ድለ

ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ሕርየት ፒዮስ መበል 12፥ ድልድል ክልተ ዘመናት ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ሕርየት ፒዮስ መበል 12፥ ድልድል ክልተ ዘመናት 

ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ሕርየት ፒዮስ መበል 12፥ ድልድል ክልተ ዘመናት

ስርዓት ናዚ ናይ ዘመንና እቲ ዝዓበየ መናፍቕነት እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪክ ማህደር ጠቒሶም የዘኻኽሩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፡ ዕለት 2 መጋቢት 1939 ቅድሚ 80 ዓመት ካርዲናል ኤውጀኒዮ ፓቸሊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዝተሓርዩ ናይ ክልተ ዘመናት ድልድል እንክብል ዝገልጽሉ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ገና ብዙሕ ክፍለጡን ክጽንዑን ዘለዎም ሓደ ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝዀኑን፡ ብቐርባ ክንርእዮም እንከለና፡ ናይ 20 ክፍለ ዘመን ጽልሙት ታሪክ ብቐረባ ዝተመከሩን፡ ናይ ቦልሸቪክ ማለት ናይ ብዙሃውነት ሶውራ ጸገማቱን ኣብ ጀርመን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝነበርሉ እዋን እውን ስርዓት ናዚ ክውለድ ዝረኣዩን ኣብቲ እዋን ንብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ጋስፓሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ስርዓት ናዚ ናይ ዘመንና እቲ ዝዓበየ መናፍቕነት እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪክ ማህደር ጠቒሶም ከምዘዘኻኸሩን፡ ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፒዮስ መበል 11 እሙን ዝነበሩን፡ ኣብቲ ልዕሊ 50 ሚሊዮን ሕዝቢ ንሞት ዝዳረገን ሽዱሽተ ሚሊዮን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ኣውሽዊዝ ንሞት ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝተዛዘመ ከቢድን ዘስካሕክሕ ስርዓት ናዚ ዘተኣታተዎ ውግእ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ እዮም።

ናይ ስልጣነ ተኸላኻሊ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦም፡ ተፈታውን ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩን ዝሳደዱን ዝነበሩ ዝተቓለሱን እዮም። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝነበረ ናይ ኢጣሊያ ፖለቲካ እውን ተዋሳኢ ብምዃን ናይ ለውጢ ኣበጋሲ ክበሃሉ እንከለዉ ገሊኣቶም እውን ናይ ሱቕታ ር.ሊ.ጳ. ዝብል መጸውዕ ይህብዎም፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ስርዓት ናዚ ኣብ ኣውሽዊዝ ሕልቂት ኣይሁድ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ቃሎም ኣየስምዑን ቢሎም ብዝኣምኑ ዝንዛሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሓቂ ግና ክልተ ዘመናታት ዘራኸቡ ድልድል ዝዀኑ ር.ሊ.ጳ. እዮም፡ ኣብ 1952 ዓ.ም. ኣብ እዋን ዝሑል ውግእ ዓለም ስርዓት ዴስነትን ኣብ መንጐ ጌጋን ተጋጋይን ዝብሉ ክልተ ጽንሰ ሓሳብ ናይ ክርስትያናዊ ባህሊ ኣመለካኽታን ትንተናን ዘነጸሩ እያቶም፡

ብዙሕ ጠመቓዊ ሰነዳት ዝደረሱን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ውከሳ ዝተገበረሎምን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ታሪኻዊ ትንታነ ዝብል መገዲ ዘመላኸቱን መጽሓፍ ቅዱስ  ብመንጽር ታሪኻዊ ህየሳ ኣንፈት ዘትሓዙን ናይ ሊጡርጊያ ሓልዮ ምንቅስቓስ ዘተባብዑን ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝሓደሱን ፍጥረታዊ ስነ ፍልቀት ንዝብል ስነ ምርምራዊ ርእየት ዓቢይ ግምት ዝሃቡን ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ባህርያዊ ሩካቤ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ዘተኣታተዉን ናብ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ዓለም ሓቆፋዊ መልክዕ ክህልዎ ዝገበሩን ን 55 ዓመታት ብዙሓት ማዕርገ ጵጵስና ዝሰርዑን ካብ ኵሎም ቅድሚኦም ዝነበሩን ድሕሪኦም እውን ዝመጹ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንብዙሓት ደቀ ንስትዮ ቅድስና ዝኣወጁ እዮም።

(Aandrea Tornielli)

ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ሕርየት ፒዮስ መበል 12፥ ድልድል ክልተ ዘመናት

Photogallery

ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ሕርየት ፒዮስ መበል 12፥ ድልድል ክልተ ዘመናት
02 March 2019, 08:48