኖም ዝተረኽቡ እዮም።

ፒዮስ መበል 12 ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ ሮማ ቅዱስ ዮሓንስ

ዕለት 13 ነሓሰ 1943 ዓ.ም. ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ቅዱስ ዮሓንስን ፕረነስቲናን ካስሊናን ላቢካናን ቱስኮላናን ኖመታናን  ደብዳብ ተፈጸመ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዙሓት ኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ደብዳብ ገና እናቐጸለ እንከሎ ካብ ቫቲካን ወጺኦም ሕዝቢ ንምጽንናዕ ዝመረጹን ነቲ ኵነት ምልስ ቢሎም ኣብ 2003 ዓ.ም. ምስ ናይ ቫቲካን መደብር ተለቪዥን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ 2014 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብፁዕ ካርዲናል ፊዮረንዘ ኣንጀሊኒ እቲ ደብዳብ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብ ጐደና ጋሊያ ናይ ልደቱ ዘእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ዝነበሩ፥

ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ እውን እንተነበረ ነቲ ዝተሳቐየ ህዝቢ ቀረባ ምዃን መሪጾም ኣብቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ናይ ሮማ ጳጳስ ንሕዝቢ ክበጽሕ ብዝብል ውሳኔ ተረኺቦም ምጽንናዕ ዝሃቡ እዮም፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኸኣ ውሳኔ ግዚያዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ተመሓላለፉ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ብዓውታ በቲ ዝነበሮም ደላይ ሰላም መንፈስ ተመስገን ኢሎም  

እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ደብዳብ ሮማን ፒዮስ መበል 12፥ ንሕዝቡ ክሓቁፍ ዝወጸ ካህን
02 March 2019, 17:44