ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሪቻ ንመንፈሳዊ ሱባኤ፡ ካልኣይ ኣስተንትኖ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሪቻ ንመንፈሳዊ ሱባኤ፡ ካልኣይ ኣስተንትኖ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣሪቻ ንመንፈሳዊ ሱባኤ፡ ካልኣይ ኣስተንትኖ

ብውሽጥና ኰነ ብግዳምና እውን ነቲ ናይ ዓለም ሓሙኽሽቲ ምሩዃት ኣይንዅን፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ካልኣይ ምፍጣር ዝተዓደለና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓለፍቲ ዝርከብዎም ብሓባር ካብ ዕለት 10 መጋቢት ክሳብ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ዓቢይ ጾም ሱባኤ ሰባኬ በነዲክታዊ ናይ በነዲክታውያን ኣብ ኢጣሊያ ከባቢ ፊረንዘ ኣብ ዝርከብ ጐቦ ቅዱስ ሚኒያቶ ገዳም ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ትማሊ ዕለት 11 መጋቢት ሰዓት ኣርባዕተ ፈረቓን ካልኣይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ንናይ ሕይወት ኣብ ዓለም ፋሲካዊ ርእየትን ወስታን፥ ናይ ብርቱዕ ድላይ ከተማ ብዝብል ዋና መንፈሳዊ መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ኣስተንኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ሰብኬ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ዘቕረብዎ ካልኣይ ስብከት፡ ኣብዚ ዝተኣከብና እቲ ናይ እስትንፋስና መግሃርያ ንምህያው እዩ፡ እቲ ህዱእ መግሃርያ ተስፋን እምንቶን፡ ተስፋን እምንቶን ዘማሙቕ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ምስቲ ዘይሕለል ደላይ ሰላምን ሓናጺ ሰላምን ዝዀነ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ጆርጆ ላ ፒራን (ኣብ ከተማ ፖዛሎ ዕለት 9 ጥሪ 104 ዓ.ም. - ፊረንዘ ዕለት 5 ሕዳር 1977 ዓ.ም.)ን ናይ ስነ ግጥሚ ሊቕን ገጣምን ማሪዮ ሉዚ (ኣብ ፊረንዘ ዕለት 20 ጥቅምቲ 1914 ዓ.ም. - ፊረንዘ ዕለት 28 ለካቲት 2005 ዓ.ም.) ተክለ ሰብነትን ጽሑፋትን ተወኪሶም፡ ደራሲ ሮማኖ ጉዋርዲኒ ጠቒሶም፡ ንፊረንዘ ብወንጌላዊ ርእየት ብምንባብ፡ ፊረንዘ ምስ ካልኦት ከተማታት ኣተሓሒዞም፡ ከተማታት ብወንጌላዊ ርእየት ክምስረቓ እንኰለዋ ናይ ፍቕርን ሰላምን ፍትሕን ዘማሙቕ ውዕዉዕ ድላይ ዝንበረለን ይዀና፡

ማሪዮ ሉዚ ማህሌታውያን ንኽንከውን የተባብዓና፡ እታ ብላ ፒራ ዝተሓልመት ከተማ መጋሃርያ ዝተነብራ ከተማ እያ፡ ስለምንታይ ሰብኣውነት ብዝተሓደሰ መንፈስ ንኸስትንትንን፡ ጐይታ ብማእከላ ዝመላለሰላን ብጐይታ ዝተበጽሐትን ብጐይታ እትረኣይን ከተማ ስለ እትኸውን

ሃልሃልታ መንፈስ እግዚኣብሔር ዝበራበረላ

እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክዕቅቦን ከንበሮን ንሰብኣዊ ፍጥረት ብርቱዕ ተምሳጥ ዝተዓደለ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ፡ ዓቢይ ጾም ነዚ ሃልሃልታ ፍቕሪ ብዘልምድን ብዝደጋገም ዕለታዊ ከይዲ ህይወት ዝቕህም ዳግማይ ንኸነጓሃህሮ ዕድል የንብረልና፡

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ 20፥ ህያባትን ጸዋዕታን እግዚኣብሔር ዘይሕከኽ እዩ፡ ኰይኑ ግና ብዙሕ እዋን ነቲ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ካብ ምጉህሃሩ ንሕድገቱ ፍቓድ ዘሎና ኰይናን ስለምንታይ እዩ ዝስምዓና?

ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥

ዘድልየኒ ነገር የሎን ዝብል መንፈስ ትዕቢት

ኵሉ ዘሎኒ እየ፡ ሓደ’ኳ ኣየድልየንን ናይ ምባል ገዛእ ርእስኻ ብርእሰ ብቑዕነትን ርእሰ እዅልነትን ብምንባብ፡ ካብቲ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ናይ ሕድገት ፍቓድ ከምዘሎና ኰይንና ንነብር ምስ እንኸውን እንብሎ እዩ፡ እቲ ዓቢይ ካብ ጐይታ ዝተወሃበና ጸጋ ብጸላይ ሕይወትን ቃሉ ብምስማዕን እቲ ንኣና ዕለት ብዕለት መገዲ ዝኸውን ስጋሁ ወደሙ ብዘንብረልና ናይ ሕይወት ኣመክንዮ ብምጉዓዝ ህያው ገርና ክንዕቅቦን ክንነብሮን ይግባእ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጐይታ ብቑዱስ ቁርባን ኣቢሉ መገዲ ይዀነና፡

