ድለ

በዓለ ደብረ ታቦር ተስፋ ድሕነት ኮይኑ ሥቃይ ሓላፊ ምዃኑ ዝገልጽ በዓል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 17 መጋቢት 2019 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ንበዓለ ደብረታቦት ዝምልከት ኣስተምህሮ ‘ኣብ’ዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ትርጉም ደብረታቦት ክለማመዶ እዚ ከኣ በዓለ ደብረ ታቦር ተስፋ ድሕነት ኮይኑ ሥቃይ ሓላፊ ምዃኑ ዝገልጽ በዓል ከምዝኾነ ይገንዘብ’ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብመሠረት ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንትማሊ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኮይኑ 9.28 ኮይኑ ‘ንጴጥሮስን ዮሓንስን ያዕቆብን ምስኡ ወሲዱ ኺጽሊ ናብ ደየበ። ኪጽሊ እንከሎ ኸኣ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱ እውን ዜንጸባርቅ ጻዕዳ ኾነ። እንሆ ድማ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን ምሳኡ ይዛረቡ ነበሩ።` ዚብል ብዛዕባ ትርኢት ግርማ መልኮት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦርን እግዚኣአብሔር ኣቦ ብደመና ` እቲ ዝሓረዅኦ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ’ ዚብል ቃልን ናይ ጴጥሮስ ‘ጐይታይ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሠለስተ ድንኳን ሓደ ንኣኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ከኣ ንኤልያስ ንግበር’ ንዝበሎ እውን የዘንቱ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል እዚ ብምብጋስ ‘ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና መስቅልና ጸርና ዕለት ዕለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ እንተዘይኮይኑ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝበጽሕ ማንም የለን። ፈተናታት ሥቃያት ጸገማት ናብራ መሳቀዪ ዘይኮነስ ግድን ክንሰግሮም ዘሎና እዮም ኮይኑ ግን ናብ ዝዓበየ ክብሪ እንሰጋገረሉ ነቲ ንዓይንኻ ዝድርጒሕ ትርኢት ግርማ መለኮት ኢየሱስ ንምርኣይ እንበቅዓሉ ግዝያውያንን ሓለፍትን መሰጋገሪታት እዮም። ነዚ ሓቂ እዚ ከኣ ሎሚ እንዝክሮ ካልኣይ ሰንበት ዘመነ ጾም ነቲ ንፋሲካ ኣቀዲማ እትገልጽ በዓለ ደብረ ታቦር ክነስተንትን ተዘኻኽረና፡ በቲ ዕንቅፋት ዝኾነ መስቀል ከስ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንበጽሕ` ኢሎም።

በቲ ዕንቅፋት ዝኾነ መስቀል ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንበጽሕ!

ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ ናብ ጥርዚ በዓላት ሥርዓተ ኣምልኮን ትርጉም ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ክርስትያንን ዝኾነ ዓቢ በዓል ትንሣኤ ገጽና ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ ሎሚ ኣብቲ ሉቃስ ወንጌላዊ ዘቅርበልና ትርኢት ግርማ መለኮት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ኣብ ዝተለወጠሉ ግዜ ጴጥሮስን ዮሓንስን ያዕቆብን ካብ ሓዋርያቱ ሙሴን ኤልያስን ንኦርትን ነቢያትን ወኪሎም ዝዋስኡሉ ፍጻሜ ክነስተንትን ንዕደም።

እቶም ፈልዩ ዝወሶዶም ሓዋርያት በቲ ፍጻሜ ብጣዕሚ ይድነቁ። ልዕሊ ኩሉ ጴጥሮስ እቲ ደስ ዘብል ግዜ ጸጋ ኪሓልፍ ኣይደልን ንኩሉ ግዜ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ይምነ፡ ኮይኑ ግን ንሱስ ይኹን እቶም ካልኦት ሓዋርያት ነታ ቀቅድሚ እዚ ክብሪ እዚ ክመጽእ ዝነበሮ ሕማማትን ሥቃይን ሞትን ትንሣኤን ክቅበሉ ሥንድዋት ኣይነበሩን።

ኢየሱስ ሓዋርያት ንጉዳይ መስቀል ንሕማማቱን ሞቱን ከምዘይቅበልዎ ይፈልጥ ነሩ። ስለዝኾነ ከኣ ንከሰናድዎም ኢሉ ምናዳ ዕንቅፋት ሕማማትን ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂልካ ሙማትን ብርቱዕ ስለዝነበረ ኮይኑ ግን እታ እንኮ መንገዲ ንወልደ እግዚኣአብሔር ካብ ሙታን ፈልዩ ብምትንሣእ ናብ ክብሪ ሰማያዊ ኣቦኡ እተብጽሖ ንሳ እያ ነራ። እዛ መንገዲ እዚኣ ናይቶም ሰዓብቱ ሓዋርያት መንገዲ እውን ኣያ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና መስቅልና ጸርና ዕለት ዕለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ እንተዘይኮይኑ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝበጽሕ ማንም የለን። ነፍሲ ወከፍና መመስቀሉ ኣለዎ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይዚ መስቀል እዚ ፍጻሜ ትንሣኤ ሙታን ምዃኑ የርእየና። እዚ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። ነቲ ዝበለጸ ክትረክብ ብዝሓሰመ መንገዲ ምስግጋር ማለት እዩ።

