ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሃይማኖታት ናይ ሕውነት ፍቕያ ይዅና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕውነት ዝብል ቃል፥ ደጋጊሞም ምስቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ብጥልቀት ብምትሕሓዝ ሕውነት ዝብል ቃል ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፈጣርነት መደብ ዝተነብረ ጸዋዕታ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ኣብ መስረቲ ሃገር መዘክር ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም፥ ሃይማኖታት ዓመጽን ግብረ ሸበራን ዘይፈቕዳ እያተን፡ ስለ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክጣበቓን ዕርቂ ዝድግፋን ናይቶም ትሑታትን ድኻታትን ድምጺ ኰይነን ዝዓያን ሰብኣዊ ልቢ ኣልቦ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝገብራ እያተን፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዑን እቲ ዓውደ ጉባኤ ምስ ተዛዘመ ብሓባር ኣብ ግብጺ ናይ ዓቢይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ መምህር፥ ሰብኣዊ ሕውነት ንናይ ዓለም ሰላምን ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራን ዝብል ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ተፈራሪሞም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ከም ኣሕዋት ብሓባር ምጉዓዝ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ልዕሊ 700 ናይ ዝተፈላለይ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ዘሳተፈ ናይ ሃይማኖታት ምስልምና ዓበይቲ ጉጅለ ሽማግለ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ ተራኺቦም ናይ ሓባር ዘተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሃይማኖት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ባህልታትን መራኸቢ ድልድ ምዃኑን ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ምዃኑ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ መደረ ኣስሚዖም።

ኣማኒ ሰማዕ ሰላም ዘለዎ እዩ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ቅድሚ 800 ዓመት ኣብ መንጐ ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ሱልጣን ኣል - ማሊክ ኣል-ካሚልን ዝተኻየደ ርክብ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ከም ሓው ሰላም፡ ንሰላም ኣብ መንጐ ኣሕዋት ዝደልይ ከይኖም ነቲ ዝቐረበሎም ኣጋጣሚ ተቐቢሎም፡

         ሰላም ምድላይን ምንቅቃሕ ሰላምን ናይ ሰላም መጋበርያ ንምዃንን ነዚ ዕላማ’ዚ ኢና ኣብዚ ዝተራኸብና

ምስበሉ፡ ኵልና ብሓባር ነቲ ፈላላይ ማዕበል ዓለም ክንየው ዝብል ናብ ናይ ሕውነት መርከብ ነብል።

ዝዀነ ይኹም ሃይማኖት ዓመጽ ምኽንያታዊ ኣይገብርን (ምኽንያት ኣይኰነን)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕውነት ዝብል ቃል፥ ደጋጊሞም ምስቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ብጥልቀት ብምትሕሓዝ ሕውነት ዝብል ቃል ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፈጣርነት መደብ ዝተነብረ ጸዋዕታ ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝበልዎ ኩላትና ማዕረን ሓደ ዓይነት መሰልን ክብርን ዘሎና ኢና፡ ማንም ጊልያን ጐይታን ኣይኰነን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ኩሉ ማዕረ እዩ፡

ብስም እግዚኣብሔር ብዘይ ሰጋእ መጋእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ውጉዝ እዩ፡ ስለምንታይ ኵሉ ዓመጽን ጽልእን ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዘበለ ጸረ ሓው ዝፍነው እከይ ተግባር ብምዃኑ፡ ሃይማኖታውነት ምኽንያት ዘለዎ ምንም ዓይነት ዓመጽ የልቦን።

ሕውነት ኣብ ብዙሕነት

ኣተሓሒዞም፡ ናይ ሕውነት ተጻይ ውልቃውነት ዝብል እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍትረት ነቲ ብጻይን ተጻይን ዝብል ዝፈጥሮ ፍልልያት ብርእየት እቲ ንኹሉ ብዘይ ሓለፋን ኣድልዎን ዝሓቝፍ ሰማያውነት ከሰንፎ ጽውዕ እዩ፡ እቲ ናይ ኣምልዀን ስግደትን ናጽነት ዝውሕስ ሕቡራት ሃገራት ኢሚርታ ዓረብ ዘካይዶ ጻዕሪ ንኢዶም፡ ሃይማኖት ዓመጽን ግብረ ሽበራን ምኽንያታዊ ዝገብር እንተድኣ ኰይኑ ጸረ ገዛእ ርእሱ ኣዩ ዝቐውም፡ ስለዚህ ሃይማኖት መጋበርያ ግብረ እከይ ከይኸውን ከተሓሳስቡ እንክለዉ፡