ብኣና ኣቢሉ ንኽሓልፍን ድኻምነትናን ተነቃፍነትናን ለዊጡ እቲ ኣባና ዝነበረ ውዕዉዕ ድላይ ዳግም ኣበራቢሩን ዘጐሃህሮ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽእ እስትንፋስ የሀልው

ናይ ወቕቲ ጥዑም ውሁድ ቅንይት

ሰባኬ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ነገልጋሊ እግዚኣብሔር ላ ፒራ ናይ ተስፋ ነቢይ እንክብሉ ሰምዮም፡ ሓደ ሰብ ኣብ እርጋኑ ዳግም ክውለድ ይኽእል፡ ብዙሕ ጊዜ እዚ ዝኸውን ከኣ ናይ ድላይ ምድላይ፡ ናይ ሃረርታ ሃንቀውታን ክህልወና እንከሎ እዩ፡ ብሓቂ ክንሳተፍ እንኰለና፡ ስለዚህ ኣብ እዋን ፋሲካ ካብ ላዕሊ ሓቀይና ምውላድ ይወረድ።

ውሳጣውነትና ናይ ገዛእ ርእሱ ኪደት ውሁድ ቅንይት ኣለዎ፡ ካብቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰዓት ካብ ዘቕርበልና ሕርመት ዕለታዊ ሕይወትና ንላዕሊ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጽሓፎ ካልአይቲ መልእኽቱ፡ ዓቢይ መንፈሳውነትን ስነ ሰብኣውነት ዝዀነ ሓይሊ ዘወዓውዕ ቃል  … “ስለዚ ተስፋ ኣይንቕብጽን ኢና፡ ብግዳም እኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ኢና እንሕደስ” እንክብል ይቕርበልና።

ንናይ ዓለም ሓመድነት ምቅዋም

ብውሽጥና ኰነ ብግዳምና እውን ነቲ ናይ ዓለም ሓሙኽሽቲ ምሩዃት ኣይንዅን፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ካልኣይ ምፍጣር ዝተዓደለና፡ እዚ ዳግም ምፍጣር’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብነፍሲ ወከፍ ቃል ብኵነታትን ዝግለጽ እዩ። ብቕጽበታዊ ውጽኢት ዘይምትእምማን፡ በቋራጺ ዝዀነ ፖለቲካ ንዝቐርብ መኽሰብ ህሩግ ዘይምባል፡ በናኒ እዩ፡ ነቲ ሰብኣዊ ዘዕንብብ ውጺኢታዊ ዝገብር ንዅሉ ሕብረተሰብ ዝምልከት ተግባር ወሳኒ እዩ።

ሓድሽ ጅማሮ ተኻኣሊ እዩ

ሕይወት ከም ሕንጸት ልማዳውን ዝውቱርን እዩ፡ ልክዕ ከም ቃዕቃዕታ ሰዓት እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ውሳኔ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ናይ ሓድሽ ጅማሮ ሓይሊ ደበኽ ይብል። ናይ ሕዳሴ ሓይሊ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ልቢ ዝውለድ ሓይሊ፡ ኣብ ምርጫታት ኵሉ ናጽነት ሰብኣዊ ፍጥረት ቅዉም ይኸውን፡ እዚ ኸኣ ኣክንዲ ኣብቶም ኣብ ሕይወት ተስፋ ምዅስካስ ትርጉም የብሉን ዝብሉ እትስውኣሉ ትካል ሕይወት ወይ ከኣ ክሳብ ሕይወትካ ንምሕላፍ ቅሩብ ዝገብር ምርጫን መላእ ሕይወትካ እትስውኣሉ ምርጫ የሎን በሃልቲ ተስፋ ዝቖረጹን ኣልቦ ሓሴት ናይ ዝዀኑ ኣብነት ካብ ምርኣይ፡ ውዕዉዕ መንፈስ ክበራበር መታን ሕይወትካ ኣብ ናይ ክርስቶስ ኣብነት ዝቕረጽ ክኸውን ኣለዎ።

ምኽሪ እቶም ልቦም ዘእረጉ ዘይምስማዕ፡ ንሳቶም ነቲ ናይ መንእሰይ ሓሴት ዝዕፍኑ እያቶም፡ ናብቶም ብተስፋ የዕይንቶም ዘብርህ ኣረጋውያን  ነብል፡ ጥዑይ ጦቢያ ንዀስኵስ፡ እግዚኣብሔር ከምኡ ዝሓልሙ ዓቢይ ሕልምታት ዘለዎም ክንከውን እዩ ዝደልየና፡ ምስኡ ክንጓዓዝ እንከሎና ኣብ ጉዕዞና ንጭቡጥ ኩነት ኣቃልቦ ገይሮም ዝጓዓዙ ንኸውን። ሕልሚ ሓዊ ሃልሃልታን፡ ካልእ ዓለም ምሕላን፡ እቲ ሕልሚ እንተጠፍኤ፡ ፡ እቲ ምስ ኢየሱስ ንፋልማይ ግዜ ዝተራኸብካሉ እዋን ዝነበረካ ቃልቃል ዝብል ውዕዉዕ መንፈስ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ኣብ ሓሙኹሽቲ ዝተዳጎነ ተመሲሉ ዘየማሙቕ እውን ኰይኑ እተተሰመዓካ ከም ብሓድሽ ኣብቲ ናይ ፋልማይ ኣናስር ተዘክሮ ብተስፋ ምልስ ቢልካ ሕልምታትካ ምሕዳስ የድሊ።

ብዝብ ሓሳብ ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ ዘቕረብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ ዛዚሞም።

ካልኣይ ኣስተንትኖ
12 March 2019, 16:40