ድለ

ክርስትያን ዘቦኡ ድሮ ብፁዕ እዩ! ዕጥቁ ከኣ እምነትን ፍቅርን ጥራሕ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓምፈ ልዕሊ 180 ሺሕ ምእመናንን ልዕሊ 4000 ተኸተልቲ እምነት ምስልምናን ዝተሳተፍዎ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ወሽመጥ ሃገራት ኣዕራብ ኣብ ኣቡዛቢ ዛይድ ስፖርትስ ሲቲ ስታድዩም መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግዎ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ብፁዓን ትብል ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ስብከቱ ዝጅምረላ ቃል እያ። እዛ ቃል እዚኣ ከም ምልጣን ኰይና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ ኣእዛንና ዝደጋግማ ኮይና ኣብ ልብና ክሓትማ ዝደለየ ይመስል። ከመይ ቅድሚ ዝኣገረ መሠረታዊ መልእኽቲ ዝሓዘት ቃል እያ። እንተደኣ ምስ ኢየሱስ ሃሊኻ እንተደኣ ከምቶም ናይ ሽዑ ኣርድእቱ ቃሉ ክትሰምዕ ትህንጠ ኰንካ እንተደኣ ምሳኡ ሓንቲ መዓልቲ ክትውዕል ሃረር ትብል ኰንካ ድሮ ብፁዕ ኢኻ። ብፁዕ ክትከውን ኢኻ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ድሮ ብፁዕ ኢኻ። ቀዳማይ ኩነት ክርስትናኸስ እዚ እዩ። ብፅዕና። ብፅዕና ክትፍጽሞ ዘሎካ ዝርዝር ነገራት ሒዛ ብደገ ኣይኮነትን እትመጽእ ወይእውን ክትደግሞን ክትኣምኖን ዘሎካ ጽማሬ መዝገበ እምነት ኣይኮነትን። ንኢየሱስ ምፍላጥ እያ! ብኣኡ ፍቚራት ደቂ ኣቦ ምዃን እያ! ነዚ ታሕጓስ ብፅዕና ንምስትምቃሩን ንምንባሩን ከኣ ሕይወትካ ከም ሓደ ታሪኽ ፍቅሪ ምቅባሉን ምንባሩን ነቲ እሙን ታሪኽ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘይሓድገናን ወትሩ ምሳና ክወሃሃድ ዝደሊ ምዃኑን ምስትምቃሩ የድሊ። ምኽንያት ታሕጓስናኸስ እዚ እዩ። ነዚ ሓጐስ እዚ ማንም ሰብ ኣብዚ ዓለም እዚ ወይውን ምንም ዓይነት ኩነት ሕይወት ከሕድገና ኣይካልን። ዋላ ኣብ ሥቃይ እንከሎና እውን ሰላም ዝህብ ሓጐስ እዩ። ነቲ ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንዝጽበየና ገና ኣብዚ ምድሪ ኣዚ እንከሎና ክነስተማቅሮ የኽእለና፣ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ምሳኹም ንክራኸብ ኣብ ዝስመዓኒ ሓጐስ ክነግረኩም ዝመጻእኩ ነዛ ቃል እዚኣ እየ። ብፁዓት ኢኹም።

