ድለ

ኣብ ጥቃ ቢሶፍቱ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቀትሉ ቦታ ኣብ ጥቃ ቢሶፍቱ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ኣብ ዝወደቀትሉ ቦታ 

ተለግራም መግለጺ ሓዘን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሓደጋ ነፋሪት ኣብ ኢትዮጵያ!

ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንናይሮቢ ተበጊሳ ገና ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ ኣብ ጥቃ ቢሾፍቱ/ደብረዘይት ዝወደቀት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቶም ሒዛቶም ዝነበረት 157 ሰባት ኩሎም ብሙማቶም ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ንምግላጽን ስለ እቶም መወቲ ዘዕርግዎ ጸሎት ከምኡ እውን ንቤተሰብ ዝምህለልዎ ምጽንናዕ ንምግላጽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነዚ ዚስዕብ ናይ ሓዘን ተለግራም ብዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ጽሒሮም።

ሞት ናይ 157 ሰባት ዘኸተለ ዘሕዝን ዜና ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓቢ ሓዘን ምስ ሰማዕና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ እቶም ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝኾኑ መወቲ ይጽልዩ ኣለው ነፍሳቶም ከኣ ኣብ ምሕረት ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር የማሕጽኑ ኣለው። ቅዱስነቶም ዝተሰመዖም ዓሚቚ ሓዘን ንቤተሰባቶም እንክገልጹ እግዚአብሔር ምጽንናዑ ከውርደሎም ሓይሉ እውን ክህቦም ኣብ ልዕሊ እቶም በዚ ሕልቀት እዚ ዝነብዑ ዘለው ካብ እግዚአብሔር ቡራኬ ይምህለሉ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ እታ ነፋሪት ካብ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ተላዒላ ንናይሮቢ ገጻ ኣብ ዝተበገሰትሉ ግዜ ድሕሪ ቊሩብ በረራ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ 157 ሒዛ ወዲቃ። ኩሎም ኣብኣ ዝነበሩ ከምዝሞቱ እውን ተገሊጹ። ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከምዘጋጠመ ይዝከር።

እዛ ቦዪንግ 737 ማክስ እትብሃል ነፋሪት ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተገዝአት ሓዳስ ምዃና እኳ እንተተገልጸ እታ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝወደቀት እውን ልክዕ ከምኣ ኮይኑ እቲ ሓደጋ እውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ይግለጽ።  

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
11 March 2019, 15:09