ድለ

ፒዮስ መበል 12፥ ሰብኣውነትን ር.ሊ.ጳጳሳትን (1867 ዓ.ም. – 1958 ዓ.ም.) ፒዮስ መበል 12፥ ሰብኣውነትን ር.ሊ.ጳጳሳትን (1867 ዓ.ም. – 1958 ዓ.ም.) 

ፒዮስ መበል 12፥ ሰብኣውነትን ር.ሊ.ጳጳሳትን (1867 ዓ.ም. – 1958 ዓ.ም.)

ብዛዕባ ፒዮስ መበል 12 እቲ ፍልዩ መንነቶምን ህልውናኦም ብዕምቀትን ብምልኣትን ዝትርኽ ተንቀሳቓሲ ናይ ስእሊ ምርእቲ

ብቫቲካን ቤት ማሕተም ዝተሓትመ ታሪኽ ፒዮስ መበል 12 ዘዘንትው  ብፍላይ እቲ ዘይፈልጥን ክሳብ እቲ ፍሉጥ ዝዀነ ታሪዀም ኵሉ ዘዘንትው ውጽኢት ናይ ስነ ታሪኽ መጽናዕቲ ተንቀሳቓሲ ናይ ስእሊ ምርኢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕዝቢ ቀሪቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ፒዮስ መበል 12 ተራ ሰብን ር.ሊ.ጳጳሳትን (1867 ዓ.ም. – 1958 ዓ.ም.) ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ፒዮስ መበል 12 ዜና መዋዕል ብስእሊ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ሰማይ ቤት ምውላዶም ካብ ዕለት 4 ሕዳር 2008 ክሳብ ዕለት 6 ጥሪ 2009 ዓ.ም. ንምርኢት ዝቐረበን ዘጠቓልል ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፥  ኤውጀኒዮ ፓቸሊ መን እዮም ዝብል ሕቶ ኣማእኪሎም ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣሳዅዑ ብዛዕባ ፒዮስ መበል 12 እቲ ፍልዩ መንነቶምን ህልውናኦም ብዕምቀትን ብምልኣትን ዝትርኽ ተንቀሳቓሲ ናይ ስእሊ ምርእቲ ክኸውን እንከሎ፡

እቲ ተንቀሳቓሲ ምርእቲ ሰለስተ ምዕራፍ ዘለዎ ኰይኑ እቲ ቀዳማይ፥ ናይ ፒዮስ መበል 12 ምስ ከተማኦም ሮማ ዘለዎም ጥልቂ ርክብ ሮማውነቶምን - Urbs:  ካብኡ ክንየው ዓለም ሓቆፋዊ ርክባቶምን - Orbis ኣባ ፓስቶረሊ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ስልጣናዊ ትምህርቲታቶምን ብኣባ ለቪሊያን ምስ ስነ ቅብእን ንድፍን ስነ ጥበብን ዝነበሮም ጥልቂ ርክብን ናይ ስነ ጥበብ ኣፍቃርነትምን ብፎርቲን ዝቐረበን ንዝኽሮም ዝተሓትሙ ተምብራትን ኣልተሪ ዘቕረብዎ ጽሑፋት ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ከኣ ብከይዲ ዜና መውዕል ታሪኾም ብስእሊ ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፡ ዕድመ ንእስነቶም ተመሃርይ ዘርኣ ክህነት እንከለዉን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክብ ሜላ ኣገልግሎትምን ኣብ በርሊንን ሚዩኒክን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋንንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዘገልገሉሉ ዓመታትን ብሓፈሻኡ ካብ 1876 ክሳብ 1958 ዓ.ም. ታሪኽ ሕይወቶም ዝትርኽን ቅዱስ ዓመት 1950 ዓ.ም. እቲ ኣብ መንጐ ሩሲያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝበነረ ውጡር ርክባት ኣብ ዝዝከሩ ዓመታት ናይ ር.ሊ.ጳጳስና መንነቶም ዝትንትን እዩ፡

ናይቲ ምርኢት  ሳልሳይ ምዕራፍ ከኣ፡ መላእ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና ኣገልግሎቶም ብዛዕባኦም ዝተጽሓፈን ዝተነግረን ኵሉ ዘጠቓልል ብፍላይ ኣብ 2008 ዓ.ም. ንትርኢት ዝቐረበ ክሳብ ኣብ ሰማይ ቤት ምውላዶም ዝገልጽ እዩ።

ፒዮስ መበል 12፥ ሰብኣውነትን ር.ሊ.ጳጳሳትን (1867 ዓ.ም. – 1958 ዓ.ም.)
02 March 2019, 17:48