ሕጂ እምበአር ኢየሱስ ንአርድእቱ ብፁዓን ክብሎም እንከሎ ነቲ ብዛዕባ ብፅዕና ንዝነበረ ኣተሓሳስባ ይገማጥሎ። ከመይ ብንቡር ኣተሓሳስባ ብፁዓን ዝበሃሉ ሃብታማት ሓያላት ብኩሉ ዕውታትን ብሕዝቢ ዝተመስከረሎምን እዩ። ንኢየሱስ ግን ብፁዓን ዝበሃሉ ድኻታት ትሑታት ወላውን ኣብ መንጎ ውርደትን ላግጽን ብጽድቆም ጽኑዓት ኣብ ስደት ዝርከቡ እዮም። ዋእ መኖም ደኣ እዩ ቅኑዕ ኢየሱስዶ ዓለምና! ነዚ ንምርዳእ ኢየሱስ እንታይ ዓይነት ናብራ ይነብር ከምዝነበረ ንመልከት። ብድኽነት እንክነብር ብፍቅሪ ግን ሃብታም ነበረ። ንሕይወት ብዙሓት እንክፍውስን እንከድሕንን ነታ ናቱ ግን ኣውፍይዋ። ንከገልግል እምበር ንክግልገል ኣይመጸን። ዓቢ ዝበሃል ዝህብ እምበር ዘለዎ ከምዘይኮነ ምሂሩና። ጻድቅን ትሑትን ነበረ። ብዘይፍትሒ እንክዂንንዎ ኣይተቋወመን። በዚ መንገዲ እዚኸስ ኢየሱስ ናብ ዓለም ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣምጺኡ። ከምዚ ብምግባር ጥራይ ከኣ እዩ ንሞትን ንሓጢኣትን ንፍርህን ንዓለማውነትን ብሓይሊ መለኮታዊ ፍቅሪ ኣሸኒፉ። ሎሚ ኩልና ብሓባር ንኢየሱስ ንምስዓብ ዘኽእል ጸጋ ንለምን! ንክንመስሎን ብዘይካኡን እቲ ትሑት ፍቅሩን ካልእ ንከይንደሊ ንማህለል። ምኽንያቱ ከኣ ትርጉም ሕይወት ኣብዚ ምድርዚ ምሳኡ ብሕብረት ብምንባርን ንካልኦት ብምፍቃርን እዩ ዝርከብ። ነዙይ ትኣምኑዶ!

ነዙይ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ብሓቂ ብምንባርኩም ንክመስግነኩም እውን እየ ዝመጻእኩ። ኣብ መንጎ ጽሑፍ ወንጌልን ብሕይወት ዝንበር ወንጌልን ዘሎ ፍልልይ ከምቲ ኣብ መንጎ ጽሑፍ ሙዚቃን ዝዝመር ሙዚቃን ዘሎ ፍልልይ እዩ ይበሃል። ንስኻትኩም ንቅኒት ወንጌል ትፈልጥዎ በቲ ቅኒቱ ከኣ ብሓቂ ትነብሩ። ዝተፈላለያ ሃገራትን ቋንቋን ሥርዓታተ ኣምልኾን ዘሎኩም መዘምራን ኢኹም። ነዚ ፍልልይ እዚ መንፈስ ቅዱስ ይፈትዎ እዩ ወትሩ ከኣ ንጥዑም ሙዚቃ ከወሃህዶ ምስ ደለየ እዩ። እዛ ሓጐስ ዝመልኣ ናይ እምነት ቅኒት እዚኣ ንኩሎም እትህብዎ ምስክርነትን ንቤተክርስትያን ዝሃንጽን እዩ። ጓሳኹም ኣቡነ ሂንደር ንሱ ጥራይ ጓሳኹም ኰይኑ ከምዘይስምዖ እንታይ ደኣ ንስኹም ብኣብነትኩም ንኣኡ ጓሶት ኰንኩም ከምእትስምዖ ዝገለጾ ብጣዕሚ መሲጡኒ። ስለ እዚ ነገር እዚ አመስግነኩም።

