ንመጸዋዕታ እግዚአብሔር ጸማማት ኣይትኹኑ! ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተ ጸዋዕታ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብዚ መልእኽቲ ዘነጻጽርወን ክልተ ነገራት እየን። ተስፋን ሓደጋን ከኣ ይብለወን። መበገሲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ከባቢ ቀላይ ገሊላ ዝተገብረ ሕርየትን ጸዋዕታን ቀዳሞት ሓዋርያት ክርስቶስ ኮይኑ ብክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ቤተክርስትያን ከኣ ይኸብዎ። እቲ ሓደ ቅድሚ ቊሩብ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝተዛዘመ ንመንእሰያትን ምልላይ ጸዋዕቶምን ዝምልከት ሲኖዶስ ኣበው እንክኸውን እቲ ካልኣይ ከኣ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ፓናማ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት እዮም። እዘን ፍጻሜታት እዚኤን ቤተክርስትያን ንመንእሰያታ ጽን ኢላ ንክትሰምዕን ንሕልምታቶምን ባህግታቶምን ጭቡጥ ዝኾነ መልሲ ንምሃብን ዝጸዓረትለን ምዃነን እውን ገሊጾም። በዚ ከኣ መጸዋዕታ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወት ሰባት ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣብ መደብ ሕይወት ዝኾነ መደብ ድሕነቱ ንከሳትፈና እዩ ኢሎም።
መጸዋዕታ እግዚአብሔር ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን!
ከምቶም ቀድሞት ሓዋርያት ስምዖንን እንድርያስን ያዕቆብን ዮሓንስን ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ እሞ ጐይታ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ኢሉ ዝጸውዖም እዩ ነገሩ። ልክዕ ነዞም ቀዳሞት ሓዋርያት ኣብቲ ዕለታዊ ሥራሖም ዘጋጥሞም ዝነበረ ድኻምን ጻዕርን ምሉእ ለይቲ ሰሪሖም ሓንቲ ዘይረኸቡሉን ኩነት ከምኡ እውን ንፋሳትን ማዕበላትን እንከጨንቆም ብቃል ጐይታ ብዙሕ ዓሣ ክገፉ ዝኸኣሉ እሞ ዝተኻሕሱ ኣብ ጸዋዕታ ነፍሲወከፍና እግዚአብሔር ብሃንደበት ዝረኽበና ነጥቢ ይፈጥር እሞ እቲ መርበባትና ጥራሑ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንሕይወትና ብዘዕግብ መንገዲ ልግሱ የርኢ ኢሎም።
ትርጉም ኣብ ዘይብሎም ሰክዔታት ኣይንጠመር!
ቅዱስነቶም ቀንዲ ምኽንያት መጸዋዕታ እግዚኣአብሔር እቶም ጽውዓት ኣብ ዘይጠቅም ነገራት ተጠሚርና እሱራት ናቱ ከይንከውንን ካብቲ ልሙድ ዕለታዊ ጠባያትና ውጽእ ኢልና ዓቢ ትርጉም ዘለዎም ነገራት ርኢና ክንክእል እሞ ንሕይወትና ትርጉም ክንህቦ ከምዘድሊ ገሊጾም። ነዚ ከኣ ኣብቲ ዘይቀትል ዘይምሕር ዕለታዊ ናብራና ጥራይ ተሓጺርና ብውሽጣዊ ፍርሂ ተሸሚምና ክንዮኡ ምንም ከምዘየሎ ገርና ከይንሓስብ የዘኻኽረና።
ትብዓት ጠኒንካ ናይ ምእታው!
