ድለ

2019.03.04 ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንላቲን/ደቡብ ኣመሪካ 2019.03.04 ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንላቲን/ደቡብ ኣመሪካ 

ኣብ ደቡብ/ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዓውዲ ፖሎቲካ ህላዌ ካቶሊካውያን የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ካብ ኮሚሽናት ቅድስት መንበር ሓደ ዝኾነ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ንላቲን/ደቡብ ኣመሪካ ን26 ዝኾኑ ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ካቶሊካዊያን መንእሰያት ደቡብ ኣመሪካ ኣሰልጢኑ ኣብ ምዝዛም እቲ ሥልጠና ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዝአገረ ፖሎቲካ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ፖሎቲካስ ምሒር ናይ ሥልጣን ምምሕዳር ጥበብ ጥራይ ኣይኮነን ኣንታይ ደኣ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ንምድንፋዕ ዝወሃብ ናይ ኣገልግሎት ጸዋዕታ እዩ’ ኢሎም። እቶም ሠልጠንቲ ከም መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሥልጠናኦም ዝቀስምዎ ‘ኅብረተብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ኣብ ፖሎቲካ ላቲን/ደቡብ ኣመሪካ ሓላፍነትካ ምሽካምን` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኮይኑ ‘ኣብ ሥልጣን ፖሎቲካ ንዝርከብ ሓዲስ ወለዶ ካቶሊካውያን ላቲን/ደቡብ ኣመሪካ’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ጸዋዕታ ፖሎቲካ ኣብ ዝሃብዎ ትንተና ኩሉ ጸዋዕታ ክርስትያን ፍልይ ብዝበለ ንዓኹም ብዝምልከት ከኣ ጸዋዕታ ፖሎቲካ ኣብ ማሕበረሰብ እዩ ዝውለድ። ኣብ ማሕበረሰብ ቀዳማያ ምልክት ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት ዝርኤ ዕርከት እንክኸውን ነዚ ከኣ በቲ ንርእስኻ ኰንካ ንካልኦት ክትከውን ዝብል ፍቅራዊ ጻውዒት ምሥጢረ ሥጋዌ ክርስቶስ ኮይኑ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዕርክነት ብተልእኮኣዊ መንገዲ ናብ ካልኦት ከብጽሕዎን ተመኲሮኦም ከስፋሕፍሑን ነቲ ንሕና ቤተክርስትያን እንብላ ተመኲሮ ከካፍሉን እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ባይታ ክጣጣሕ ኣለዎ።

ፖሎቲካዊ ተልእኮ ንምፍጻም ዘድሊ ባይታ!

ቅዱስነቶም ንማዕዳኦም ቊሩብ ኣዕሙቚ የብሉ እሞ `ካቶሊካዊ ኰንካ ኣብ ፖሎቲካ ምስታፍ ናይ በይንኻ ንኡስ ጉጅለ ምፍጣር ማሕበር ፓርቲ ምግባር ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብምሕዝነትን ብዕርክነትን ምንባር ማሕበረሰብ ምምሥራት እዩ። እዚ ከኣ መሠረታዊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።

ብኅብረተብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝተሃነጽካ ኣብ ልብኻ ብእግዚአብሔር እተፈቀርካ ናይ ምዃን ተመኲሮ እተስተማቅረሉ ናይ ሓደ ማሕበረሰብ ኣባል ምዃንካ ዘይስመዓካ እንተኾይኑ ኣብ ናይ ሥልጣንን መደባት ምሕንጻጽን ተግባራትን ግድል ክትወድቅን በይንኻ ተነጺልካ ክትተርፍን ይከኣል። እዚ ብዓይኒ ፖሎቲካ ጽቡቅ ኮይኑ እኳ ዝረኤ እንተኾነ በይኻ ተነጺልካ ሓዚንካ ብኩሉ ዝተኻሓድካ ኰንካ ክትተርፍ ኢኻ። ስለዚ ብእዋኑ ነቲ ናይ ሓባር ሠናይ ነገር ብምሕሳብ ናብኡ ኣቅንዕ ንኣኡ ሕነጽ ኢሎም።

ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምህናጽ!

