ድለ

ሲኖዶስ ኣበው ሲኖዶስ ኣበው  

ንመጸዋዕታ እግዚአብሔር ጸማማት ኣይትኹኑ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተ ጸዋዕታ

ዓመት መጸ ራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ጸዋዕታ ምኽንያት ብምግባር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ንሎምዘመን ንመበል 56 ግዜኡ ተኸቢሩ ንዝውዕል ዝኸውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ‘መጸዋዕታ እግዚአብሔር ኢድ ኣእታውነት ዘይኮነስ ኣብታ ናይ ሠናይ ነገራትን ዘለዓለማዊ ታሕጓስን ዝኾነ መደብ ሕይወት ንምስታፍ እዩ እሞ ነዚ ከምዚ ዝበለ መጸዋዕታ ጸማማት ኣይትኹኑ` እንክብሉ ከኣ ተማሕጺኖም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብዚ መልእኽቲ ዘነጻጽርወን ክልተ ነገራት እየን። ተስፋን ሓደጋን ከኣ ይብለወን። መበገሲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ከባቢ ቀላይ ገሊላ ዝተገብረ ሕርየትን ጸዋዕታን ቀዳሞት ሓዋርያት ክርስቶስ ኮይኑ ብክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ቤተክርስትያን ከኣ ይኸብዎ። እቲ ሓደ ቅድሚ ቊሩብ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝተዛዘመ ንመንእሰያትን ምልላይ ጸዋዕቶምን ዝምልከት ሲኖዶስ ኣበው እንክኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት እዮም። እዘን ፍጻሜታት እዚኤን ቤተክርስትያን ንመንእሰያታ ጽን ኢላ ንክትሰምዕን ንሕልምታቶምን ባህግታቶምን ጭቡጥ ዝኾነ መልሲ ንምሃብን ዝጸዓረትለን ምዃነን እውን ገሊጾም። በዚ ከኣ መጸዋዕታ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወት ሰባት ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ መደብ ሕይወት ዝኾነ መደብ ድሕነቱ ንከሳትፈና እዩ ኢሎም።

መጸዋዕታ እግዚአብሔር ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን!

ከምቶም ቀድሞት ሓዋርያት ስምዖንን እንድርያስን ያዕቆብን ዮሓንስን ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ እሞ ጐይታ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ኢሉ ዝጸውዖም እዩ ነገሩ። ልክዕ ነዞም ቀዳሞት ሓዋርያት ኣብቲ ዕለታዊ ሥራሖም ዘጋጥሞም ዝነበረ ድኻምን ጻዕርን ምሉእ ለይቲ ሰሪሖም ሓንቲ ዘይረኸቡሉን ኩነት ከምኡ እውን ንፋሳትን ማዕበላትን እንከጨንቆም ብቃል ጐይታ ብዙሕ ዓሣ ክገፉ ዝኸኣሉ እሞ ዝተኻሕሱ ኣብ ጸዋዕታ ነፍሲወከፍና እግዚአብሔር ብሃንደበት ዝረኽበና ነጥቢ ይፈጥር እሞ እቲ መርበባትና ጥራሑ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንሕይወትና ብዘዕግብ መንገዲ ልግሱ የርኢ ኢሎም።

“መጸዋዕታ ኣምላኽከስ እግዚኣአብሔር ኣብ ሓርነትና ኢዱ ኣይኮነን ዘእቱ ዘሎ ወይውን ብዘይድላይና ዓሚሙ ኣብ ሓደ ዘይንፈልጦ ነገር ኣይኮነን ዘእትወና ወይውን ዘይንፈልጦ ጾር ኣይኮነን ኣብ እንግድዓና ዝጽዕነና። ብኣንጻሩ ሓደ ናይ ፍቅሪ ጉዕዞ ተበግሶ ኮይኑ እግዚአብሔር ብቀዳምነት ንክረኽበና ይመጽእ ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ሃደ ዓቢ መደብ ምሳኡ ከሳትፈና ከምዝደሊ ይገልጸልና። ነዚ ከኣ ክንዮ ኣመላኽታናን ርድኢትናን ናብ ሰፊሕ ባሕሪ ብምምዕዳውን ዝግፈፍ ዓሣ ኣኽል ታርፍ ኣብ ዘለዎን እዩ። በዚ ከኣ ትርጉም ኣብ ዘይብሎም ሰኬዔታት ተጠሚርና ከይንተርፍ ይምሕጸነና።”