ብብፅዕና ምንባርን ንኢየሱስ ምስዓብን ወትሩ ሕጉሳት ምዃን ኣየመልክትን። ዝጉሂ ፍትሒ ዝጐደሎ ናይ ሰላም መጋበሪ ብምዃን ዝስዕብ ቃንዛ ዘስተማቅረ ስቃይ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ። ንኣኹም ካብ ገዛውትኹም ርሒቅኩም ክትነብሩን ክንዮ ናፍቆት ፍቊራትኩም ዘይውሑስ መጻኢ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ጐይታ ወትሩ እመን እዩ ነቶም ናቱ ከኣ ኣይጠልሞምን እዩ። ናይ ምድረበዳ ምንኩስና ዝመስረተ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣባት ሕይወት ኣብነት ክኾነኩም ይኽእል። ንጐይታ ክብሉ ንኩሉ ሓዲጉ ኣብ ምድረበዳ ይርከብ ነሩ። ኣብኡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ መሪር መንፈሳዊ ውግእ ነበረ። ናይ ምጥርጣር መጥቃዕታት ጸልማት ከምኡ እውን ናብቲ ዝነበሮ ንክምለስ ምንፋቅን ምድንዳንን ፈተና ንዝሓለፈ ሕይወቱ ጣዕሳ የሳቅዮ ነበረ። ድሕሪ ብዙሕ ስቃይ ጐይታ የጸናንዖ። ሽዑ ቅዱስ እንጦንዮ ንጐይታ ክሳብ ሕጂ ደኣ ኣበይነበርካ ብኻ ኣቀድም ኣቢልካ መጺእካ ካብዚ ስቃይ መናገፍካኒ! ንዃኑ ኣበይ ነበርካ ይብሎ። ሽዑ ብንጹር ድምጺ ‘እንጦንዮስ ኣነ ኣብዚ ነረ’ ዝብል ቃል ኢየሱስ ይሰምዕ። ጐይታ ወትሩ ኣብ ጥቃና እዩ። እዚ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ብርቱዕ ፈተና ኣንከሎና ወይውን ኣብ ከቢድ ግዜ ከሎና ወይውን በይናን ኮይኑ ኣብ ዝስመዓና ግዜ ወይውን ብዙሕ ግዜ ምሳኡ ኣብ ዘሕለፍናሉ ግዜ ክኸውን ይኽእል። ኰይኑ ኣብቲ ግዝያት እቲ ንሱ ሽሕ`ኳ ብቅልጡፍ ግብረ መልሲ እንተዘይሃበ ኣብ ጐድንና ኰይኑ ይጐዓዝ ንቅድሚት ገጽና ምስ እንግስግስ ሓዲስ መንገዲ ይኸፍተልና። ከመይ ጐይታ ሓደስቲ ነገራት ናይ ምፍጣር መሃድስ ስለዝኾነ ኣብ ምድረበዳ ከይተረፈ መንገድታት ይኸፍት (ኢሳ 43.19)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብመንገዲ ብፅዕና ምንባር ፍሉይ ተግባራት ኣይሓትትን እዩ። ንኢየሱስ ንመልከት። ምንም ዓይነት ጽሑፍ ኣይሓደገን። ወሳኒ ዝኾነ ቅዋም  ኣይገደፈን። ከመይ ከም እንነብር እንክሕብር ዓበይቲ ተግባራትን ፍሉይ ትንግርትታን ክንገብር ኣይሓተተናን። ኩሎም ክገብርዋ ዝኽእሉ ሓንቲ መንገዲ ሕይወት ጥራይ እዩ ሓቢሩና። መንገዲ ብፅዕናኸስ መደብ ሕይወት እዩ። ልዕሊ ዓቅሚ ሰብ ዝኾነ ተግባራት ክንገብር ኣይንሕተትን እንኮ እንሕተታ ዕለት ዕለት ብሕይወትካ ንኢየሱስ ምምሳል እያ። መንገዲ ብፅዕና ንጹሕ ልቢ ንክህልወና ይዕድም። ከምኡ እውን ዝኾነ የጋጥም ትሕትናን ፍትሕን ክነዘውትር ንኩሎም ክንምሕር ምስ እግዚአብሔር ተወሃሂድና ንክነብር ይዕድም። እዚኣ ከኣ ተኣምራታትን ፍሉይ ምልክታትን ዘየድልያ ዕለታዊ ቅድስና ትበሃል። መንገዲ ብፅዕና ንፍሉያት ሰባት ኣይኮነን። ንኩሎም እቶም ዕለታዊ ግድላትን ፈተናን ብትብዓት ንዝምክቱ እዩ። ከም ኢየሱስ በዚ መንገዲ እዚ ዝነብር ንዓለም የንጽሕ። ከምዚ ዝገብር ከም ሓንቲ ኦም ወላውን ኣብ ምድረበዳ ትሃሉ ዕለት ዕለት ነቲ ዝተመረዘ ንፋስ ስሒባ ጽሩይ ኦክስጅን ከም እትህብ ኣዩ። ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝትመስረትኩም ክትኰኑ እምነ ብኢየሱስ ከኣ ንማንም ሰብ ጽቡቅ ንምግባር ስንድዋት ክትኰኑ እምነየልኩም። ማሕበረክርስትያናትኩም ከም ኣብ በረኻ ዝርከብ ዓይኒማይ ዓይኒ ሰላም ይኹኑ።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ክልተ መንገዲ ብፅዕና ክዛረብኩም ምደለኹ። እታ ቀዳመይቲ `እቶም የወሃን ብፁዓን እዮም’ (ማቴ 5.5) ትብል እያ። ዝዕምጽ ወይ ጸብለል ክብል ዝደሊ ብፁዕ ኣይኮነን። ብፁዕሲ ናይቲ ዘድሓነና ኢየሱስ ጠባይ ዝሕዝ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝኸስዎ እውን ብየውሃት ዝመላለስ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ ክጠቅስ ደስ ይብለኒ። ነሕዋቱ ንሳራቺናውያንን ዘይክርስትያንን ከመይ ኢሎም ክቅበልዎም ከምዘለዎም መምርሒ ክህቦም እንከሎ `ባእስን ዕግርግርን ከይገብሩ ስለ ፍቅሪ እግዚአብሄርን ስለእቲ ክርስትያን ኢና ኢሎም ዝእመንዎን ግዙኣት ናይ ነፍሲወከፍ ፍጡር ወዲኣዳም ይኹኑ’ ዝብል ጽሑፍ ሓዲጉሎም። ብዘይ ባእስን ብዘይ ዕግርግርን ዝብል ብሂል ንኩሎም ካህናት እውን የድልዮም ኣዩ። ኣብቲ ዘመን እቲ ኩሎም ከቢድ ኣጽዋር ሒዞም እንክጐዓዙ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሓደ ክርስትያን ትሕቲ እምነቱን ጭብጥቲ ፍቅሩን ተኣንጊቡ ይጐዓዝ ይብል ነበረ። የዋህነትከስ ብጣዕሚ ኣድላዪት እያ። በዚ መንገዲ እዚ ኣብ ዓለም ክነብር እንከሎና ናይ እግዚአብሔር ህላዌ መስኖ ንኸውን እንተዘየሎ ፍረ ክንፈሪ ኣይንኽእልን።