ቅዱስነቶም ነዚ ጸዋዕታ እዚ ንምቅባል ትብዓት የድሊ ትብዓት ብትብዓቱ ከኣ ጠኒንካ ናይ ምእታው ትብዓት ከምዘድሊ እዚ ከኣ ከምቶም ቀዳሞት ኣርድእቲ ንኩሉ እቲ ጠናኒጉ ሒዙካ ዘሎ ጥንጥን ኣቢልካ ብምሕዳግ ንጐይታ ምኽታል እዩ። ካብቲ ዘሎናዮ ባሕሪ ናብ ዝሰፍሔን ዝሐሸን ባሕሪ ክንጽዋዕ እንከሎና ንመርበባትና ክነተኻኽል ኰፍ ኢልና ክንተርፍ የብልናን። ከም በዓል ጴጥሮስ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ንጐይታ ምስዓብ እዩ። ድሕሪ ቢሎም ቅዱነቶም ጸዋዕታ ክርስትያን ሱር መሠረቱ ኣበይ ምዃኑ ንምግላጽ `ጸዋዕታ ክርስትያን ብምሥጢረ ጥምቀት እዩ ዝጅምር ካብኡ ብሥርዓተ ኣምልኾን ጸሎትን ምስ ኣሕዋትካ ንኩሉ ብምክፋልን ኣብቲ ኣደ ዝኾነት ቤተክርስትያን እተወፍይዮ ፍቅሪ ብምስታፍ ይድንፍዕ። ሕይወት ክርስትናኸስ ቀስ ብቀስ በተን ዝግበራ ምርጫታት እናተገልጸት በቲ እነበርክቶ ንኣሽቱ ነገራት ኣብ ስፍሓት መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብ ማሕበረሰብ ዓለምና ትዕምብብ። ቅዱስነቶም እዛ ጸዋዕታ እዚኣ ሰፋሕ ከምዝኾነትን ዝተፈላለዩ ጨናፍር ከምዘለዋን ንምግላጽ ካብ ብክርስቶስ ምምርዓውን ሥድራቤት ምህናጽን ጀሚርካ ኩሉ መንገድታት ሕይወትን ወፈያኡን ኣብ ናይ ሥራሕ ዓለምስ ይኹን ኣብ ምግባረ ሠናይ ምውፋር ኣብ ምድግጋፍስ ይኹን ስለ ፍቅርን ሰለፍትሕን ስለሠናይ ነገር ናይ ኩሉ ምቅላስ ክሳብ በዓል ውፉይ ሕይወት ኰንካ ንእግዚኣአብሔርን ነሕዋትን ተወፊኻ ምንባር ደደረጃኡ ዝሓዘ ጸዋዕታ ምዃኑ ይገልጹ።
ምስ ጐይታ ምስ ተራኸቡ ገሊኦም ጸዋዕታ ውፉይ ሕይወት ወይውን ጸዋዕታ ክህነት ክስምዖ ይኽእል። ደስ ዘብል ተረኽቦ ኮይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ የሰንብድ ከመይ ኣብዛ መርከብ ዝኾነት ቤተክርስትያን ገዛእ ርእስኻ ምሉእ ብምሉኡ ብምውፋይ `ገፋፊ ሰብ ክትከውን` ተጸዊዕካ ማለትንአግልግሎት ወንጌልን ኣሕዋትን እሙን ኣገልግሎት ምውፋይ ስለዝሓትት። እዚ ምርጫ እዚ ንኩሉ ጠንጢንካ ናይ ምሕዳግ ትብዓትን ንጐይታ ንክትክተል ጠኒንካ ናይ ምእታው ትብዓትን ይሓትት። ስለዚኸስ ነዚ መጸዋዕታ እዚ ጸማማት ኣይትኹኑ።
ንመጸዋዕታ እግዚኣአብሔር ጸማማት ኣይትኹኑ!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናይ ዘሎናዮ ዘመን ጸገማት ይትንትኑ ማለት ውሳጣዊ ተቃውሞስ ይኹን ድኻም ተስፋ ቊርጸት ናይ ዓለማውነት ደጋዊ ተቃውሞስ ይኹን ንእግዚኣአብሔርን ንወንጌልን ቦታ ዘይህብ ኩነታት ንመጸዋዕታ እግዚኣአብሔር ከምእትጸምም ክግበር ዝኽእል እኳ እንተኾነ ኣብ መንጎ ቃል ተስፋን ሓደጋን ናይ ጸዋዕታ ኣብነት እትኾነና እግዚእትነ ማርያም ስለዘላ ካብኣ ክንመሃር ምናዳ መንእሰያት ኣብነታ ክኽተሉ ከምዚ ክብሉ የዘኻኽሩ።