ድለ

ስንብታ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኢሚራት ዓረብ ዘካይድዎ መበል 27 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዛየድ ናይ ስፖርት ደንበ ንጐሆ በሸሓት ዝቝጸሩ መእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ስብከት ለጊሶም ዛዚሞምን፡ ኣብ ኣቡዳቢ ካብ ዝርከብ ርእሰ ብሔራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ መንግስቲ ኢሚራት ዓረብ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ስንብታ ተገይሩሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ከተማ ቫቲካን

ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ልዑል ወራሲ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ኣል ኣሕያን ተረኾቦም ምስ ቅዱስነቶም ሰላታ ምስ ተለዋወጡ ምስ ካልኦት ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናት እውን ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ፈጺሞም፡ ናብታ ዝጓዕዙላን ቦይንግ 787 ናይ ኤታይድ መንገዲ ኣየር ነፋሪት ቅድሚ ምድያቦም ነቶም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ናይ ባህሊ ኣካላትን ምእመናንን ናይታ ኣብቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን እውን ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣፍሊጡ።

 

 

06 February 2019, 09:22