ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 20 መጋቢት 2019 ዓ.ም.

እግዚብሔር ኣቦና ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኪመጽእን እዩ ዚፈቱ (2.4)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 20 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ፍቓድካ ይዅን ኣብ ዝብል ቃል ተመስሪቶም ዓስራይ ክፋል ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅድሚ እቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞተዎስ ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 1-4 ዘሎ፥ 

እምበኣር ቅድሚ ዅሉ ምህለላ ጸሎት ምምላድ ምስጋና ምእንቲ ዅሉ ሰብ ኪግበር እምዕድ ኣሎዅ፡ ብመንፈሳውነትን ብኽብርን ህዱእን ሰላማውን ዝዀነ ሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ምእንቲ ዅሎም ነገስታትን ሰብ ስልጣንን ጸሎት ይገበር፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ መደሓኒና ዝኾነ ኣምላኽ ሰናይን ዚሐጒስን እዩ። ንሱ ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺምጽእን እዩ ዚፈቱ።

ዝብል ምስ ተነበ፡

ብቐዳምነት ንሰብ ሓልዮት ካብ እግዚኣብሔር እዩ

ቅዱስነቶም ከምቲ ልሙድ ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምስ በሉ፡ ናይ ዕለቱ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም፡ ሎሚ ኣብቲ ፍቓድኻ (ኣብ ሰማይ ከምኡ እውን ኣብ ምድሪ)ይዅን ዝብል ሳልሳይ ምህለላ ከነተኩር ኢና ቢሎም፡ እዛ ቃል እዚኣ ምስቲ ቅድም ቢሉ ዘሎ ስምካ ይቀደስን መግስትኻ ትምጻእ ምስ ዝብል ቃል ብምውሃድ ክንበብ ከምዘለዎ ምዒዶም፡ እዞም ሰለስተ ቃላት እዚኣቶም ሰለስተ ዕጻፍ መቓን ኢያቶም ክበሃል ይከኣል፡ ቅድሚ ናይ ፍጥረት ሰብ ግብረ ምክንኻን ተፈጥሮ፡ እቲ ዘይሕለል ናይ እግዚኣብሔር ምክንኻ ንሰብን ዓለምን ኣሎ፡ ወንጌል ነዚ ርእየት’ዚ የመላኽት፡ ዘኪዮስ ንኢየሱስ ክርእይ ቢሉ ናብ ሳግላ ይሓኵር፡ ይዅን ደኣ እምበር ቀዲሙ ዝደልዮ ዝነበረ ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ፡ ኢየሱስ ናብኡ ይበጽሕ እሞ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ (ሊቃ. 19. 5,20 ረኣ) ይብሎ፡ እዚ እዩ ድማ ኣብ ኢየሱስ ዝተሰግወ ፍቓድ እግዚኣብሔር፡ እቲ ዝጠፍኤ ምድላይን ምድሓንን ዝብል፡ ኣንሕና እብቲ ፍቓድካ ይኹን ዝብል ጸሎት፡ እቲ ድላይ ንእግዚኣብሔር ሰናይ ፍጻሜ ክህልው ንምህለል፡ እቲ መደብ ኵላዊ ፍቓድ ምድሓን እግዚኣብሔ ክፍጸም መታን።

እግዚኣብሔር ግልጺ እዩ፡ ንዓለም እወታዊ ፍቓድ እዩ ዘለዎ

እግዚኣብሔር ውስጠዘኣዊ ወይ ላጋላንጋ ኣይኰነን፡ ድሕሪ ምስጢራውነት ኣይሕባእን፡ ናይ ዓለም ክስተት ወይ መጻእነት ብቀመራዊ ኣገባብ ኣይሓንጸጾን፡ እዚ እንተድኣ ብትኽክል ዘይተረዳእናዮ እቲ ኣብ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ጸሎት ዘሎ ሳልሳይ ክፍሊ ክነስተውዕሎ ዘይከኣሎም ንኸውን፡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ቅድሚ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር እወታዊ ፍቓድ ብዝትርኽ መግለጽታቱ ዝተመልአ እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርተ ሃይማኖት ካብ ፍቕዲ 2821-2827፥ እቲ እሙንን ትዕግስተይናን መለኮታዊ ፍቓድ ዝምስክር ብዙሕ ጥቕስታት የቕርብ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልኽቱ ናብ ጢሞቴዎስ፥ እግዚብሔር ኣቦና ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኪመጽእን እዩ ዚፈቱ (2.4) እንክብል ይገልጽ፡ ብዘይ ናይ ምጥርጣር ጽላሎት ፍቓድ እግዚኣብሔር ንሱ እዩ፡ ድሕነት ኩሉ ሰብ፡ ምእንቲ’ዚ ፍቓድካ ይኹን ቢልና ክንጽልይ እንከሎና፡ ኣእምሮና ንግሊያነት ምዃን ዓጺፍና ንክንጽልይ ኣይኰነ ዝተዓደምና፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ዝብል ጸሎት ናይቲ ናይ ኣቦ ልቢ ዝፈልጥን መደብ ፍቕሩ ርጉጽ ምዃኑ ዝኣምን ናይ ውላድ ጸሎት እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ንድሕሪት ዝመልሰና ጽሕፍቶ እንልውጦ ነገር የሎን ቢልና እንሓስብ እንተድኣ ኰይን ወይልና፡ በንጻሩ እቲ ጸሎት ኣብቲ ሰናይን ሕይወትን ድሕነትን ዝደልይ እግዚኣብሔር ብርቱዕ ተኣማንነት ዝተመልአ እዩ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ነገር ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ስለ ዘይፍጸም እታ ጸሎት ናይ ትብዓትን ቃልስን ጸሎት ትኸውን፡ ትንቢተ ኢሳያስ ምዕ. 2 ፍቕዲ 4 ተወኪሶም፥ ኦ ኣቦ ኣብዚ ውግእን ንሓቂ ምኽውዋልን ምንዋጽን ምዝመዛን ኣሎ፡ ንስኻ ሰናይና እትደልይ ምዃንካ ንፈልጥ ኢና፡ ምእንቲ’ዚ ፍቓድካ ክፍጸምን ፍቓድካ ይዅን ቢልና ንምህለለካ፡ ኦ ጐይታ ነቲ ናይ ዓለም መደብ ለውጦ፡ ንሰይፍ ናብ ማሕረሻ ኵናውቶም እውን ናብ ገዞሞ ለውጦ፡ … ደጊምስ ማንም ውግእ ከይመሃር ግበር ብዝብል ቃለ ትንቢት ፍቃድ እግዚኣብሔር እንታይ ምዃኑ የነድሩ።