ትርጉም ኣብ ዘይብሎም ሰክዔታት ኣይንጠመር!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ምኽንያት መጸዋዕታ እግዚኣአብሔር እቶም ጽውዓት ኣብ ዘይጠቅም ነገራት ተጠሚርና እሱራት ናቱ ከይንከውንን ካብቲ ልሙድ ዕለታዊ ጠባያትና ውጽእ ኢልና ዓቢ ትርጉም ዘለዎም ነገራት ርኢና ክንክእል እሞ ንሕይወትና ትርጉም ክንህቦ ከምዘድሊ ገሊጾም። ነዚ ከኣ ኣብቲ ዘይቀትል ዘይምሕር ዕለታዊ ናብራና ጥራይ ተሓጺርና ብውሽጣዊ ፍርሂ ተሸሚምና ክንዮኡ ምንም ከምዘየሎ ገርና ከይንሓስብ የዘኻኽረና።

“ሓንሳእ ሓንሳእ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ተኣምራታዊ ምግፋፍ ዓሣ እንተኣስተማቀርና ነፍስወከፍና ብዝተፈላለየ መንገዲ ንሓደ ዝዓበየ ዕላማ ጽውዓት ምዃና ንኸመልክተልና ኢሉ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሕይወትና ትርጉም ኣብ ዘይብሎም መርበባት ተጠሊፍና ከይንተርፍ እሞ ልብና ከይድንዝዝ እዩ። መጸዋዕታኸስ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ መርበብካ ሒዝካ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ንከይትብል እንታይ ደኣ በታ ንኣና ዝተወሰነት መንገዲ ንኢየሱስ ምስዓብ እዩ። እዛ መንገዲ እዚ ንሓጐስናን ንሠናይ ነገር ናይቶም ምሳና ዘለውን እዩ። ስለዚ ጠኒንካ ምእታው የድሊ። ነዚ ከኣ ትብዓት የድሊ።”

ትብዓት ጠኒንካ ናይ ምእታው!

ቅዱስነቶም ነዚ ጸዋዕታ እዚ ንምቅባል ትብዓት የድሊ ትብዓት ብትብዓቱ ከኣ ጠኒንካ ናይ ምእታው ትብዓት ከምዘድሊ እዚ ከኣ ከምቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ንኩሉ እቲ ጠናኒጉ ሒዙካ ዘሎ ጥንጥን ኣቢልካ ብምሕዳግ ንጐይታ ምኽታል እዩ። ካብቲ ዘሎናዮ ባሕሪ ናብ ዝሰፍሔን ዝሐሸን ባሕሪ ክንጽዋዕ እንከሎና ንመርበባትና ክነተኻኽል ኰፍ ኢልና ክንተርፍ የብልናን። ከም በዓል ጴጥሮስ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ንጐይታ ምስዓብ እዩ። ድሕሪ ቢሎም ቅዱነቶም ጸዋዕታ ክርስትያን ሱር መሠረቱ ኣበይ ምዃኑ ንምግላጽ `ጸዋዕታ ክርስትያን ብምሥጢረ ጥምቀት እዩ ዝጅምር ካብኡ ብሥርዓተ ኣምልኾን ጸሎትን ምስ ኣሕዋትካ ንኩሉ ብምክፋልን ኣብቲ ኣደ ዝኾነት ቤተክርስትያን እተወፍይዮ ፍቅሪ ብምስታፍ ይድንፍዕ። ሕይወት ክርስትናኸስ ቀስ ብቀስ በተን ዝግበራ ምርጫታት እናተገልጸት በቲ እነበርክቶ ንኣሽቱ ነገራት ኣብ ስፍሓት መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብ ማሕበረሰብ ዓለምና ትዕምብብ። ቅዱስነቶም እዛ ጸዋዕታ እዚኣ ሰፋሕ ከምዝኾነትን ዝተፈላለዩ ጨናፍር ከምዘለዋን ንምግላጽ ካብ ብክርስቶስ ምምርዓውን ሥድራቤት ምህናጽን ጀሚርካ ኩሉ መንገድታት ሕይወትን ወፈያኡን ኣብ ናይ ሥራሕ ዓለምስ ይኹን ኣብ ምግባረ ሠናይ ምውፋር ኣብ ምድግጋፍስ ይኹን ስለ ፍቅርን ሰለፍትሕን ስለሠናይ ነገር ናይ ኩሉ ምቅላስ ክሳብ በዓል ውፉይ ሕይወት ኰንካ ንእግዚኣአብሔርን ነሕዋትን ተወፊኻ ምንባር ደደረጃኡ ዝሓዘ ጸዋዕታ ምዃኑ ይገልጹ።

