ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካልእ ሕይወት እውን ከይጠፍእ፡ ንምጥዓስን ንምልዋጥን ዕድል ምሃብ

ገበነይና ንኽጥዓስን ንኽልወጥን ዕድል እዩ ክወሃብ ዘለዎ እምበር ንበይኑ ክሕደግ የብሉን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ መላእ ሃገራት መንግስታትን ዓቢይ ሓላፍነት ንዘለዎምን፡ ካብ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘነቓቕሕን ዝጽውዕን ናይ ምስማዐ ርእየት መእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዋላ’ኳ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቢይ ገበን ናይ ዝፈጸመ እውን ይኹን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ኩነትን ሰብኣዊ ክብሪ ብምን ዓይነት መገዲ ከይዝንጋዕን ሕይወት ክዕቀብ ዝግብኦ ጸጋ እዩ፡ ናይ ኵሎም ካልኦት ጸጋታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ክብርን ምንጪ እዩ፡ ገበነይና ንኽጥዓስን ንኽልወጥን ዕድል እዩ ክወሃብ ዘለዎ እምበር ንበይኑ ክሕደግ የብሉን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣስዒቦም፡ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክብርን ጸጋውነት ሕይወትን ንምጥዓስን ንለውጥን ዕድል ምሃብን ዝብሉ ሰለስተ ተፍጻሞት / ራእያት ኣንቢሮም በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ምድረ ገጽ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ጻውዒት የቕርቡ፡ እቲ መልእኽቲ እቲ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ዕለት 27 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ዓውደ ጉባኤ ምኽንያት ብምግባር ዝተመሓላለፈ ምዃኑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ማንም ክቕተል የብሉን

ሕብረተሰብ ካብ ገባሬ እከይን ገበነይናን ንምክልኻል መፍትሒኡ ናይ ሞት ፍርዲ ኣይኰነን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ሕብረተሰብ ጸጥታን ሰላምን ሰናይነትን ንምውሓስ ከም ሓደ መፍትሒ ክቐርብን ዘርከቦ ውጽኢት ከምዘየለ እውን ፍሉጥ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም ማንም ክቕተልን ነቲ ንዝበደሎን ስቓይ ንዝፈጠረሉ ሕብረተሰብ ተጣዒሱን ተለዊጥን ተመሊሱ ክጽንበሮ ዘኽእል ዕድል ክረክብ ኣለዎ፡ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሕይወት መሰልን ክብርን ግህሰት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፡

ንናይ ሕብረተሰብ ረብሓ ሕይወት ምኽሳብ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም እወታውያን ተበጽሖታት ከምዘለዉን፡ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጐደና ሕይወት ብምባል ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ሕቶ ድዩ ወይ ከኣ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን ናይ ሞት ፍርዲ የወግዳ ከምዘለዋ ብምዝኻኻር ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ጐዳና’ዚ ንምጉዓዝ ቅዱነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሪ ኣፍልጦ ምሃብን ካልእ ሕይወት ከይኽሰር ኣብ ዘኽእል መዳይ ክስራሕን ንናይ ሕብረተሰብ ሰናይነት ሕይወት ምኽሳብ ዓወት እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ናይ ሞት ፍርዲ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከ ጉዳይ እቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርተ ሃይማኖት ዝብሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕይወት ወንጌል እተስፍሕ ምዃናን በዚ ኣገባብዚ ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ሕይወትን ሰብኣዊ ክብሪ ዘይተገሃስነቱ ዝጻረር ብምዃኑ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ስለዚህ ካብ መላእ ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ኣበርቲዓ ትዓዪ ብዝብል ሓሳብ ክሕደስ ከምዝገበሩ ኣብ መልእኽቶም ኣዘካኺሮም፡

ዝተፈጸመ ገበን ክዕረይ ምግባር

ናይ ሞት ፍርዲ ናይ ምውጋድ ሸቶ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ብጽንዓት ንምርግጋጽን ትብዓት እውን ዝሓትት ምዃኑ ገሊጾም፡ ግብረ አክይ ምቅዋምን ምውጋድን ክበሃል እንከሎ እቲ ተሓታቲ ገበነይና ነቲ ዝፈጸመ ግብረ እከይ ክዕርይን ተለዊጡን ተጣዒሱን እቲ ዝፈጸሞ በደል ብምስትውዓል ሕይወቱን ውስጠ ሕይወቱን ንኽልውጥ ዕድል ምሃብ ይግባእ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 142 ሃገራት ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጋተን ወይ ከኣ ብግብሪ እውን ናይ ሞት ፍርዲ ከምዘወገዳን ይፍለጥ፡ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ናይ 2017 ዓ.ም. ጸብጻቡ፡ 993 ናይ ሞት ፍርዲ ተመሓላሊፉ ከምእተፈጸመን፡ ኣብ 23 ሃገራት ዝተፈጸመ ክኸን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝተፍጸመ ናይ ሞት ፍርዲ ካብቲ ጠቕላላ ናይ 2017 ዓ.ም. ፍርዲ ሞት 51 ሚእታዊ  ዝሽፍን ምዃኑን ስዒበን ሱዕዲ ዓረብን ዒራቕን ፓኪስታንን ብተርታ ዝጥቀሳ ከምዝዀና ጸብጻብ ኣምነስት ኢንተናሽናል ዝጠቐሱ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ካልእ ሕይወት እውን ከይጠፍእ፡ ንምጥዓስን ንምልዋጥን ዕድል ምሃብ
28 February 2019, 16:48