ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ፥ መንእሰይ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂ እያቶም ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ፥ መንእሰይ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂ እያቶም 

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ፥ መንእሰይ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂ እያቶም

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ናይቲ ሓድሽ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለ ተጠቀምቲ ክዀኑን ኣብዚ ነዚ ምዕባለ ናይ ምጥቃም ኪደቶም ክኢላታትን ሰብ ሙያን ክድግፍዎምን ብፍላይ ንትኽክል ኣጠቓቕማኡ ብዝመርሕ ስነ ምግባራዊ መንጽር

ዕለት 21 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሮማ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኣባይቲ ትምህርቲ መረብታዊ ርክብ  ዋና ሕንጻ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተ ምብጻሕ ኣካይዶምን ምስቶም መንእሰያት ተራኺቦም፥ መንእሰይ ወለዶ መጻእነት ኣይኰነን፡ መንእሰያት ህልው ግዜ እያቶም፡ ስለዚህ ሕጂ እያቶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂታ እዮም ከምዝበሉን፡ መንእሰያት ዘለዎም ብቕዓት መሃዝነትን ሓይሎምን ዘቤታዊ ንኸይገበሩ ዘተባብዕ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ናይቲ ሓድሽ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለ ተጠቀምቲ ክዀኑን ኣብዚ ነዚ ምዕባለ ናይ ምጥቃም ኪደቶም ክኢላታትን ሰብ ሙያን ክድግፍዎምን ብፍላይ ንትኽክል ኣጠቓቕማኡ ብዝመርሕ ስነ ምግባራዊ  መንጽር ክጥቀምሉ ዝድግፉ ይኹን ሓደራ ከምዝበሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ብዙሓት ድኻታት ተመሃሮ መንእሰያት ካብቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዕደ ጥበብ ምጥቃም ንዝተነጸሉ ንምድጋፍ ኣሚቶም ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣቑይሞም ዝህብዎ ዝነበረ ድጋፍ ተመክሮ ገይሮም እቲ ማሕበር ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኰይኑ ክቐውም ከምዝገበሩ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ሰፒያ ኣስዒበን፡ ናይ ግልን ናይ መንግስትን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘራኽብን ተመክሮታት ንምልውዋጥ ዝሕግዝን ድኻታት ኣቢያተ ትምህርትን ተመሃሮን ምስ ከይዲ ምዕባለ ክስጉሙ ኵለ መደያዊ ድጋፍን ሕንጸትን ዘቕርብ ምዃኑ ጠቒሰን፡ ዓለም ፈላላይ መናድቕ ዘይብሉ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ዝብል ሸቶ ዘንበረ እውን ምዃኑ ሓድራ ከይርሳዕ ቢሎም ከምዘተሓሳሰቡን ገሊጸን።

ምስፋሕ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ

ኣብ እስያን ላቲን ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበር ክኸውን እንከሎ ኣብ ፓናማ ኣብ ቀረባ እዋን ናይዚ ማሕበር ጨንፈር ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረን፡ ኣብ ፖርቱጋልን ሮማንያን እውን ከምኡ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ኣብ ሮማ ናይቲ ማሕበር ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ቃለ ምዕዳን ለጊሶም ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዝተፈላለየ ካብቢ ዝርከብ ናይቲ ማሕበር ጨናፍር ኣባላት ብምስማዐ ርእየት ከምእተሳተፉ ገሊጸን።

ቤት ትምህርቲ ብቛልያ እዩ

መንእሰያት ተመሃሮ ልክዕ ከም መረብታዊ ርክብ ንሓድ ሕዱ ክራኸብን ብቕዓትን ዕቑር ሓይልን መሃዝነትን ንሓድ ሕዶም ከመቓርሑን ብሓባር ክጓዓዙን ምዒዶም” ኣተሓሒዞም ነቶም ካብ ኢጣሊያ ፒስቶያ ብምስማዐ ርእየት ኣብቲ ርክብ ንዛተፉ ንዝነበሩ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ገዳመ ደናግል ነዚ ዕድል’ዚ ብምጥቃም መንእሰያት ብሓባር እናተደጋገፉ ንኽዓብዩ እቲ ገዳም ንዝሃቦም ዕድል እውን ኣመስጊኖም ብዙሕ እዋን መንእሰይ ወለዶ ብቕዓት ዘለዎ ሓቀይና መራሕን መገዲ ሓባርን ኣልቦ ከይኑ ከምዝርከብን እዚ ኸኣ ኣብነት ዝዀኖ ካብ ማሕበርሰብ ወጻኢ ስለ ዘናድይ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ መንእሰያት ኣብነት ዝዀንዎም ኣብ ማሕበረሰቦም ዘለዉ ብዙሕ ዘይረኣዩን ከለልዩ ይግብኦ ከምዝበሉ ሰፒያ ሓቢረን።

