ድለ

ር.ሊ.ጳ፥ ውግእ ካብ መልሓስ እዩ ዝጅምር

ኣብ ነፍሲ ወከፍና ናይ ካልእ ኣበር ምርኣይን ብዛዕባኡ ምዝራብን ልማድ ዘሎ እዩ፡ ንኻልእ ምፍራድን ምዅናንን ብሓቂ ደስ ዘየብል ተግባር እዩ፡ ኢየሱስ ነዚ ብምስትውዓል፡ ኣብ ምፍራድን ምኹናንን ጐደና እትጓዓዙ እንተድኣ ኰይንኩም ምስሉያት ኢኻትኩም ይብለና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቪተርቦ ቁምስና ቅዱስ ክርስፒኖ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብቲ ቁምስና ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘሙን፡ ቅዱስነቶም ካልኦት ንምእራም ጸሎትን ብድሕሪት ዘይምሕማይን ብዛዕባ ካልእ ክፉእ ዘይምዝራብን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ናይ ከባቢ ሰሜን ሰበኻ ሮማ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጉወሪኖ ዲ ቶራን ቆሞስ ኣባ ካቻማኒን ምኽትል ቆሞስ ኣባ ላሞናካን ተሰንዮም ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈሳዊ ዑደት ከምእተበገሰ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ማሶቲ ኣስዒበን፡ ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓተ ኣምልዀ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት፥ 

መጽሓፈ ሲራክ ምዕ. 27 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 8

ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 54 ክሳብ 58

ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 39 ክሳብ 45

ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ጭቡጥ ምኽሪ የቕርበልና፡ ኣብ  ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ከይረኣኻን እቲ ኣብ ዓይኒ ሓውኻ ዘሎ ምርኣይ፡ ናትካ ከይኣለኻ ነቲ ኣብቲ ናይ ካልእ ዘሎ ዓይኒ ሰርወ ክትኣልይ ምፍታን፡ እዚ ከኣ ምስሉይነት ምዃኑ ኢየሱስ ይገልጾ።

ኣበር ዘይብሉ ማንም ሰብ የሎን፡ ይዅን ደኣ እምበር  ብሓይሊ ስሕበት ኢጐነትን ወይ ከኣ ብዝሕታለን ድንዛዘን ናይ ካልእ ኣበር ምርኣይ ልሙድ እዩ፡ ናይ ካልእ ኣበር ምርኣይን ምፍላጥን ምትንታንን ናይ ኵላትና ሙያ እዩ፡ ናይ ካልእ ኣበር ብምግላጽ ብዛዕባኡ ምዝራብ፡ ንኻልእ ምሕማይ ምቑር እዩ ዝመስል፡ ደስ ዘብል እዩ ዝመስል፡ ኣብዛ ቍምስና ከምዚ ዓይነት ኣመል ከይህሉ ተስፋ እገብር።

