ድለ

ሻምናይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ከተማን ስልጣነን መንበሪ እግዚኣብሔር ሻምናይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ከተማን ስልጣነን መንበሪ እግዚኣብሔር  

ሻምናይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ከተማን ስልጣነን መንበሪ እግዚኣብሔር

ኣብ በሪኽ ስፍራ ዝተሓንጸት ከተማ፡ ዮሓንስ ራእይ ኣብ ምዕ. 21 ግልጸት ፍጻሜ ታሪኽ ሰብኣውነት ይዝመር፡ ሓድስ ኢየሩሳሌም፡ ምስ ፍጥረት ሰብ ኵሉ መንበሪት እግዚኣብሔር፡ ሞትን ሓዘንን ትካዘን ምርባጽን ዘይረኣየላ፡

እቲ ዕለት 10 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ሓለፍትን ዝርከብዎም ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ብሓባር ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዝጀመርዎ ሱባኤ ዕለት 15 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብዝቐረበ ሻምናይ ኣስተትኖ ተዛዚሙን ንዕለቱ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን፡ ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰባኬ ሱባኤ ኣበ ምኔት በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፥ ናይ መወዳእታ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ ኣብ በሪኽ ስፍራ ዝተሓንጸት ከተማ ዝብል ሓሳብ ካብታ ሉዚ ዝበረኸት ከተማ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝደረሶ ግጥሚ ወሲዶም፡ ኣብ መንጐ ሰማይን ምድርን ዘላ ከተማ ብዝብል ኣገላልጻ ብምቕራብ፡

ምሳይ ኰይንኵም ብሓባር ነታ ኣርመናዊ ሰማዕት ቅዱስ ሚኒያቶ ዝኽበረላ ኣብ ዝበረኸ ስፍራ ዝተሓንጸ ከተማ ፊረንዘ ከተማዕድዉ እዕድመኵም፡ ኣብ መንጐ ድላይ እግዚኣብሔርን ናይ እዋንና ብድሆን እትርከብ ከተማ እንክብሉ ገሊጾም።

ሸቶ ስበኣውነት ውህደት ምስ እግዚኣብሔር እዩ

ኣብ በሪኽ ስፍራ ዝተሓንጸት ከተማ፡ ዮሓንስ ራእይ ኣብ ምዕ. 21 ግልጸት ፍጻሜ ታሪኽ ሰብኣውነት ይዝመር፡  ሓድስ ኢየሩሳሌም፡ ምስ ፍጥረት ሰብ ኵሉ መንበሪት እግዚኣብሔር፡ ሞትን ሓዘንን ትካዘን ምርባጽን ዘይረኣየላ፡ ስለምታይ እዚ ዅሉ ስለ ዝሓለፈ ቢሎም፡ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር፡ እግዚኣብሔር ንፍጥረት ሰብ ዝዓቀቦ ተስፋ፡ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ናይ ስድራ ቤት ስድራ ዝገብር ወንጌል መባኹዕቲ ዝዀነላ ከተማ እያ እንክብሉ ይገልጽዋ።

ተስፋ እትጽገዎ ንኽትጽግዎ እዩ

መጻኢ ጭቡጥነት ዝተንስኤ ሰብን ማሕበረሰብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ማለት እዩ፡ ዝተንስኤ ቆዝሞስ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ዝዀነ፡ ከምቲ ፍስሃን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ፡ ትጽቢት ሓድሽ ዓለም ወይ ምድሪ ህልው ኩነታትናን ዕዮታትናን ኵሉ ዘረስዕ ዘይኵነስ ህልው ኩነታትካን ጭቡጥ እዋናውነትካን ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ብሓላፍነትን ብሱታፌን ምንባርን ሰላም ዝብሉ ኣእዳው ዝረኣየሉን እቲ ዝኸውን ዘማዕድው እዋናውነት ንኽትነብር ዝድርኽ እዩ።

እዚ ዝተገበኣና ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ብምሕረት ዝተቐበልናዮ ከነመሓላልፎን ዘሎና ምስትውዓል … ዝመሓላለፍ፡ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖይ፡ ከተማታትና ዓመጽን ጸረ ማሕበረሰብን ዝኣመሰሉ ተግባራት ሓለፋ ዝብል ምሕውነት ዝንበረለን ይመስላ ኣለዋ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮምን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ኣብ ኒውዘላንድ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ጠቒሶም፡ ሕጂ እውን ከምቲ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ፍቕሪ ልዕሊ ሞት እዚዩ ሓያል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ናይ ፍቕሪ ኪደት ኣብ ከተማ ተኣማኒ መስካሪት ብምዃን ኢጎነትን ፈላላይ ሓጹራትን ክስገር እትመርሕ ክትከውን ዝተጸውዔት እያ፡

ፍቕሪ ምሕረት ሱታፌ ዝብሉ ጸጋታት ጐይታ ንቤተ ክርስቲያኑ ዓዲልዋ እዩ፡ ካብኣ ሓሊፉ እውን ንሰብ ጽቡቕ ድላይ፡ እዚ ኸኣ ከተማታትና እግዚኣብሔር ዘእንግዳ ክዀና መታን፡ ብቐዳምነት እቲ ክርስቲያን እየ ዝብል ክነብሮ፡ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ ንሓድ ሕድና እንነብሮ ምስ ዝኸውን ዝረአይ ጭቡጥ ምስክረት ይኸውን።

ወንጌል ከተማ ክኸውን

ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ፡ 237፥ ወንጌል ከተማ ክኸውን፡ እዚ ዓቢይ ብድሆ ምዃኑ የመላኽት ዝበሉ ኣበ ምኔት ኣባ በርናርዶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ጃኒ፡ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ጳጳሳት ኵሪያ ሮማና ገዳመ ቅዱስ ሚኒያቶ ክበጽሑ ዓዲሞም።

ቅዱስ በነዲክቶስ ብሕጉ ኣቢሉን ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እውን ሰብ ምኽሳብ ዝብል ጻውዒት የቕርቡ … ምስ - ምዃን፡ ምስ ናይ ምዃን ምስጢር ኣብ ሎማውነት ከተማ ምስቲ ገዛእ ርእሱ ዕለት ብዕለት ንኽዕድለና ምስ ዘይስልኪይ እግዚኣብሔር ናይ ዘሎ ምልክታ ሱታፌ ኰይንካ ምርኻብ እንክብሉ ዘቕረብዎ መዛዘሚ ሱባኤ ሻምናይ ኣስተንትኖ ኣጠቓሊሎም።

ሻምናይ ኣስተንትኖ መንፈሳዊ ሱባኤ፥ ከተማን ስልጣነን መንበሪ እግዚኣብሔር
16 March 2019, 16:28