እታ ካልአይቲ ከኣ መንገዲ ብፅዕና ከኣ ‘ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም’ (ማቴ 5.9) እትብል እያ። ክርስትያን ዘቦኡ ካብታ ንሱ ዝነብረላ ማሕበረክርስትያን ጀሚሩ ሰላም የደንፍዕ። ኣብ ራእዩ ለዮሓንስ ካብተን ኢየሱስ ባዕሉ መልእኽቲ ዝሰደለን ንዓኹም እትመስል ናይ ፊላደልፍያ ቤተክርስትያን ተጠቂሳ ኣላ። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ካብተን ካልኦት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ጐይታ ጨሪሱ ኣይወቅሳን። ንስም ኢየሱስ ከይከሓደት ቃላቱ ከም እትሕሉን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩነታት እንከላ ንቅድሚት ከምእትግስግስን ትግለጽ። ኮይኑ ግን ሓደ ፍልይ ዝበለ ጉዳይ ኣሎ ፊላደልፍያ ዝብል ስም ቃል ንቃሉ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምፍቃር የመልክት። ሕወነታዊ ፍቅሪ። እነሆ ኣምበኣርከስ ኣብ ቃል ኢየሱስ እትነብር ማሕበርክርስትያን ኣብ ፍቅሪ ኣሕዋት ትነብር ጐይታ ብኣኣ ደስ ይብሎ ፍረ ከኣ ትፈሪ። ንዓኹም ዝመነያ ከኣ ሰላምን ሓድነትን ንክትሕልው ጸጋኡ ክህበኩም እሞ ነንሕድሕድኩም ክትከናኸኑ እሞ በዛ ክርስትያናዊ ሕውነት እዚኣ ኩልኹም ማዕረ ኰንኩም ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ክርስትያን ካብ ምዃን ነጻ ክትኮኑ ኣዩ።

ብፁዓን ኢሉ ዝጽወዓኩም ኢየሱስ ተስፋ ከይቈረጽኩም ንቅድሚት ንክትግስግሱን ኣብ መንጎኹምን ምስ ካልኦትን ብፍቅሪ ንክትዓብዩ ጸጋኡ ይዓድልኩም (1ተሰ 3.12) እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

Photogallery

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ናይ ኣቡዛቢ ዝተወስደ ስእሊ!
05 February 2019, 14:18