ናይ ካልኦት ኣበር ሊቃውንቲ

ኣብ ነፍሲ ወከፍና ናይ ካልእ ኣበር ምርኣይን ብዛዕባኡ ምዝራብን ልማድ ዘሎ እዩ፡ ንኻልእ ምፍራድን ምዅናንን ብሓቂ ደስ ዘየብል ተግባር እዩ፡ ኢየሱስ ነዚ ብምስትውዓል፡ ኣብ ምፍራድን ምኹናንን ጐደና እትጓዓዙ እንተድኣ ኰይንኩም ምስሉያት ኢኻትኩም ይብለና፡ ምስሉይ ምዃን ክልተ መልክዕ ለበስ ምዃን ማለት እዩ፡ ስለዚህ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣበር ጠምት እንክብል ይምዕድ፡ ኢየሱስ ካብ ምስሉይነት ብምርሓቕ ኩሉ እውን ካብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ገዛእ ርእሱ ክኣልይ ይጽውዕ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ ቅድመ ፍርድን ብፍላይ ከኣ ሕሜታ ካብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ካብ ምንባሮም ክንቑጠብ ዘቕርብዎ ጻዋዕቲ ደጊሞም ብምቕራብ፡ ሕሜታ ሓደጋ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ሕሜታ ኣብ ሕሜታ ኣይዛዘምን፡ እናበለ ናብ ዝገደደ እዩ ዝመርሕ፡ ዘይምስምማዕ የተኣታትው ልብታት ናብ ምርሕሓቕ ይመርሕ፡ መንፈስ ክፍኣት ይዘርእ፡ ንምግናን ኣይኰነን ኣሕዋተይ ሓቂ እዩ፡ ውግእ ካብ መልሓስ እዩ ዝጅምር፡ ንኻልእ ብመልሓስካ ተባድም፡ ልክዕ ከም ኑክለሲያዊ ኣጽዋር እዩ፡ መልሓስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ እዩ ዘለዎ፡ ከምዚ ምዃኑ ኣነ ዝብሎ ዘይኰነ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ኣብ መልእኽቲ ዝብሎ እዩ፡ መልሓስ ክትመዝኖ ዘይከኣለካ ሓይሊ ኣለዎ፡

ክትምዕድን ክትእርምን ትደልይ እንተድኣ ኴይንካ ነቲ ዝምልከቶ ሰብ ብቐጥታ ምምካርን ምርኻብን እዩ፡ ብድሕሪኡ ምስ ካልእ ኴይና ዘይምሕማይ፡ ከምዚ እንተዘይኰይኑ ናብ ውግእ ከምዘብጽሕ ርግጽ እዩ፡

ድሮ ኣብ ቀረባ መዓልታት እንኣትዎ ቅን ኣርብዓ ጾም

ጌጋ ልምድታትናን ካልኦት ዝጐድእ ዝንባለታትናን በዚ ኣብ ቀረባ መዓልቲ እንጅምሮ ዓቢይ ጾም ምኽንያት ንምውጋድ ንፈትን፡ ቁርጺ ፍቓድ እነንብረሉን እንፍጽመሉን ይኹን።

ዓቢይ ጾም ክንጅምር ኢና፡ ቍርጺ ፍቃድ ንኽንገብር ሰናይ ኣጋጣሚ እዩ፡ ገዛእ ርእስና እንምርምረሉን፡ ልበይ ኣብ ቅድሚ ካልኦት እንታይን ከመይን እዩ እንብለሉን፡ ምስሉይ ድየ ፍሽኽ እናበልኩ ብመልሓሰይ ዝቐትል ድየ ቢልና እንሓተሉን ገዛእ ርእስና እነተኻኽለሉን እዋን ይኹነልና፡ ከምዚ እንተድኣ ኰይኑ ብሓቂ ንኻልእ ብድሕሪት ካብ ምሕማይ ተላቒቕና በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ሰናይ ክዀነልና እዩ፡ ትንሳኤና እውን እዩ ዝኸውን፡

ገዛእ ርእስኻ ምትኽኻል ቀሊል ኣይኰነን፡ ስለዚህ ተኻኣሊ ዝገብሮ ክልተ መገዲ ኣሎ፡ እቲ ቀዳማይ ጸሎት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእይ ከኣ ካልኦት ካብ ምሕማይ ምጥንቃቕ እዩ።

ብዙሕ ምጽላይ ብፍላይ ከኣ ንቤተ ርክስቲያን ጸልዩ

ቅዱስነቶም ስለ ዝተገብረሎም ኣቀባብላን እንገዳን ኣመስጊኖም፡ ዝተባርከ እዋን ዓቢይ ጾም ይግበረልኩም ይግበረልና ቢሎም፡ ብሓባር ምስቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዝሓበሩ ምእመናን ሰላም ለኪ ጸሎት ደጊሞም፡ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም ድሕሪ ቅዳሴ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣጠቓሊሎም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ማሶቲ ገሊጸን።

 

Photogallery

ር.ሊ.ጳ፥ ውግእ ካብ መልሓስ እዩ ዝጅምር
04 March 2019, 17:04