መንእሰይ ወለዶ ናይ እግዚኣብሔር ሕጅታ (ህልው ጊዜ) እዮም

ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ማእለያ ዘይብሎም ተመሃሮ መንእሰያት ብሓባር ተፈጥሮን ከባብን ምህዳርን ክንክን ክግበረሉ ዝጽውዕ ዘደንቕ ሰልፊ ከምዘካየዱ ዘኪሮም፡ ስለዚህ ናይ መንእሰይ ሕቶን ብቕዓት መሃዝነትን ጉሊሑ ክረአይን ኣብ ተግባር ክትርጎም ኣለዎ እምበር ነዚ ብቕዓትን ሓይልን መንእሰይ’ዚ ምዜብያት ኣይግባእን (ብቕዓትን ሓይሊ ዘቤታዊ ዘይምግባር)። መንእሰይ መጻኢ ኣይኰነን ህልው ኩነት እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ሕጂታ (ህልው ጊዜ) እያቶም፡ ተቓውሞ ምቕራብ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡ ምሕናጽ የድሊ፡ መንእሰይ መጻኢ እዩ ዝብል ተደጋጊሙ ዝንገር ሓሳብ፡ መንእሰይ ህልው ጊዜ እውን ምዃኑ ንኽርሳዕ ስለ ዝገብር፡ መጻኢ እዩ ዝብል ኣዘራርባ ክእረም ኣለዎ፡ እንፍጽሞ ጌጋ ኣብ ዕዮ ተጸሚድና ኣብ ጻዕራምነትናን እምበር ኣብ ኢድካ ኣጣሚርካ ኣብ ርሙዕ ሕይወት ዝፍጸም ኣይዅን ሓደራ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰፒያ ኣስዒበን፡

ዘተ ምስ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ

ነቶም ካብ ናይ ፒስቶያ ገዳም ገዳማውያትን ብምስማዐ ርእየት ንዝሳተፉ ንዝነበሩ መንእሰያት እናሓሰቡ እተን ደናግል ዓበይትን ብዕድመ ዝደፍኣን እውን እየን፡ ይኹን ደኣ እምበር ምስቶም መንእሰያት ዘካይድኦ ዘተ ኣብነት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ብድሆ፡ ምስ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ምዝታይ ዝብል እዩ፡ መንእሰይ ወለዶ ንበይኑ ዝጓዓዝ እንተድኣ ኰይኑ መሰረቱ እዩ ዘጥፍእ፡ ናይ ታሪኽ ትርጉምን ክፍሊ ሓደ ሕብረተሰን ምዃኖም እውን የጥፍኡ፡ እቶም ብዙሕ ጊዜ ዝተነጸሉን ኣብ በይናውነት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝፈልዩ ኣርጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ዘይጽንቐቕ ሃብቲ እያቶም እሞ ንበይኖም ኣይንሕደጐም፡ ካብ ኣቶም ናይ ታሪኽ ትርጉምን መሰረትን ናይ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ኣካል ምዃንና ዘለዎ ትርጉም ንቐስም፡ ከምቲ ኣብ ትምቢተ ዮኤል፥ ኣርጋውያን ክሓልሙ እዮም መንእሰያት ክንበዩ እዮም፡ ንሓድ ሕዶም ክደጋገፉ እዮም ከምዝብሎ።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ እቶም መንእሰያት ዝተባረኸ ማይ ካብ ዝሓዘ ዕትሮ ብነኣሽቱ ብልቃጥ እናቐድሑ ንዅሎም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ፥ እግዚኣብሔር ማይ ሕይወት ይግበረና ዝብል ጸሎት ዘቕርብን ናይ ሕይወት ማይ ንምዃን ዝዕድም ትእምርቲ ዘለዎ ዓዲሎም ምስ ኣብቅዑ ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነው ሰፒያ ሓቢረን።

22 March 2019, 17:32