ድለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሎረቶ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናብ መንእሰያት ዝተጽሓፈ መልኽቲ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣብ ትርጋጽ ቅድስተ ማርያም ዘሎረቶ ክታሞም ኣንቢሮም ንሊቀ ጳጳሳት ዘሎረቶ ማርያማው ቅዱስ ስፍራ ብፁዕ ኣቡነ ዳል ቺኒ ከምዘረከቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 25 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓለ ብስራተ ገብርኤል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓውጾተ ኖልዎ ንኸካይዱን ኣብ ትርጋጽ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ዘሎረቶ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ብዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣደጊፎም ዝእረም ኣሪሞም ዝውሰኽ ወሲዀም ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ከቲሞም ብወግዒ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዝተጓዓዙላ ሄሊኮፕተር ሸዓት ትሽዓተ ኣቢላ ኣብ ሎሬቶ ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተሰምየ ማእከል መንእሰያት ኣብ ዘሎ ሜዳ ቅድሚ ምዕራፋ ነቶም ኣብ 2016 ዓ.ም. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዑ ተቐማጦ ከተማ ኣማንዶላ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን፡ ቅዱስነቶም ብመኪና ተጓዒዞም ኣብ ሞንቶሮሶ ምስ ኣተዉ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎረቶ ምስ በጽሑ ብናይ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዳል ቺንን ብናይ ማርከ ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ሰሪሾሊን ብናይ ከተማ ሎረቶ ከንቲባ ኒኮለቲን ብህየንተ መንግስቲ ናይ ከተማ ኣንኰና ዳኩንቶ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ደ ኣንጀሊስ ገሊጾም፡ ኣብታ ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ እትርከብ ንእሽተይ ቅድስቲ ቤት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ 1957 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረጉ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይ ድሕሪ 162 ዓመታት ምዃኑ እዩ ቅዱስ ኣቦና ብሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዳል ቺን ተሰንዮም ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፈሪሞም ብወግዒ ከምዝለገሱ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎረቶ ዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ንብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ዳል ቺን ሊቀ ጳጳሳት ዘሎረቶ ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝደገሙን ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ደ ኣንጀሊስ ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናብ መንእሰያት ዝተጽሓፈ መልኽቲ ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ኣብ ትርጋጽ ቅድስተ ማርያም ዘሎረቶ ክታሞም ኣንቢሮም ንሊቀ ጳጳሳት ዘሎረቶ ማርያማው ቅዱስ ስፍራ ብፁዕ ኣቡነ ዳል ቺኒ ከምዘረከቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዶቦራ ዶኒኒ ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ቅድስቲ ቤት መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ቅድስተ ማርያም ጸላም ዘሎሬቶ ምዕራጐም ብግሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉን፡ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን እቶም ኣብቲ ቅርዓት ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎረቶ ዝነበሩ ምእመንን ኵሎም ከምዝሓበሩን ዶኒኒ ገሊጸን፡

ቅዱስነቶም እቲ “Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ከቲሞም ብወግዒ ምስ ለገሱ ኣብቲ ቅርዓት ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘሎረቶ ንዝኣተኣከቡ መንእሰያት፡ ናይ ሰላምን ሕውነትን ስድራ ቤትን ጉዕዞ ኣሳልጡ ቢሎም ከምዝመዓዱ ዲኒኒ ሓቢረን።

ኣብነት ማርያም

ኣብ ቤት ትምህርቲ እኖ ማርያም

ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ብስራተ ገብርኤል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ቅዱስነቶም ንመንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ህሙማንን ብጠቕላላ እቶም ምስ ቅድስተ ማርያም ዘሎረቶ ዓቢይ ምትእስሳር ዘለዎም ክፍሊ ሕብረተሰብ እናሓሰቡ፡ እግዚኣብሔር ብማርያም ኣቢሉ ንእዋንና ሓደ ተልእዀ የቕርብ ኣሎ ቢሎም፡

