ድለ

መንገዲ እግዚአብሔር መንገዲ የዋህነት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 6 መጋቢት 2019 ዓምፈ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ኣቀድም ኣቢሎም ብዛዕባ ኣቡነ ዘበሰማያት ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ብምቅጻል ‘መንግሥትኻ ትምጻእ` ንእትብል ሓረግ ተንቲኖም። ኣብ ፍጻሜ ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ከኣ ሎሚ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዕሊ ጾመ ኣርባዓ ከም እትጅምር ኣዘኻኺሮም እዚ ግዜ እዚ ናይ ጾምን ንስሓን ተጋድሎን ግዜ ክንገብሮ ሓደራ ኢሎም።

ቃል አምላኽ፡ - ‘መንግሥተ ሰማያት፡ ሓደ ሰብ ወሲዱ አብ ግራቱ ንዚዘራአ ፍረ ኣድሪ ትመስል። ንሳ ኻብ ኵሉ ኣዝርእቲ እኳ እንተነኣሰት ምስ ዓበየትስ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ኺሠፍራ ኽሳብ ዚኽእላ እንካብ ኵለን ኣሕምልቲ ዝገዘፈት ኦም ትኸውን` እናበለ ድማ ካልእ ምሳሌ ኣቅረበሎም። (ማቴ 13.31-32)

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብታ ዝቀረበት ምዕራፍ ወንጌል ማቴዎስ ካብ 24-30 ዘሎ ብዛዕባ ሥርናይን ክርዳድን ዝዛረብ ዋና ግራት ደቂሱ እንከሎ ጸላኢ መጺኡ ብለይቲ ክርዳድ ምስ ሓወሰሉ እሞ እቶም ኣገልገልቲ ዋእ ጐይታይ ጽሩይ ሥርናይዶ ኣይዘራእናን ከመይ ኢሉ ደኣ ክርዳድ በቚሉ ክንኣልዮ ኢና ምስ በልዎ ኣይፋልኩም ክሳብ ቀውዒ ተጸበዩ ኢሉ ለውሃቱን ትዕግሥቱን ንዘመልክት ብምዝካር `እግዚአብሔርሲ ከማና ኣይኮነን ትዕግሥቲ ኣለዎ። ንመንግሥቱ ኣብ ዓለም ብዓመጽ ኣይኮነን ዝዝርግሖ መንገዲ ምስፋሕ መንግሥቱ ብየውሃት እዩ ዝገብሮ’ እንክብሉ እግዚአብሔር ንመንግሥቱ ዘስፍሓሉ መንገዲ ብትዕግሥትን ብለውሃትን ብየዋህነትን ከምዝኾነ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ናብቲ ብቀዳማይ ዘቋረጽዎ ክፍሊ ኣቡነ ዘበሰማያት ምልስ ብምባል እቲ ኣማኒ ‘ስምካ ይቀደስ’ ክብል ስም እግዚአብሔር ኣብ ልዕሌና ክቅደስ ምስ ለመነ ብዓቢ ሃንቀውታ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብ ዓለም ምእንቲ ክሰፍሕ ከኣ  ‘መንግሥትኻ ትምጻእ’ እናበለ ይጽሊ ኢሎም። እዘን ቃላት እዚአን ንምፍርራህ ዝድገማ ዘይኮነስ ናይ ሠናይ ዜና ናይ ታሕጓስ መልእኽቲ ትሕዝቶ ኣለውን። ኢየሱስ መንግሥቱ ንምስፋሕ ናይ ምስዳዕን ናይ ምግናንን ምግዋሕ ኣይገብርን። ብምፍርራህን ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ እግዚአብሔር ብምቅራብን ስለእቲ እትፍጽሞ ሓጢኣት ፍርሃትን ረዓድን ብምሕዳርን ኣይገብሮን እንታይ ደኣ ነቲ ሠናይ ዜና ናይ ድሕነት ጀባእ ይብል።

ዓለምና ገና ኣብ ሓጢኣት እዩ ዘሎ!

ወልደ እግዚአብሔር ንድሕነት ደቂሰባት ከምዝመጸ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ድሕነት እዚ ብወገን እግዚአብሔር ፍጹም ኮይኑ እኳ እንተመጸ ብወገን ደቂሰባት ግን ዓለምና ገና ኣብ ሓጢኣት እዩ ዘሎ፡ ነዚ ከኣ ኣብቶም ብዙሕ ዝሳቀዩ ዘለው ሰባት ምናዳ ከኣ ኣብቶም ክምሕሩን ክዕረቁን ዘይደልዩ ሰባት ከም ሳዕቤኑ ከኣ መዓት ውግእን ብዙሕ ምዝመዛን ንርኢ።

