ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሥርዓት ሮቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ እንክፍጽሙ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሥርዓት ሮቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ እንክፍጽሙ 

ዘመነ ጾመ አርባዓ ንልብና ካብ ከንቱነት ሓራ እነውጸአሉ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ብዕሊ ንዘመነ ጾመ አርባዓ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንምጅማር ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣንሰልሞ ክሳብ ባዚሊካ ቅድስት ሳቢና ናይ ንስሓ ዑደት ብምግባርን ሓሙዅሽተ ኣብ ርእሶም ብምንስናስን ፈሊሞሞ። አብቲ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከኣ ‘ዘመነ ጾመ አርባዓ ንልብንናካብ ከንቱነት ሓራ እነውጸአሉ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ኢዮኤል ነቢይ `መለኸት ንፍሑ ዓቢ ጾም ከኣ ኣውጁ’ (2,15) ክብል ኣብ ቀዳማይ ንባብ ሰሚዕናዮ። ጾመ አርባዓ ብድምጺ መለኸት ይጅምር። እዚ ድምጺ መለኸት ነእዛና ሕይል ዝበለ ኮይኑ ጾም ይእውጅ። ብርታዔ ናይቲ ድምጺ ካብቲ ዕለት ዕለት እንጐዮ ልሙድ ሕይወትና ደው ክንብል እሞ ዝግ ኢልና ክነስተንትን ከመይ እዚ ጉያ እዚ ናበይ ገጹ ምዃኑ ኲልና ኣይረደኣናን። ብዝኾነ ደው በሉ ይብለና ኣሎ። እዚ ከኣ ናበይ ገጽና ከምእንኸይድ ክነስተውዕል ስለዝሕግዘና ጽቡቅ እዩ። ኣብ ኣመጋግባና እውን ቊጥብ ክነብል ከሎና እታ ነፍሲ ትበራበር።

ምስ እዚ ናይ ንቅሑ ዝብል ድምጺ ከኣ `ናባይ ተመለሱ’ ዝብል መልእኽቲ ጐይታ ብቃል ነቢይ ይውሰኾ። ምምላስ ናብ ጐይታ ምምላስ! ክንምለስ እንተደኣ ንሕተት ኣሊና ገለ ዝሓለፍናዮ ኣሎ ማለት እዩ። ዘመነ ጾመ ኣርባዕኸስ ነታ ካብ መስመር ወጺኣ ዘላ ሕይወት ዳግም ንምርካባን ናብ መንገዲ ምምላሳን እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዝኾነ ጉዕዞ ዘጋጥም ኮይኑ መንገዲ እንተተጋጊኻ ናብታ ዝተጋገኻላ ተመሊስካ ከም ብሓዲሽ ነቲ ቅኑዕ መንገዲ ከም ምጅማር እዩ። እዚ ዕላማ ዘለዎ ጒዕዞ ክኸውን ከሎ እዩ። ቦታታት ክትርኢ ሱቚ ኢልካ ትጐዓዝ እንተሊኻን ንክትበልዕ ኰፍ ትብል እንተዀንካን ርሑቅ ኣይተኸይድን። ስለዚኸስ ነፍሲወከፍና ክንሓቶ ዘሎና ጉዕዞ ሕይወተይ ናበይ ገጹ እዩ ዕላማ ኣለዎዶ! ወይስ ሱቚ ኢለ ጽቡቅ ምህላወይ ጥራያ እናሓሰብኩ ነታ ዕለት እነብር! ምናልባት ንእሽቶ ጸገም ፈቲሔ እንደገና ብሓጐስ ክነብርዶ እሓስብ! ኣየናይ እዩ ዕላማ ሕይወተይ! ምናልባት ጥዕና ሃሰስ ምባልዶ ይኸውን! ብዙሓት ሎሚ ጥዕና ቀዳምነት ዝወሃቦ እዩ ይብሉ ኮይኑ ግን እዚ እውን እንተስ ቀዲሙ እንተስ ድሒሩ ክሓልፍ እዩ! ኣብ መወዳእታ ኩሉ ምስ ጸብጸብና ጐይታ ነዚታት ኣይኮንኩምን ናባይ ተመለሱ ይብለና ኣሎ። ናባይ ተመለሱ። ዕላማና ጒዕዞና ኣብዚ ዓለም እዚኸስ ጐይታ እዩ። እታ መንገዲ ኣብ ዙርያኡ እያ ዕንክሊል ትብል፣

ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ወይ ዕላማ ሕይወት ንምርካብከስ ሎሚ ምልክት ይወሃበና ኣሎ። ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእስና ንንስንስ። እዚ ከኣ ኣብ ርእስና እንታይ ሒዝና ከምዘሎና የዘኻኽረና ማለት ሓሳባትና ኩሉ ግዜ በናኒ ዝኾነ ነገራት ክንሓስብ እዚኦም ሓሳባት እዚኦም ከኣ ክኸዱን ክምለሱን ክበኑን ንርእዮም። እዚ ኣብ ርእስና እንገብሮ ሓሙዅሽትኸስ ጥንቅቅ ኢሉ ነታ ሓቂ ቶግ የብለልና ኣሎ እቲ ዕለት ዕለት ደድሕሪኡ ንጐዮን ንንየተሉን ነገራት ከም ሓሙዅሽቲ በናኒ እዩ። ካብኡ ዝተርፍ ምንም የለን። ካብዚ ኩሉ እትሕበነሉን ኣሎኒ እትብሎ ሃብትን ካልእ ነገራትን ዋላ ሓንቲ ሒዝካ ኣይክትሓልፍን ኢኻ። ኩሉ ከምዚ ሓሙዅሽቲ እዩ። በናኒ እዩ። ገዲፍካዮ ክትከይድ ኢኻ። ከምቲ ሥርዓቱ ዝብሎ ከኣ መሬት ኣንተ ወትገብእ ውስተ መሬት እዩ ነገሩ። ሃብቲ ግዝያዊ እዩ ሥልጣንን ሓይልን ሓላፊ እዩ ዓወት ከም ዕራርቦ ጸሓይ ኪሓልፍ እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለምና መሊኹና ዘሎና ዝኾንካዮን ዘይኮንካዮን ኰንካ ክትርኤ ንበራስን ሓላፍን ነገር ከም ዘለዓለማዊ ጠቢቅካ ምስኡ ክትነብር ምቅላስ መደናገሪ እዩ። ዝተርፍ ሓሙዅሽቲ ጥራይ እዩ። ጾመ ኣርባዓ ዝተሰርዓሉ ከኣ ካብዚ ንሓሙዅሽቲ እናሰዓብኩ ዝንበር መደናገሪ ሕይወት ንከናግፈና እዩ። ጾመ ኣርባዓ ዘዘኻኽረና ዓቢ ነገር ከኣ ንሕናስ ንበናኒ ዝኾነ ሓሙዅሽቲ ዘይኮናስ ነቲ ዘቃጽል ሓዊ ናይ እግዚአብሔር ኢና ተፈጢርና ንእግዚኣአብሔር እምበር ንዓለም ኣይተፈጠርናን ንዘለዓለማዊ ሕይወት ሰማይ እምበር ንመደናገርን ሓላፍን ሕይወት ናይዚ ምድሪ እዚ ኣይተፈጠርናን ንነጻነት ውሉድ እግዚአብሔር እምበር ንባርነት ነገራት ኣይኮናን ተፈጢርና። ሎሚ እምበኣር ኣብ ኣየናይ ወገን ኣሎኹ ነቲ ሓዊ መንፈስ ቅዱስዶ እነበር ኣሎኹ ወይስ ንሓሙዅሽቲ ናይዚ ዓለምዚ ኢልና ሕልና ንመርምር።