ናይ ሓደ ክርስትያን ፖሎቲካዊ ሕይወት ዝምባሌ ሓባራዊ ሠናይ ነገር ምህናጽ ክኸውን ኣለዎ፣ እዚ ከአ በቲ ኢየሱስ ዝሃበና ጸጋ ንነገራት ብሓዲስ መንገዲ ምጥማት እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ብሕልፊ ንላቲን ኣመሪካውን ቅዱስ ኣቡነ ኦስካር ሮመሮ ምዃኑ እውን ዘኪሮም። ከምዚ ክብሉ ከኣ ብሂል ቅዱስ ሮመሮ ጠቂሶም።

ሓቀኛ ክርስትያንከስ ቅድሚ ዝኣገረ ንእምነቱ ክመርጽ ቃልሱ ከኣ ስለ እቲ ፍትሒ መንግሥቲ እግዚአብሔር እምበር ካልእ ፍትሒ ከምዘይኮነ ብተግባር ከርኢ ኣለዎ።

ቅዱስነቶም ናብተን ቃላት ቅዱስ ሮመሮ ምልስ ይብሉ እሞ ‘እዘን ቃላት እዚአን ካብ ኣፍ ሮመሮ እየን ተዘሪበን በዚ ከኣ ቅዱስ ሮመሮ ምእመናኖም ነጻ እምበር ባሮት ክኾኑ ከምዘይብሎም በዚ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ፖሎቲካ ነቲ ብሥነ ሓሳባት ዝቀርብ መጋውሒ ገዲሮ ኣብ ወንጌል ተመርኲሶም ከገልግሉ ጸዊዖም። ፖሎቲካኸስ ናይ ኣገልግሎት ጸዋዕታ እዩ ኢሎም።

ፖሎቲካ ከም ጸዋዕታ ኣገልግሎት!

ንፖሎቲካ ብብርሃን ወንጌል ብምርዳእ ጥራሕ እዩ ሕዝቢ ናይ ታሪኹ ተዋሳኢ ክኸውን ዝኽእል በዚ ከኣ እቶም ኣመሓደርቲ ወይ መራሕቲ ንብሎም ንኩሉ ናይ ምውሳን ሥልጣን ከምዘለዎም ንዝመስሎም ክገድፍዎ ይኽእሉ። እዚ ሥነ መጎት እዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል።

ዓቢ ዘመናዊ ለውጢ ኣብ ላቲን ኣመሪካ!

ቅዱስነቶም ተወላዲ ናይቲ ከባቢ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብዙሕ እውን ምስ ሕዝቦም ስለዝሠርሑ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዓቢ ዘመናዊ ለውጢ የድሊ ነዚ ንምግባር ከኣ ሠለስተ ዓበይቲ ሓይልታት ከምዘለው ንሶም ከኣ ደቂ ኣንስትዮን ኣጓብዝን ብሳልሳይ ደረጃ ከኣ ድኻታትን ዝተገለሉ ሰባትን ምዃኖም ገሊጾም። ደቂ ኣንስትዮ ንላቲን ኣመሪካ ኣንስታዊ ገጽ ዝህባ ተስፋ ላቲን ኣመሪካ እየን። መንእሰያት ከኣ ሓቀኛ ለውቲ ንምድንፋዕ ተጻይ ዝኾነ ጣዕሚ ናብራ ተዓጢቆም ስለዝቃለሱ። ኣብ መጨረሻ ከኣ ድኻታትን እቶም ካብ ኩሎም ዝተገለሉን ቤተክርስትያን ከም መርዓት ክርስቶስ እትግለጸሉ ነዚኦም ብምግልጋል ስለዝኾነ። ስለዚ ሓቀኛ ዓቢ ለውጢ እንተደአ ዝድለ ኮይኑ ነዚኦም ምጥቃሞም ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ካቶሊካውያን ኣብ ሕይወት ፖሎቲካ ክዋስኡ ኣድላዪ እዩ!

ኣብ ኩሉ ዓለም ከምዝኸውን ኣብ ፖሎቲካዊ መርሕነት ካቶሊካውያን ክሳተፉ ኣለዎም ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ግን ሓዲስ ገጽታ ንምብርካት ዘይኮነ ክንዲ እቶም ሓቀኛ ድልየቶም ዝገልጹ ዘለው ሕዝባዊ ምንቅስቃሳት ቆይሞም ድምጾም ክኾኑ እዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ንኩሉ ዝሓቚፍ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን ክርስትያናዊ እምነት ዝመሰረቱ ኣመራርሓ ከዘውትሩ ከመይ ላቲን ኣመሪካ ካብ ሕውስዋስ ዓለታት ተወሊዳ ከምኡ ኢላ ክትነብር እያ መጻኢኣ ከኣ ንሱ እዩ ክኸውን ኢሎም። ላቲን ኣመሪካ ካብ ሕውስዋስ ዓለታት ተወሊዳ ከምኡ ኢላ ክትነብር እያ መጻኢኣ ከኣ ንሱ እዩ ክኸውን ኢሎም። እንክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ሂቦም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
05 March 2019, 19:04