ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስቱር ቤተ መዝገብ ዘሎ ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ሰነድ ክፉት ክኽውን

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፒዮስ መበል 12 ዕለት 2 መጋቢት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ሕርየቶም ከምእተዘከረን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ብዙሕ ዘሕዝንን ጸላም ናይ 21 ክፍለ ዘመን እዋን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ኣባላት ኣካየድቲ ስራሕ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ኣብ ዝለገስሉ እዋን፡ ብዛዕባ ፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳት ዋላኳ ስነ ምርምር ዝተገበረሉን ብቅድመ ፍርድታትን ብምግናንን እውን ይኹን ብዙሕ ዝተጸንዔ ተክለ ሰብነት እንተዀነ ፒዮስ መበል 12 ረኣዩለይ ዘይብል ሰብኣውነት ዝዓሰሎምን ትስፍው ናይ ስነ ርክብ ሜላታቶም ብስለትን ከምዘሎ ኰይኑ ብዛዕባኦም ዝምልከቱ ሰነዳት ድሕሪ ሓደ ዓመት ክፉት ከምዝኸውን ከምዝወሰኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 2 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ልክዕ ድሕሪ 81 ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሕርየቶም ብዛዕባኦም ዝምልከት ዘበለ ኣብ ሱቱር ቤተ መዝገብ ሃገረ ቫቲካን ዘሎ ሰነዳትን መዛግብትን ክፉት ከምዝኸውንን ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥

ነቶም ኣብ ስቱር ቤተ መዝገብ ቫቲካን ዝዓዩን ኣመሓደርትን ኵሎም ስለ እቲ ዝፍጽምዎ ብፍላይ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብውሳኔ በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ስቱር ቤተ መዝገብ ዝሕዞምን ዘለዎን ኵሎም ሰነዳትን መዛግብትን ክቁጸርን ብትኽክል ክግለጽን እንክብሉ ብዝሃብዎ ውሳኔ መሰርት ዝፈጸምዎ ዝነኣድ ዕዮ ምኽንያት ኣመስጊኖም፡

እቲ ብዛዕባ ፒዮስ መበል 12 ካብ ሕርየቶም ክሳብ ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ዕለት 9 ጥቅምቲ 1958 ዓ.ም. ዕረፍቶም ዝገልጽ ሰነዳት ኩሉ ንተመራመርቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክፉት ከምዝኸውን ከበስረኩም እፈቱ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ቅድመ ፍርድን ተጋንኖታትን

ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፒዮስ መበል 12 ዕለት 2 መጋቢት ዝኽሪ መበል 80 ዓመት ሕርየቶም ከምእተዘከረን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዋን ብዙሕ ዘሕዝንን ጸላም ናይ 21 ክፍለ ዘመን እዋን ምንባሩን ክሳብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘሰነዩ ዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን ውጥረትን ዝተነብሮን ዓለም ዝገማመዔን ዘመን ድህረ ዓቢይ ውግእ ዘንጸላለወሉ እዋን ምንባሩ እውን ዘኪሮም፡

ተክለ ሰብነት ፒዮስ መበል 12 ብዙሕ ተጸኒዑን ምርምር ተገይርሉን እዩ፡ ብዙሕ ርእይቶን ነቐፈታን እውን ተዋሂብዎን ገና እውን ይቕጽል ኣሎ። ( ካብ ቅድመ ፍርድን ኣጋኖን ዝነቐለ) ሎሚ እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ቲዮሎጊያውን መንፈሳውነትን ናይ ስነ ርክብ ሜላታቶም ጐሊሑ ክረአይ ተበቒዑ እዩ፡

ቅኑዕ ርእየት

ገለ ገለ ፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ኣብ ስቱር ቤት መዝገብ ቫቲካን ካብ ዝተዓቀቡ ብፍቓድ ጳውሎስ ሻድሳይን ደሓር እውን ብፍቓድ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡን ኣማኺሮም ክፉት ዝገበርዎም ሰነዳት ከምዝነበሩ ቅዱነቶም ዘኪሮም፡

ብትኽክል ናይ ታሪኽ ምርምር ክግበረሉን ዝግብኦ ዝመዛዘኖን ግምትን ርእይቶ እውን መታን ክወሃቦ፡ እዚ ኵለንተናዊ ተክለ ሰብነቶም ዝምልከት ኩሉ ኣብቲ ጽንክር ኣዋን ዝነበርዎ ኩነትን ነቲ ናይቲ እዋን ታሪኽ ዓለም ብምስትውዓልን ስብኣዊ ብስለቶምን ክርስቲያናዊ ኣስተውዕሎኦምን ምናልባት ቁጥብነት ዝብል ኣገላልጻ ዝወሃቦ ይመስል ይኸውን፡ ኰይኑ ግና ኣብቲ ጭካኔ ዝተመኦ ጸላም ዘመን ናይ ልቢ ሰብ ንኽኽፍት ዘኽእል ኣጋጣምታት ቢልካ ክትገልጾም ንዝካኣል ናይ ሰብኣውነትን ተስፋን ጩራ ዘአንፍቱ ተግባራትን ራአዩለይ ስምዑለይ ዘይብል ብጽሞናን ብትዕግስትን ዝዓዪ ስነ ሜላዊ ርክባቶም ዘይርሳዕ እዩ።

ታሪኽ ብዝበለጸ ምፍቃር

እቲ ዓቢይ ሃብቲ ዝዀነ ናይ ታሪኽ ሰነድ ብትኽክል ምንባብ የድሊ፥

ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ኣየፍርሓን፡ እባ ደኣ ታሪኽ ኣፍቃሪት እያ፡ ብዝበለጸን ብትኽክል ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሔር ንታሪኽ ዘፍቅሮ ብዓቐኑ ክፍቀር እያ እትብል፡

ቢሎም፡ ኣተሓሕIዞም ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተረኽቡ ናይ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ኣባላት ምሕደራን ሰራሕተይናታትን ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣላልዮም ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም ናይ ምስጋና ቃል ንዘስምዑ፡ ንናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዝገብን ቤተ መጻሕፍትን ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ቶለንቲኖ ካላካ ደ መንዶንካን ናይ ቫቲካን ስቱር ቤተ መዝገብ ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ፓጋኖን ምኽትሎም ፕሮፈሰር ፓውሎ ቪያንን ናይ ቤተ መዝገብን ቤተ ሰነዳትን ሰብ ሙያን ሰራሕተይናታትን ኵሎም ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ስቱር ቤተ መዝገብ ዘሎ ንፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ሰነድ ክፉት ክኽውን
05 March 2019, 15:57