ናይ ሰላም ወንጌል ኣብቲ ኣቃልቦኡ ዝተደናገረን ብምድራዊ ረብሓታት ዝተሰሓበን ኣብ መንፈሳዊ ድርቀት ዝርከብን ሕዝቢ እዋናዊ ዓለም ንኸነብጽሕ ዝተጸዋዕና ኢና፡ ነዚ ናይ ሰላም ወንጌል ዘስፍሑ ተራን ገርሄይናታትን ትሑታትን ተባዓትን ድኻታትን ለጋሳትን ሰባት የድልዩ፡ … ከም ማርያም ወንጌል ብዘይ ተዓቅቦ ዘእንግዱ፡ ካብዚ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ኢጣሊያን ኣብ መላእ ኤውሮጳን ዓለምን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኩነት ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ንምሕዳስን ሕብረተሰብ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ መባኹዕቲ ንምውዕዋዕ ናይ ቅድስና ምስክርነት ንከላኸል፡

ቤት መንእሰያት

ናይ ሎረቶ ቅዱስ ስፍራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፋቢዮ ዳል ቺን ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ቅድሚ ምልጋሶም፡ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ሰላምታ ቃል፡ ቅዱስነቶም ንሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምብጻሕ ስለ ዝለገሱ ኣመስጊኖም፡ ናይቲ ሰበኻ ካህናት ንነጋድያንን ንምእመናንን ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ  ንጡፋትን ህርኩታትን እውን ምዃኖም ከምዝገለጹ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፡ ቅዱስ ኣቦና እታ ቅድስቲ ቤት፥ ቤተ መንእሰያት እንክብሉ ገሊጾም፡ ስለምንታይ እታ ናይ ሎረቶ ማርያም ሎሚ እውን ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ጸዋዕታኡ ከለልይ መታን ጽን ትብልን መልእኽቲ እውን  ስለ ተመሓላልፍ እዩ፡

በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ከኣ እቲ Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ ዘርእስቱ ድሕረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብዚ ክታመይ ኣንቢረ ወግዓዊ ክገብሮ ዝደለኹ

ኢሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓመታዊ በዓል ብስራተ ገብርኤል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት እቲ ብዛዕባ መንእሰያትን እምነትን ልልያ ጸዋዕታን ዝዘተየ ሲኖዶስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ሕጻን ክትጸንስን ክትወልድን እሞ ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክተስምዮ ኢኺ እንክብሉ ዝነገራ ቃል ብስራት፥

ብጋሴ ኩሉ ካብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ፡ ንሱ እዩ ሰዓበኒ ቢሉ ንቕድም ዝጸውዕ፡ ንሱ ቀዲሙ እዩ ዝነቕልን ቀዲሙ ዝበጽሕን፡ ናይ ሕይወት መገዲ የመላኽት፡ ንስኑይን ውሁድን ክርስትና ሕይወትን እምነትን ዝጽውዕ ንሱ እዩ፡ ንውፉይ ሕይወት … ጸዋዕታ ንምልላይ ጽን ምባል የድሊ፡ መደቡ ኣብ ግላውን ማሕበራውን ሕይወትና፡ ኣብ ደጋውነት ዘይኰነ ብጥልቂ ኣብቲ ግብረ ገብን መንፈሳውን ሓይልታት ዝዓየሉ ጽን ምባል፡ ኣብኡ እያ ማርያም ንመንእሰይ ምስ ግብሪ እግዚእብሔር ከወሃዱ እትዕድም፡

ልልያ

ድሕሪ እምነት ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ልልያ ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ እቲ ዝበልካኒ ከመይ ቢሉ እዩ ዝኸውን ክትብል ንገብርኤል መልኣኽ እተቕርቦ ሕቶ ካብ ምጥርጣር ዝነቐለ ኣይኰነን፡ እምነት ስለ ዝጐደላ እውን ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ናይ እግዚኣብሔር ኣድናቕነት ንምርካብ ዝነበራ ድላይ እዩ ዝገልጽ።

