ድለ

ናይ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ

ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ከምዝሕብሮ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 38 ሃገራት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ከምእተቓልዔ ክመልክት እንከሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ስለ እቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክስትያን ንጸልይ ዝብልን እቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ቅርበት ክስምዖምን ክብሮምን መሰሎምን ክሕለወሎም ብሓባር ስሌኦም ክጽለይ ዘተሓሳስብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ጸሎት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማሕበር ክምዝዘርገሖ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ዓለም ትእምርቲ መስቀል ምግባርን ቅዱስ መጽሓፍ ምንባብን ሰንበት ምቕዳስን ብዛዕባ ኢየሱስ ምዝራብን ጸሎት መቝጸርያ ምድምን ንሞት ዘብጽሕ እዩ፡ እዚ እዋናዊ ጸገም ኣሳዶ ማሕበረ ክርስቲያን ካብቲ ኣብ ቀዳሞት ዘመን ክርስትና ዝነበረ መከራን ስቓይን ኣዚዩ ዝገደደ እዩ፡ ንምእማን ዘጸግም እውን እንተመሰለ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሱ እዩ፡ ሎሚ ካብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ብዙሕ ሰማዕትነት ዝረአይ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ኣብ ዓለም ኣስታት 300 ሚሊዮን ዝግመቱ ክርስቲያን ብእምነቶም ምኽንያት ከምዝሳሰዱን ጠቒሶም፡ ንሕብረተሰብ ሓቂ ስለ ዝነግሩ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዘበስሩን ኣደዳ ስደትን መከራን ኰይኖም ከምዘለዎ ይገልጹ።

ኣብ 38 ሃገራት ዓለም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ

ጳጳሳዊ በዓል መሰል ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፡ ከምዝሕብሮ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 38 ሃገራት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ከምእተቓልዔ ክመልክት እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና፡ እዚ ግህሰት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ካብተን መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብር ዘይኽበረለን ሃገራት ሓሊፉ እቲ ዘሕዝን ኣብተን ዓለም ሓቆፍ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ዝተቐበላ ሃገራት ክፍጸም ምርኣዩ እዩ ቢሎም፡ እቲ ጽልእ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን በቶም ብሔርተይና ጸንፈይናታትን ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ይሕብሩ።

እቲ ዝሳደድ ማሕበረ ክርስቲያን ቅርበት ክርስቶስ ክስምዖ

ኣብ ዓለም ንኣሳዶን መከራን ኣዚዩ ዝተቓልዔ ሃይማኖት ክርስትና እዩ፡ ካብቲ ክርስቲያን ኣደዳ ዝገብር ዓመጽ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ጸሎት ዝበጽሕ ገዓር ይስማዕ። ነቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን ንምድጋፍ ናይ ጸላያን መረብታዊ ርክባት ክህሉ ይምዕዱ።

ምእንቲ ማሕበረ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ነእቶም ዝሳደዱ ቅርበት ክርስቶስ ክስምዖምን መሰሎምን ክብሮምን መታን ክኽበረሎም ስሌኦም ንጸልይ

ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክባት ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት

እቲ ዓለም ሓቆፍ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት መረብታዊ ርክባት ብጳጳሳዊ ደረጃ ዝካየድ ተግባር ክኸውን እንከሎ፡ ተልእዀኡ ጸሎትን ናይ ሰብኣውን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ብድሆታት ምንባርን ዝብል ኰይኑ፡ እቶም ብድሆታት ብር.ሊ.ጳ. ተለልዮም ዝግለጹን ናይ ጸሎት ሓሳብ እውን ክኸውን ዘመላኽትዎን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብዝህብዎ ምዕዳን ዝዝርግሕን ነቲ ኣብ 1844 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል ተልእዀ ዝፍጸም ዝነበረ ኣገልግሎት ክኸውን እንከሎ፡ ሎሚ ኣብ 98 ሓገራት ህልው ዝዀነን ልዕሊ 35 ሚሊዮ ካቶሊካውን ብኣባልነት ዝሓቑፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ምዃኑ ሎሞናኰ የዘኻኽሩ።

ናይ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ
06 March 2019, 16:35