ኣብዚ ምሩጽ ግዜ ለውጥን ንስሓን ዝኾነ ዘመነ ጾመ አርባዓ ወንጌል ሠለስተ ነገራት ክንገብር ይሓተና። ነዚ ክኣ ብዘይ ግብዝና ክንገብሮ ይሓተና እዘን ሰለስተ ነገራት ከኣ ምጽዋት/ሓገዝ/ወይውን መባእ ካልኣይ ጸሎት ሳልሳይ ከኣ ጾም እዮም። እዚአን ከኣ ሠለስተ በረስቲ ነገራት ክነስተንትን የዘኻኽሩና  ጸሎት ምስ እግዚአብሔር የተኣሳስረና ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምስ ብጾተና የተኣሳስረና ጾም ከኣ ምስ ገዛእ ርእስና ከምእንተኣሳሰር ይገብረና። እግዚኣአብሔር ኣሕዋትና ሕይወተይ እዚኦም ዘይበርሱ እዮም። 

ክነተኲረሎም ዘሎና ነገራት ኣየኖት ምዃኖምከስ ዘመነ ጾመ አርባዓ ብከምዚ ይሕብረና። ጠመተና በታ ባይታ ባይታ ካብ ምምልካት ሓራ ዘውጸኣና ጸሎት ጌርና ንላዕሊ ንሰማይ ክንገብር ከመይ ጠመተና የማነ ጸጋም ባይታ ባይታ እንተኾነ ንገዛእ ርእስኻ ዝኸውን ግዜ ረኺብካ ንጐይታ ዝኸውን ግን ዘይትረኽበሉ ንእግዚአብሔር እትርሰዓሉ እዩ። ብካልኣይ ደረጃ በታ ካብ ኣሎኒ ኢልካ እትንየተሉ ከንቱነትን ንኣይ ይጥዓመኒ ንኣይ እንተጠዓመ ኩሉ ጽቡቅ ኣሎ ማለት እዩ ዝብል ህውተታን ሓራ ዘውጸኣና ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ከኣ ናብ ብጻይና ጠመተና ንገብር። ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ምስ ነገራት ካብ ምጥባቅን ንልቢ ዘደንዝዝ ዓለማውነትን ሓራ ዘውጸኣና ጾም ገቢርና ናብ ውሽጥና ናብ ሕልናና ከም እንምልከት ይገረና። ጸሎትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን ጾምንከስ ነቲ ዘይበርስ መዝገብ ንምውናን ዝግበር ወፍሪ እየን።

ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ‘መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ` (ማቴ 6.21) ይብለና። ልብና ወትሩ ናብ ዝስሕቦ ነገር የተኲር! ሃሙን ቀልቡን ናብኡ ይገብር እሞ ከም መመልከቲ መኣዝን ብኣኡ ይምራሕ። ምስ ሓደ ማግነት እውን ክንመሳስሎ ንኽእል። ሓደ ማግነት ኩሉ ግዜ ምስ ሓጺን ክተሓሓዝ ዝሰሓብ ልብና እውን ምስኡ ዝጠብቅ ነገር ክረክብ ወትሩ ምስ ተወጠረ እዩ። ግድን ምስ ሓደ ነገር ክጣበቅ ኣለዎ። ኮይኑ ምስ ዓለማውያን ነገራት ጥራይ እንተጣቢቁ ድሕሪ ወይ ቀዲሙ ባርያ ይኸውን። እቲ ክግልገለሉ ዝነበሮ ነገራት ንሱ ከገልግሎትም ይጅምር። እዚ ከኣ ደጋዊ ኩነታትና ሃብቲ ሥልጣን መሕለፊ ግዜ ንጥቀመሎም ነገራት ክንዲ ዘገልግሉና ጣዖት ኮይኖም መጀመርያ ሓፍሓፍ የብሉና ደሓር ግን ናብ ዘይውጻእ ህጉም የእትውና። በንጻሩ ልብና ኣብ ዘይበርስ ነገራት እንተደኣ ተጣቢቑ ግን ብቀዳምነት ገዛእ ርእስና ንረክብ ሓራ ከኣ ንኸውን። ጾመ ኣርባዓኸስ ንልብና ካብ ከንቱነት ሓራ እንገብረሉ ናይ ጸጋ ግዜ እዩ። ካብቶም ዘስድዑና ወልፍታትን ጽግዕተኛነትን ሓራ እንወጸሉ ግዜ እዩ። ጠመተና ናብቲ ነባሪ ዝኾነ ነገር እንገብረሉ ግዜ እዩ።

