ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኣባላት ማሕበር ቅዱስ ካሚሎ፥ ኣልቦ ሓልዮት ዝዀነ ክርስትና የሎን

ሲኖዶሳዊ ኣገባብን ብሓባር ምንባርን ነቲ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ ህያብ ዘሀብትም እዩ

ደገፍ ንህሙማንን ካልኦት እውን ኣብ ሓገዝ ህሙማን ብዝበለጸ ከገልግሉ ምሕጋዝን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንገዳማውያንን ገዳማውያትን ካሚሊያውያን ኣብ ቀለመንጦ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዕለት 18 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ተቐቢሎም ናይቲ ብቕዱስ ካሚሎ ደ ለሊስ ዝተመስረተ ማሕበር ዝኽተሎ መንፈሳዊ መርሆ ከምዘረድኡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ካሚሎ ደ ለሊስ ምሕሳብ ማለት ንሕያዋይ ሳምራዊ ምዝካር ማለት እዩ፡ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ካልእ ጉዳይ ሕይወቱ ኣብ ምንባር እንከሎ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ተዀሊዑ ንሕሙማን ብፍቕሪ ተለዓዒሉ ንኸገልግል ዝተጸምደ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሰዓበ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ተክለ ሰብነት ቅዱስ ካሚሎ ደ ለሊስ ገሊጾም፡ ብፍቕርን ብልግስናን ዝተሰነየ ተወፋይነት ነገልግሎት ህሙማንን፡ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ጐድኒ ህሙማንን ዝንበር ዓቢይ ክቡር ዋጋ ዘለዎ ተልእዀ ዝነበረን ዘምሓላለፈን እዩ።

ድላይ ህላዌ

ንሓድሽ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ንህሙማን ናይ ክርስቶስ መሓሪ ፍቕሪ ምስክርነትን ዝሓስብ ወትሩ ዘንጸባርቕ ንመጻኢ ዘማዕድው ህያብ ሓድሽ ብርሃን’ዚ ናይ ማሕበር ካሚሊያኒ መንፈሳውነት መርሕ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡

ሕማም ክህውጸናን ሕይወትና ንኸገማጥልን ደበኽ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ጐድንና ምስና ሓቢሩ ታኻፋሊ ስቓይናን ዘጸናንዓናን ዝድግፈናን ጥዕናና ዳግም ንኽምለስ ዝድግፈና ወይ ኣብቲ ምስ ጐይታ ናብ ምርኻብ ዝብል ፍጻሜ ምድራዊ ሕይወትና ዘሰንየና ህልወት ሓውን ሓብትን ካልኦት ሰባትን ክኢላታትን ድላይ ኣዚዩ ክስምዓና ይገብር፡

መሰኻኽር መሓሪ ፍቕሪ

እቲ እግዚኣብሔር ብቕዱስ ካሚሎ ኣቢሉ ዝዓደሎ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንዝሳቐዩ መሓሪ ፍቕሪ ምምስካር ዝብል ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተጸገወ መንፈሳዊ ህያብ ሓቢእካዮ ዝንበር ጸጋ ኣይኰነን፡

ኣብነታዊ ብዝዀነ ኣገባብ ንህሙማን ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ዝዀነ መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ብምቕራብ ዕለት ብዕለት እትነብርዎ ኣገልግሎት፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዘርኢ ሰብን ዓቢይ ልግሲ እዩ።

እትቕበሎ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስኻ ንምርግጋጽ ኣይኰነን

እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድሎ መንፈሳዊ ህያብ ገዛእ ርእስኻ ንምርግጋጽ ከምዘይኰነ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፡

ኣብ ኪደት ታሪኽ ብተኣማንነት ናይ ማሕበርኩም መፈሳውነት ስግው ንምግባር፡ ኣብ ዝተፈላለየን ብዝተፈላለየን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትርጓም ብዙሕ እትጽዕሩ ኢኻትኩም እዚ ኸኣ ንመላእ ዓለምን ቤተ ክርስቲያን ልግሲ እዩ።