ኣብኡ እቲ ኵሉ መደብ እግዚኣብሔር ዘቕርቦም ሕጹጽ ጠለባት ናይ ምእንግዳ ተገዳስነት ኣሎ፡ እዚ ከኣ ናታ ናይ ምትሕብባርን ሓላፍነትን ምሉእነት ንምቕራብ እዩ፡ …

ምሉእ እምነትን ስንድውነትን

ዝዀነ ክርስቲያንዊ ጸዋዕታ ብውሳኔ እዩ ዝሓልፍ፡

ናይ ማርያም እነኹልካ  ዝብል ብትስብእቲ ኣቢሉ ዝተረጋገጸ ተሳትፎኣ ኣብቲ መደብ ምድሓን ኣምላኽ መላእ ሕይወታ ኣረከበት። እነኹልካ ዝብል መልሳ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ዘለዋ ምሉእ እምነትን ምሉእ ስንድውነትን ዝገልጽ እዩ፡ ማርያም ኣብነት ናይ ኩሉ ጸዋዕታ እያ፡ ንሳ ኣስተንፍሶ ንናይ ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እያ፡ እቶም ብዛዕባ መጻኢ ሕይወቶም ዝሓቱ መንእሰያት ኣብ ማርያም ድጋፍን ሓገዝ ልልያን ንመደብ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ኣለልዮም ንምስዓብ ሓይሊ ክረኽቡ እዮም።

ማእከል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ

ሎረቶ ናይ ጸዋዕታ መንፈሳዊ ዋልታ እዩ ምእንቲ’ዚ

እቲ ናይ መንእሰያት ማእከል ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ እውን ዓቢይ ድጋፍ ብምዃኑ ክነቓቓሕ እላበወ፡  … ናይቲ ናይ ቅዱስ ስፍራ ሰዓታት እቲ ኣገልግሎት ዝህበሉ ሰዓታት ካብቲ ዘለዎ ክሰፍሕ ሓደራ …

ዓለም ሓቆፍ ርክባት

እቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎረቶ ዘለዎ መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ እውን ናይ ኢጣሊያ ማእከላዊ ስፍራ እዩ፡ ስለዚህ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ እውን ማእከላዊ ስፍራ ይኸውን … እቲ ቤተ ማርያም፡ ቅድስቲ ማርያም ዝነበረቶ ስድራ ቤታዊ ተመክሮ ዘጉልሕ ናይታ ቅድስቲ ናዝራዊት ቤተሰብ መግለጺ ብምዃኑ ቤት ስድራ እውን እዩ ከምዝበሉ ዲኒኒ ሓቢረን።

መእለዪ ህሙማን

እቲ ናይ ማርያም ዘቤታዊ ተመክሮ ስድራ ቤትን መንእሰያትን ክልተ ማዕረ ማዕረ ዝኸዱ መራኽቦ ዘይብሎም ጽፍሕታት ከምዘይኰኑ የረጋግጽ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ጸዋዕታ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ኢየሱስ ወጅሂ ዘለዎን፡ ኢየሱስ ካህን መርዓውን ጓሳን እዩ፡ ቤት ማርያም ናይ ህሙማን ቤት እውን እዩ፡ ናይ ዝሳቐዩን ብመንፈስ ስጋን ንዝሳቐዩን፡ ማርያም ኣደ ኩሉ ናይ ጐይታ ምሕረት ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እተመሓላልፍ እያ ምስ በሉ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ቅድስተ ማርያም ንዅሉ ብፍላይ ነቶም ኣብ እንገዳን ምሕረትን ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ፍቕርን ተወፋይነትን ዝጸንዔ ናይ ሰላምን ሕውነትን ጉዕዞ ዝርከቡ መንእሰያትን ነታ ናይ ፍቕሪ ቤተ መቕደስ ዝዀነት ስድራ ቤትን ነቶም ኣብ ፈተና ዝርከቡን ደግፊ፡ ንዅሎም እናተዘዋወሩ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ዶኒኒ ገሊጸን።

Photogallery

Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ
25 March 2019, 17:07