“እዚ ኩሉ ኩነታት ዝገልጾ ነገር እንተሃልዩ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተለገሰልና ዓወት ገና ምሉእ ብምሉእ ኣባና ኣይተተግበረን ከመይ ብዙሓት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምስ ዕጽው ልቢ ይነብሩ ስለዘለው። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎና ኢና ከንፈር ነፍሲወከፍ ክርስትያን ነታ ካልአይቲ ሓረግ ናይ ኣቡነዘበሰማያት መንግሥትኻ ትምጻእ እናበለ ዘጋውሕ። እዚ ከኣ ተድልየና ኢኻ ኦ ኢየሱስ ንዓኻ ንደሊ ኣሎና ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንስኻ ኣብ ማእከልና ጐይታ ክትከውን ንደሊ ኣሎና ከም ምባል እዩ። እዚኣ ከኣ ቃል ተስፋ እያ።”

ቃላት ተስፋ!

እዘን ቃላት ተስፋ እዚአን ኣብ መላእ መጻሓፍ ቅዱስ ከም ማሕተም ዝቅመጣ እየን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩለን ጽሑፋት `እወ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ` ክብል ይዛዝም። እዚ ከኣ እቲ ቃለ ወንጌል ክዝራእ ዘለዎ ዘርኢ ተኽሊ ኮይኑ ኣብ ማእከልና ኣብ ማእከል ሓጢኣትናን ውድቀታትናን እያ ክትከል። ኣብዚ ተተኸሊ ንብላ ኣሎና።

“ነቶም ብሕይወት ሽንፈትን ውድቀትን ንዘጋጠሞም ሰባት ነወፍያ! ነቲ ክንዲ ፍቅሪ ብዙሕ ጽልኢ ዘስተማቀረ ነወፍያ! ነቲ ምኽንያቱ ከይተረደአ ዘይጠቅም ዕለታት ዝነበረ ነወፍያ! ነቶም ስለ ፍትሒ ዝቃለሱን ንሰማዕታት ታሪኽን ንሃባ እስኪ! ኣብዚ ክፍኣት ዝዓብለሎ ዓለምን ብከንቱ ተቃሊሰ ኢሉ ቃልሲ ንዝፈጸመ ንሃባ። እዚ ኩሉ ክኸውን ግን እግዚአብሔር ብትዕግሥቲ ይጽበየና ኣሎ።”

ትዕግሥቲ እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መባእታ ዝበልዎ ትዕግሥቲ እግዚአብሔር ዕብየቱ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንኩሉ ኣቀዲሙ ስለዝፈልጥ ወትሩ ቀቅድመና ብትዕግሥትን ለውሃን ብምኻድ ብዘደንቅ ሓልዮቱ ይሕለወና ኢሎም የዘኻኽሩ እሞ ነታ `ድሕሪ ናይ ዓርቢ ስቅለት ለይቲ እትመጽእን ንመላእ ዓለም ብተስፋ እተብርህ ናይ ትንሣኤ ወጋሕታ’ ምስጋና ይኹኖ እግዚአብሔር ወትሩ ምስ ሓለየልና እዩ ኢሎም። እዚ ሓልዮት እዚ ግን ትዕግሥትን ለውሃትን ዝመልኦ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ መንግሥቲ እግዚአብሔር ሥርናይን ክርዳድን ብሓባር ዝዓብዩሉ ግራት ይመስል። ኣብዚ ኩነት እዚ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ከምቲ ኣገልግልቲ ምሳሌ ወንጌል ዝበልዎ ብኡ ንብኡ ነቲ ክርዳድ ክትምንቊስ ምህንዳድ እዩ። ማለት ካብዚ ዓለምና ነቶም ክፉኣትን ሰዓብቶምን ክትኣሊ ከም ምህንዳድ እዩ።

“ርግጽ እዩ መንግሥቲ እግዚአብሔር እቲ ኣሎ ክበሃል ዚከኣል ዓቢ ሓይሊ ኣለዋ እዚ ግን ብመምዘኒ ናይ ዓለም ኣይኮነን! ስለዝኾነ ከኣ ኣብዛሓ ክኽተልዎ ኣይርከቡን። ከምቲ ቁሩብ መባዅዕቲ ንብዙሕ ሓርጭ ዘብኵዖ ኮይኑ ግን ፈጺሙ ዚጠፍእ መንግሥቲ እግዚአብሔር እውን ከምኣ እያ (ማቴ 13.33)። ወይውን ከም ንእሽቶ ዘርኢ ኣድሪ ዳርጋ ዘይትረኤ እያ ኮይኑ ግን ኣብ ውሽጣ ብዙሕ ሓይሊ ኣልይዋ ምስ ዓበየት ካብ ኩለን ኣታኽልቲ እትዓቢ ትኸውን (ማቴ 13.31-32)። እንክብሉ ናይ ሎሚ ትምህርቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መድብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 March 2019, 18:21