ኣብ ጒዕዞ ዘመነ ጾመ አርባዓ እትቀርበና ሕቶኸስ ጠመተና ናብ መን ነተኲር ትብል እያ። እንትርፎ መስቀል ክርስቶስ ናብኡ ነተኲሮ ካልእ ነገር ክህሉ ኣይክእልን። እንኮ ቡሶላ ማለት ኮምፓስ ወይውን ኣንፈት ሕይወትና ዝሕብርከስ ኣብ መስቀል እተሰቅለ ክርስቶስ ኮይኑ ንሰማይ ገጽና ክነተኲር ይሕብረና። ናይ ዕጸ መስቀል ድኽነት ከምኡ እውን ሱቊ ምባል ናቲ ኣብ እተሰቅለ ጐይታ እቲ ምእንቲ ፍቅርና ንኩሉ ገዲፉ ዕራቊ ዝኾነ ጐይታ ኩነታት ሓቀኛ ሕይወት ምሳኡ ኮይና ብዙሕ ጋሕ ገልጠምን ረኣዩለይ ስምዑለይን ዘይብላ ገርሀይና ሕይወትና ናብራን ከምዘድሊ ይሕብረና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ንኩሉ ነገራት ቶባ ኢልካ ናይ ምግዳፍን ምምናንን ሓያል ትብዓት ይምህረና። ከመይ ሰኽሚ ኣብዚሕካ ምጉዓዝ ንቅድሚ ኣየሰጒመካን እዩ። ካብቶም ዝሓላልኹና ጣዕሚ ናብራ ዓለምን ኢደ እግርና ዝጠምሩ ናይ ንኣይ ይጥዓመኒ ገመዳትን ዓጊበ ይኣኽለኒ ዘይብሉ ህርፋንን ጽጉምን ድኻን ርኢኻ ካብ ምርዳእ ዝተዓጽወ ልብን  ሓራ ንውጻእ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ብፍቅሪ እተቃጽል ዕጸ መስቀል ኮይኑ ሕይወትና በዚ ናይዚ ዓለምዚ ሓሙዅሽቲ ከይተዓብለለት በታ ፍቅሩ ክትመውቅ ይጽወዓና ኣሎ። እዛ ሕይወት እዚኣ ብቃልዓለም ዘይትቅህም ብናይ ፍቅሪ ሥራሕ እትቃጸል ሕይወት እያ። ኮይኑ ግን ከምቲ ንሱ ዝሓተና ኰና ክነብር ኣጸጋሚዶ ኣይኮነን! እንተበልና እወ ብርግጽ ኣጸጋሚ እዩ! እንተኾነ ናብታ ዕላማ የብጽሓና እዩ። ነዚ ከአ ጾመ ኣርባዓ ጽቡቅ ጌሩ ይሕብረና። ብሓሙዅሽቲ ትጅምር ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሓዊ ናይ ለይቲ ፋሲካ ተብጽሓና። ኣብኡ ከኣ እቲ ኣብ መቃብር ዝተነብረ ሥጋ ኢየሱስ ሓመድ ኣይኮነ ኣይበረሰ እንታይ ደኣ ብክብሪ ተንሢኡ። ንዓና ነዞም ሓመድ ዝኾና እውን ምስቲ ዘሎና ድኻምነት ናብ ጐይታ እንተደኣ ተመሊስና መንገዲ ፍቅሪ እንተደኣ መሪጽና ነታ መወዳእታ ዘብላ ዘለዓለማዊት ሕይወት ክንቅበል ኢና። ንዘለዓለም ከኣ ኣብ ሓጐስ ጐይታ ክነብር ኢና።

እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ`ዚ ጠውቑ!
06 March 2019, 18:35