ከም ኣመንቲ ብማዕርነት መሰልን ክብርን ብስም እቲ ዝፈጠረናን ኣብ ፍልልያትናን ብዙሕነትና ዘሎን ነት ዝፈጠረና መሓሪ ስሙ ንምድላይ ዝተጸዋዕናን ኢና

ንኻልእንነት ኣፍልጦ ምሃብ

ቀጻልን ዕለታውን ዘተ ዝብል ሓሳብ ኣውን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ብኣጽንዖት ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንምዕቃብ ፍቱን መጋበርያ ዘተ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ትብዓት ኣብ ካልእነት፡ ካልእነት ምስ ንሱነቱን ምስ ናጽነቱን ኣፍልጦ ምሃብን ምቕባልን፡ እዚ መሰልን ክብርን’ዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነትን ቦታን ቅቡልን ዝተኸብረን ክኸውን ናይ ኩሉ ጻዕርን ውሳኔን ይሓትት፡

ብዘይ ናጽነት ኣባል ናይ ሰብኣዊ ስድራ ምዃን ዘይከኣል እዩ፡ እንተዘይኰነ ግና ጊልያ ምዃን እዩ ዘስዕብ፡ ብዛዕባ ናጽነት ክዘረብ ነቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝብል ክብሪ ብፍሉይ ብምዝካር እዩ፡ ኣብ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ናጽነት ዘይድረት ክንየው ኣብቲ ካልእነት ሓው ምዃንን ናይቲ ናጻ ንኽንከውን ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ውላድን ምዃኑ ዘየማትእ ኣፍልጦ ምሃብ ይግባእ፡ ማንም ሰብኣዊ ተቕዋም እውን ክግህሶ ዘይግብኦ ክብሪ እዩ፡ ናጽነት ናይ ሰብኣዊ ፍርጠት መሰልን ክብርን እዩ፡ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ናይ ኣምልኾን ሓሳብ ናይ ምግላጽን ተግባርን ናጽነትን ዝተዓደለ እዩ፡ ብዙሕነትን መድብላውነትን ሕብሪ ቆርበትን ጾታን ዓሌትን ቋንቋን ናይቲ ሰብ ነዚ ኰይኑ ዝፈጠረ ናይ እግዚኣብሔር ድላይ መለኰታዊ ጥበብ መግለጺ እዩ።

ጸሎት ናይ ሕውነት ወሃቢ ሓይልን መኣዛን እዩ

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ መጻኢ ከም ኣሕዋት ኣብ ናይ ሓባር ጸሎትን ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ባህልታትን ኣብ ብዙሕነት ስኒትን ዝብል ህርኵት ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ፡

ሃይማኖታት ብንቕሓትን ብትብዓትን ብድፍረትን ብዘይ ምድሕሓርን ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናይ ዕርቂ ብቑዕ ብስለትን ናይ ተስፋ ራይን ጭቡጥ ናይ ሰለማ ጉዕዝ ንምሳልጥ ዝድግፋ ኰይነን ክርከባ ሰዓት ኣኺሉ እዩ።

ሕንጸት ፍትሕን ናይ ሰላም እኽናፍ እያቶም

ካልእ ሓውኻ ምዃኑ ምቕባልን ኣፍልጦ ምሃብን ንርህው ዝዀነ መንነት መሰርት እዩ፡ እዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጻፊ ምዃኑ ንኸተሰንፍ ዘብቕዕ እዩ፡ ሕንጸት ማለት ዘርኢ ዓመጽን ጽልእን ቅድመ ፍርድን ኣቐዲምካ ምምሓው ማለት እዩ፡ ፍትሒ ብዘየማትእ መገዲ ምስ ሰላም ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኵለን ሃይማኖታት ህርፋንን ብቀትን መኽሰብን ዝብል ልቢ ሰብ ዘማስኑን እቲ ናይ ዕዳጋ ሕግታትን ዘበለ ዘተን ርክብን ስድራ ቤታውነትን ዘይድግፍ ምዃኑ ኣርጊጸን ዝፈልጣ ክዀና ኣለወን፡