ኣብ’ቲ ዘንጸባርቅ ትርኢት ግርማ መለኮቱ ብርሃን ድሕነት ኣሎ።

በዓለ ደብረ ታቦር ብዝበለጸ ዝገልጸልና ነገር እንተልዩ ሥቃይ ክርስትያን ክንዮኡ ሓደ ዓቢ ነገር ከምዘሎ እቲ ሥቃይ ከኣ መሰጋገሪ ምዃኑ እንከመልክት ብግዲ ክሕለፍ ዘለዎ መሰጋገሪ እዩ ኮይኑ ግን ንግዜኡ እዩ ሓላፊ እዩ ከመይ ካብኡ ብዘይመጠን ዚዓቢ ዕላማ ጻውዒት ስለዘሎ። እቲ ክንበጽሖ ንመጣጠሮ ዘሎና ብብርሃን ዘንጸባርቅ ናይ ዕረፍትን ታሕጓስን ሸቶ ኮይኑ ከምቲ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢት ግርማ መለኮቱ ንሓዋርያት ደስ ዝበሎም ኣብኡ ምንባር ከምዝሕሾም እውን ዝገለጽዎ ሕይወት ብፅዕናን ሕይወት መንግሥተ ሰማይ ሕይወት ብርሃን ሕይወት መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እዚ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግራማ መለኮቱ ብከምዚ ክገልጽ ከሎ እቶም ዕለት ዕለት ዘሳቅዩና መስቀል ፈተናታትን ጸገማትን ፍታሕ ናቶም ብፋሲካ ብትንሣኤ ሙታን እንኪሰዓሩ እዩ።  ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እምበአርክስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ እምባ ታቦር ንደይብ። ከመይ ኢልና እንተበልና ብጸሎት እዩ እቲ መልሱ። ነቲ ጎቦ ብጸሎት እንክንድይብ ጸሎትና ብሱቚታ ብልብና ወትሩ ንጐይታ እናደለና ክኸውን ኣለዎ። ዕለት ዕለት ብሱቕታ እንጽልየሉን እነስተንትነሉን ግዜ ይሃልወና። ነቲ ውሳጣዊ ኣዕይንትና ናብ መለኮታዊ ገጽ ኢየሱስ ነተኲር እሞ ብርሃኑ ክወረናን ኣብ ሕይወትና ከንጸባርቅን ንፍቀደሉ። ጸሎት ከም ኢየሱስ ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።

ጸሎት ከም ኢየሱስ ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰብኣውነት ናብ መለኮታዊ ግርማ ምልዋጡ ኣብቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝተራኸበሉ ጽዑቅ ውህደት ነበረ። ቅዱስነቶም ናብ ትረኻ ሉቃስ ወንጌላዊ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኪጽሊ እንከሎ ኸኣ ትርኢት ገጹ ተለወጠ ክዳውንቱ እውን ዜንጸባርቕ ጻዕዳ ኾነ’ ዝብል ጥቅሲ ሓይሊ ጸሎት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ኣብዚ ዓለም እዚ ብደቂሰባት ኣቢሉ ንደቂሰባትን ንዓለምን ክልውጥ ይኽእል። ኣብ ሕይወትና ክንደይ ሰባት ዝጽልዩ ጸባት ገጻቶም ከንጸባርቅ ዘይረኣና። ጸሎትከስ ሥራሑ እዚ እዩ። ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።

በዚ መንፈስ እዚኸስ ንጉዕዞ ጾመ ኣርባዓና ብሓጐስ ንፈጽም። ነዚ ሥርዓተ ኣምልኾና ኣብዚ ግዜ እዚ ክንገብሮ ንዝሓተና ንጸሎትን ብብዙሕ መንገድ ዝቅርበልና ንቃለ እግዚኣአብሔርን ዝኸውን ግዜ ይሃልወና።  ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ወትሩ ምስ ኢየሱስ ንምንባር ትምሃረና ነዚ ከኣ ወላ ኣይርደኣዮ ምሳኡ ምንባር ክብሩ ንምርኣይ ስለዘብቅዓና ነዚ ጸጋ እዚ ንለምን። እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።  

ቅርበት ምስ ኣሕዋትና ኣስላም!

ቅዱስነቶም ጸሎተ መልአከ እግዚኣአብሔር ምስ ኣዕረጉ ነቶም ኣብዝ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ ምስግዳት ክራይስትቸርች ዝተጐድኡ ብምዝካን ምስ ኣሕዋትና ኣስላም ቅርበቶም ገሊጾም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ኩሎም ንጽልእን ዓመጽን ንምቝዋም ንጸሎ ኢሎም። ብሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከኣ ኣስናበትዎም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

17 March 2019, 18:41