ናጻ ዝወጻና እምበር ጊልያ ኣይኰንና

ኣቡነ ዘበሰማያት ዝብል ጸሎት ነቲ ኢየሱስ ንናይ ኣቡኡ ፍቓድ ዘለዎ ፍቕሪ ኣባና ይዅልዕ፡ ንዓለም ብፍቕሪ ዝልወጥ ሃልሃታ፡ ክርስቲያን ኣብ ዘይተርፍ ዕጫ ዝኣምን ኣኰነ፡ ኣብ እምነት ክርስቲያን ኣብ ኣጋጣምነት ዝብል እማኖ የሎን፡ እንታይ ደኣ ዝጽበየና ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ተፈጻምነት ኣብ ዘለዎ ድሕነት እዩ ዝኣምን፡ እንጽልይ እኰ ኣብ እግዚኣብሔር ስለ እንኣምንን እቲ ክፍኣት ብሰናይ ብምስዓር ንክውንነት ክልውጥ ስለ ዝደልይ እዩ፡ ነዚ እግዚኣብሔር’ዚ ምእዛዝን ኣብ እዋን ጽንኵር ፈተናታት እውን ገዛእ ርእስና ንኣኡ ምውካፍ ትርጉም ኣለዎ።

ክርስቲያን እግዚኣብሔር ንኽፍኣት ግብረ ሰናይ ዝስዕር ምዃኑ ዝኣምን እዩ

ኢየሱስ ኣብ ጌተሰማንየ ብርቱዕ ስቓይ ኣብ ዝተመከረሉ እዋን፡ ኦ ኣቦይ ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ ነዛ ጽዋዕ ኣዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፡ ግናኸ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይሲ ኣይዅን (ሉቃ. 22,42) ከምዝበሎ እዩ። ኢየሱስ ብናይ ዓለም ግብረ እከይ ከበድ ክሳቐይ እንከሎ፡ ኣብቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ፍቕሪ ፍቓድ ኣቦ እዩ ገዛእ ርእሱ ብእማኖ ዘወከፈ፡ ሰማዕታት እውን፡ ኣብቲ ከቢድ ፈተና እዋን ንሞት ዘይኰኑ ትንሳኤ እዮም ዘናድዩ፡ እግዚኣብሔር ብፍቕሩ ኣብቲ ከቢድ ዘሳቕይ ኣሿኽን ጐደና ክንጓዓዝን ክንሰግሮን የብቅዓና፡ ጠሩሹ ኣይሓድገና፡ ንሓደ ኣማኒ እዚ ካብ ተስፋ ንላዕሊ ዝዀነ ርግጸይናነት እዩ፡ ከምቲ ሉቃስ ወንጌል ወትሩ ከይተሓልካ ምጽላይ ከምዘድልይ፥ ኢየሱስ ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚምህለሉ ሕሩያቱ ፍትሒ ኸየውጽኣሎም ዚድንጒዮም ይመስለኩም፡ ቀልጢፉ ፍትሒ ከም ዚውጽኣሎም እብለኩም ኣሎኹ፡ እንተኾነ ግዳ ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበእርዶ እምነት ኣብ ምድሪ ኪረክብ እዩ? (18. 7-8 ረኣ) ብዝበሎ ቃል የረጋጸልና ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም። ነቶም ኣብቲ ኣስትመህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ንድገም ቢሎም ድሕሪ ጸሎት ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተፋንዮም።

 

20 March 2019, 17:01