ኵለን ሃይማኖታት ናይቲ ብስነ ኣሓዝ መግለጽታት ጸብጻብ ዝትንተን ዘይኰነስ ናይት ሓው ዝዀነ ትሑትን ድኻን ድምጺ እያተን፡ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ክዀና ይግባእ፡ ናይ ሕውነት ፍቕያ ክዀና ዝተጸውዓ እያተን፡ ስለምንታይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ቅድሚ ሓውን ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነትን የዕንቲ ከይክደናን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ መዓት ኵሉ ኢድካ ሂብካ ካብ ምንባር ዘናግፋ ድምጺ ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ እያተን።

ዘይተገዳስነት ጽባሕ ዘየማዕድው ተግባር እዩ

ቅዱስነቶም ዝዕንብብን ናይ ሃገር ናይ ምዕባለ ስፍራ ዝኸውን ምድረ በዳ እናሓሰቡ፡ ንኻልእ ዘይግዱስ ምዃን ጭቡጥ ምዕባለ ኣየምጽእን፡ ዘይተገዳስነትን ሸለል ምባልን ሰብኣዊ ፍጥረት ክንየው ውልቃዊ ረብሓን መኽሰብን ክንየው ናይ ግሊ ዕዮታትካ ንሓውኻ ንኸይትርእይ ይገብር፡ ዘይተገዳስነት፡ ጽባሕ ዘይርእይን ናይ ፍጥረት ጽባሕ ዘይሓስብን ናይ መጻእተይ መሰልን ክብርን ዘይጥምትን፡ ናይ ሕጻናት መጻእነት ዘየማዕድው እዩ።

ናይ ሰላም ዘርኢ

ቅዱስ ኣቦኣ ኣስዒቦም ከም ካልእ ናይ ሃይማኖታት ዕዮ ቢሎም ዝሓስብዎ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይ ሰላም ዘርኢ ንኽጥጥዕ ምግባር ዝብል ናይ ሓባር ሕውነታዊ ናብራ ዝኽወነሉ ኣብ ሕንጸትን ፍትሕን ዝጸንዔ ምዕቡልን ዝተቐደሰ ሰብኣውነትን ንኽህልው ምግባር ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ሎሚ ካብ ቀደም ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ልቢ ናይ ውግኣ ኣጽዋር ዘርግፈ ንኽኸውን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ንኸበርክት ልዑል ኣገዳስነ ዘለዎ ህጹጽ ተግባርር እዩ።

ቅድድም ነጽዋር ውግእ፡ እትቆጻጸሮ ባይታ ምስፋሕ ካልኦቶ ክፍሊት ዝገብር ኣጥቃዒ ፖለቲካ  ፈጺሙ ናብ ምርግጋእ ኣየብጽሕን ውግእ ብጀካ ሕሰምን ሓሳርን ካልእ ክፈጥር ኣይኽእል። ኣጽዋር ውግእ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይፈጥርን

ኣመኔታ ኣብ ብሓባር ምዃንና

ኣስዒቦም፡ ውግእ ዘጽድቕ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምዝመዛ ክውገድን ኣብቲ ምዕልቕላቕ ዓመጽ ኣብ ዝረኣሉ ኩሉ ብድረ በዳነት ሓልዮት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ኩሉ እግዚኣብሔር ምስቲ ሰላም ዳልዪ ሕዝቢ እዩ፡

ብፍላይ የመንን ሶሪያ ዒራቕን ሊቢያን እሓስብ፡ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ሓደ ናይ ሰብኣዊ ስድራ፡ ብሓባር ናይ ኣጽዋር ውግእ ስልጣን ስነ መጐት ኣበርቲዕና ንቃወም፡ ርክባት ኣብ ምልኰ ኣሃዱነት ዝብል ኣገባብ ንቃወም፡ ዓመጽ ዘዕጥቕን ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ኣፍ ድኻታት ምዕባስን ኩሉ ንቃወም፡ ነዚ ኵሉ’ዚ በቲ ምቁር ዝዀነ ሓይሊ ጸሎትን ዕለታዊ ህርኩት ብዝዀነ ናይ ሓባር ተግባ ንቃወም፡

ቢሎም ዘስምዕዎ መደረ ዛዚሞም፡ ብሓባር ምስ ዓቢይ መምህር ሰብኣዊ ሕውነት ምእንቲ ሰላምን ናይ ሓባር ናብራን  ዝብል ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዝፈረሙ ተገሊጹ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሃይማኖታት ናይ ሕውነት ፍቕያ ይዅና
05 February 2019, 17:41