 ምስ ጐይታ ምስ ተራኸቡ ገሊኦም ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ወይውን ጸዋዕታ ክህነት ክስምዖ ይኽእል። ደስ ዘብል ተረኽቦ ኮይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ የሰንብድ ከመይ ኣብዛ መርከብ ዝኾነት ቤተክርስትያን ገዛእ ርእስኻ ምሉእ ብምሉኡ ብምውፋይ `ገፋፊ ሰብ ክትከውን` ተጸዊዕካ ማለትንአግልግሎት ወንጌልን ኣሕዋትን እሙን ኣገልግሎት ምውፋይ ስለዝሓትት። እዚ ምርጫ እዚ ንኩሉ ጠንጢንካ ናይ ምሕዳግ ትብዓትን ንጐይታ ንክትክተል ጠኒንካ ናይ ምእታው ትብዓትን ይሓትት። ስለዚኸስ ነዚ መጸዋዕታ እዚ ጸማማት ኣይትኹኑ

ንመጸዋዕታ እግዚኣአብሔር ጸማማት ኣይትኹኑ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናይ ዘሎናዮ ዘመን ጸገማት ይትንትኑ ማለት ውሳጣዊ ተቃውሞስ ይኹን ድኻም ተስፋ ቊርጸት ናይ ዓለማውነት ደጋዊ ተቃውሞስ ይኹን ንእግዚኣአብሔርን ንወንጌልን ቦታ ዘይህብ ኩነታት ንመጸዋዕታ እግዚኣአብሔር ከምእትጸምም ክግበር ዝኽእል እኳ እንተኾነ ኣብ መንጎ ቃል ተስፋን ሓደጋን ናይ ጸዋዕታ ኣብነት እትኾነና እግዚእትነ ማርያም ስለዘላ ካብኣ ክንመሃር ምናዳ መንእሰያት ኣብነታ ክኽተሉ ከምዚ ክብሉ የዘኻኽሩ።

“ንጐይታ ኢልካ ንሕይወትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ካብ ምውራድ ዚዓቢ ሓጐስ የለን! ስለዚ ንጸዋዕታ ኣምላኽ ጸማማት ኣይትኹኑ። ንሱ ነዛ መንገዲ እዚኣ ይጽውዓኩም እንተደኣ ሃልዩ ንድሕሪት ገጽኩም ኣይተንሳሕቡ ብኣኡ ተኣማመኑ። ፍርሂ ክመልከኩም ኣይተፍቅዱ ከመይ ፍርሂ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዘቅርበልና ዓበይቲ ነገራት ከደንዝዘና ይኽእል እዩ። እሺ ሕራይ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ዘክሩ! እሺ ሕራይ ንዝኾነ ሓደጋ ማለት እዩ! ንዘሎካ ኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ምሕዳግ እዩ! እዚ ከኣ ብዘይ ምንም ዝጭበጥ ዝረኤ ውሕስነት እዩ! ምትእምማን ኣብ ጐይታ ማለት ከኣ እዚ እዩ። ንመንእሰያት ጸዋዕታኦም ንከለልዩ ኣብነት ትኸውን እኖና ድንግል ማርያም እያ። ነዚ ከኣ ቤተክርስትያን ብምልእታ ክትዕጠቀሉ ቆሞሳትን ኰስኰስትን ማማህራንን ከኣ መንእሰያት ጽን ኢሎም ድምጺ እግዚኣአብሔር ንክሰምዑን ጸዋዕታኦም ንከልልዩን ኪሕግዙ ሓዲስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎ መንእሰያትን ጸዋዕታኦምን ክግበር ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዚሞም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
09 March 2019, 17:57