ሓድሽ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ኣብ ኣሰር ቅዱስ ካሚሎን እቶም ኣብ ታሪኽ ብዓቢይ ተጋድሎ ዝሓለፉ ቅዱሳት ዘመላኸትዎ መገዲ ብምስዓብ እቲ ዝተቐበልናዮ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ብዝስዋዕ ፍቕሪ ዝጸንዔ ተግባር ምግልጋል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ወትሩ ኣድላዪ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ንዝህቦ ኣስተንፍሶ ብሓድሽ ኣገባብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክፉታት ብምዃን ንመጻኢ እናማዕደኻ ናይ እዋንና ምልክታ ኰይንና ነቲ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ንዘቕርብዎ ጠለባት ቅሩባት ምዃን የድሊ።

መንፈሳዊ ህያብ ነባሩ ምንጪ ብርሃን እዩ

ቅዱነቶም ናይ ካሚሊያኒ፡ ብገዳማውያንን ገዳማውያትን ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ዝቖመ መንፈሳዊ ማሕበር እናሓሰቡ፡

እቲ ማእከል፡ እቲ ነባሪ ምንጪ ብርሃን ዝዀነ ብዝተፈላለየ ቅርጺ እትነብርዎ ናይቲ ማሕበር መንፈሳውነት እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ንእዋናዊ ናይ ሓባር ረብሓ እቲ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ ህያብ ንምእዋን ዝድግፍ ዝዕድለሎ ዝተፈላለዩ ህያባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜን ቦታን ንህሙማን ናይ ክርስቶስ መሓሪ ፍቕሪ ዘመስክር እዩ፡

ኣብ ሲኖዶስውነት ኣገባብ ንናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ምጥማት

ቅዱስ ካሚሎ ናይ ገዳማውያን ማሕበር ምስ መስረተ ደቂንስትዮ ንህቡኣን ማሕበር ጥራሕ ኣብ ዝፍቀደሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ገዳማውያት ማሕበር እውን ኣስዒቡ ብምቛም ነቲ ናይ ማሕበር ናይ ምሕረት መንፈሳውነት ምሉእነት ክረክብን ኣብቲ ኣገልግሎት ንህሙማን ናይ ጓለንስተይቲ ናይ ፍቕርን ክንክንን ፍሉይ ተውህቦ ክህልዎ ብምግባር ኣሀብተሞ።

ሓልዮት ዝብል ቃል ኣብ መዝገበ ቃላት ጥራሕ ንኽትተርፍ ዝድርኽ ብዙሕ ፈተናታት ኣሎ፡ ኣልቦ ሓልዮት ዝዀነ ክርስትና ክህሉ ዘይከኣል እዩ፡ ለውሃትን ሓልዮትን ሓደ ናይ ክርስትና መለለዪ እዩ፡ እዚ ባህርይ’ዚ ምስ ህሙማን ኣብ ዝህልወና ርክብ ዝግለጽን ዝንበርን እውን እዩ፡

ዝበሉ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ሲኖዶሳዊ ኣገባብን ብሓባር ምንባርን ነቲ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ ህያብ ዘሀብትም ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፥

ነቲ ብመስራቲ ማሕበርን መስረትቲ ማሕበራትን ተበግሶ ዝረኸበ መንፈሳዊ ህያብ ብኣመኔታን ንብዙሕ ዓይነት ናይ ሰብኣዊ ስቓይን ድኽነትን ጽን ብምባል ነቲ ወትሩ ሓድሽ ዝዀነ ዝተቐብልክምዎ ብርሃን ንመንእሰያት መላእ ዓለም ኣብኡ ምሳኹም ዘሕብሮም ኣስተንፍሶ ረኺቦም ክጽንበርኹምን መስከርቲ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ክትዀኑ መታን ክንጸባርቕ ትገብሩ፡

እንክብሉ ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ካፐሊ ሓቢረን።

 

19 March 2019, 15:40