ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ - ካምፒዶሊዮ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሮማ፡ ሮማውያን ኣባላት ሓደ ማሕበረሰብ ምዃኖም ንኸስተውዕሉን እዚ ሓባራውነት ንምንባር መታን ክከኣል እትሓንጽን እያ

ናይታ መንህብ እምነት ክርስትና ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበር ናይ ዝዀነት ከተማ ሮማ ጳጳሳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 26 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናብቲ ናይ ከተማ ሮማ ሕዝባዊ ባይቶን ሕንጻን ቤት ጽሕፈት ምሕደራን ከንቲባ ሮማ ብካምፒዶሊዮ ናብ ዝጽዋዕ ሕንጻ ሰዓት 10.30 ምብጻሕ ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባን ሕዝባዊ ባይቶ ከተማ ሮማን ብዝተገበሩሎም ዕድመ መሰረት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ንጐሆ ኣብ ሮማ ካምፒዶሊዮ ሕንጻ ከንቲባን ቤት ምሕደራ ከተማ ሮማን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብቲ  ጥንታዊ ናይ ከተማ ሮማ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ሰገነት ብናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ቪርጂኒያ ራጂ ተሰንዮም ነቶም ኣብ ቅርዓት ካምፒዶሊዮ ንዝተረኽቡ ተቐማጦ ከተማ ሮማ ሰላምትኦም ኣቕሪቦም።

ቅዱስ ኣቦና ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ብልቢ ኣመስጊኖም፡ ናብ ሕንጻ ከተማ ሮማ ቤት ምኽሪ ምብጻሕ ከካይዱ ዝነበሮም ብርቱዕ ድላይ እውን ምስ ገለጹ፡ ከተማ ሮማን ቤት ምኽሪ ሮማን ኣብ እዋን ፍልዩ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ዝገሮ ብርቱዕ ምትሕብባር ዘኪሮም ከምዘመስገኑን፡ ሮማ ናይ 2 ሺሕን 800 ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ተቐባሊት ጋሻን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃገራትን ዝመጹ ተቐቢላን ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘብቀዔትን እተብቕዕን ዘላ ከተማ ምዃና እውን ከምዝዘከሩ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ኣስዒበን፡ ሕዝቢ ተቐማጦ ሮማ ንቕዱስነቶም ብጣቕዒትን ስሞም እናጸውዔ ድሕሪ ዝገበረሎም ኣቀባብላ፡ ብናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ቪርጂኒያ ራጂ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ናብ ታሪኻዊ ናይ ከተማ ሮማ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ካምፒዶሊዮ ምስ ኣተዉ ኣብ ቤት ጽሕፈ ከንቲባ ምስ ከንቲባ ራጂ ሓጺር ግላዊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ብከንቲባ ተሰንዮም ምስ ምኽትል ከንቲባን ምስ ቤት ምኽሪ ሮማ ኣቦ መንበርን ቤት ምሕደራ ከተማ ሮማ ሓለፍትን ናይ ዞባ ከተማ ሮማ ኣበ መናብርትን ኣደ መናብርትን ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ኣብ ናይ ከተማ ሮማ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ከምዘንበሩ ኣፍሊጠን።

ሮማ ግዚያዊ ስልጣንን መፈሳዊ ስልጣንን ክዝትዩን ምትሕብባር ከህልዉን እተገድድ ከተማ እያ፡ እቲ ሰናይ ርክብ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ከተማ ሮማ ህልው ክኸውንን ናይታ ከተማ ጸገማት መፍትሒ ንኽረኽቡ ኣብ መንጐ ክልቲኣቶም ስልጣናት ተመክሮ ምልውዋጥ ክህሉ እተበራትዕ ከተማ እያ፡

ሮማ ናይ ስልጣነን ናይ እንገዳ መምህር ዝዀነት ከተማ

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን ዝተበጽሔ ናይ ስምምዕ መበል 35 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ውዕሊ ዘኪሮም፡

ሮማ ንጸዋዕታኣን ንታሪኻን ዝበረኸት ከተማ ኰይና ክትርከብ ኣለዋ፡ ኣብዚ ምቅይያር ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም  ነፍሲ ወከፍ መጻእተይና ቤታዊ ክስምዖን ተወሃሂዱ ንኽነብር ዘብቅዕ ጥበብ ዝተዓደለት ከተማ እያ እሞ ነዚ መሰረት ብምግባር ናይ ስልጣነን ናይ እንገዳን መምህር ኰይና ክትረከብን ሓደራ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ካስተሊ ኣስዒበ፡

ሰናይን ፍቕርን ኣብ ምንባር ፍርሒ ኣይሃሉ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሮማ፡ ሮማውያን ኣባላት ሓደ ማሕበረሰብ ምዃኖም ንኸስተውዕሉን እዚ ሓባራውነት ንምንባር መታን ክከኣል እትሓንጽን እያ፡ በርገሳውያን ስልጣናት ከተማ ሮማን ሕዝባን እቲ እዛ ከተማ ዘለዋ ልዑል ክርስቲያናዊ ፍቕርን ፍትሓዊ ዝብል ትርጉም ከተማነታ ከይዝንጋዕ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ክህሉ ተመላኽት።

ሮማ ናይ መራኸቢ ድልድላዊት ከተማ እምበር ናይ ፈላላይ መናድቕ ከተማ ኣይኰነትን፡ ብፍላይ ካብ ውግእን ድኽነትን መከራን ንዘምልጡ ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣእዳዋ ዘርጊሓ እተእንግድ ከተማ እያ፡ ኣብዚ እዩ እቲ ናይታ ከተማ ሮማ ሰናይነትን ፍቕርን ዝግለጽ፡ ቢሎም ንዅሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ቃሎም ቅድሚ ምስማዖም ናይ ከተማ ሮም ከንቲባ ቪርጂኒያ ራጂ ኣብ ዘስመዐኦ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ፥ ሮማ ናብ ዓለም ክፉት ዝዀነ ኣእዳው ዘለዋ ከተማ ምዃናን ክፍትን ህብረ ባህላዊትን ህብረ ሃይማኖታዊትን እያ ምስ በላ፡ ቅዱስነቶም ንዘካይድዎ ምብጻሕን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ነቲ ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ክፍለ ከተማ ቅርበትን ፍቕርን ዝገልጽ ንዘካይድዎ ግብረ መለኰታዊ ምሕረት ኣመስጊነን ኣብቲ ሕንጻ ካምፒዶሊዮ ዝርከብ ንእሽተይ ኣዳራሽ ንዝኽሪ እታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም፥ ይሴባህ ዝብል መጸውዕ ስም ክወሃብ ምዃኑ ከንቲባ ራጂ ኣበሲረን በዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምኽንያት ንመዘከርታ ዝለዓለ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክቐውም ምዃኑ ከምዘበሰራ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕንጻ ቤት ምኽሪ ከተማ ሮማ - ካምፒዶሊዮ
26 March 2019, 17:42