ድለ

ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት፡ ምእንቲ ሰላም ሓድሽ ምትሕቝቓፍን ናይ ሓባር ጻዕርን ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት፡ ምእንቲ ሰላም ሓድሽ ምትሕቝቓፍን ናይ ሓባር ጻዕርን 

ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት፡ ምእንቲ ሰላም ሓድሽ ምትሕቝቓፍን ናይ ሓባር ጻዕርን

ክስርቲያንን ኣስላምን ኣብ ትምህርቲ እምነቶም እሙናት ኰይኖን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዘይምክኣልን ዘይምቅብባልን ተጻባኦነትን ከይህሉ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዓለም ዝረአይ ተመክሮ፡ ብሓባር ክዓዩ ኣገዳሲ እዩ

እቲ ኣብ መንጐ ፍራንቸስኮን ኣል - ጣይብን ብምትሕቝቛፍ ዝተፈጸመ ምልውዋጥ ሰላምታ ብመንጽር ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ናይ ሃይማኖት መጻሕፍቲ ብጌጋ ምትንታንን ናይ መንፍሳዊ ዕሴታት ምድኻምን ናብ ጸንፈይናነት ይድርኽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ናይ ግብጺ ሱልጣን ኣል - ማሊክ ኣል - ካሚል ቅድሚ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ብምትሕቑቛፍ ዝተፈጸመ ምልውዋጥ ሰላምታ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዳግም ሒዞም ናብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣሕዋት፡ ነዚ ዝተጸምኤ ሰላም ህልው ንምግባር ብሓባር ምሳኹም ይብሉ። ቅዱስነቶም ብሓባር ምስ ዓቢይ ናይ ኣል - ኣዝሓር መምህር ብኽታሞም ዘውጽእዎ ክሌዊ ናይ ውሳኔ ሰነድ፡ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን ዘሎ ናይ ምርኻብ ታሪሕ ክንየው ንናይ ሃይማኖት ምስልምና ዓለም እውን ዓቢይ ምልክት ዝሓድግ እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እናተዀላለፈ ዝካየድ ውግእ ዓለም  ዝብል ኣምር ዝመሃዙ በቲ ኣብ ኢሚራት ዓረብ ዘካይድዎ ምብጻሕን ቅድሚኦም ብዘበሩ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘመልከትዎ ጉዕዞ ዝሳዃዕ ኣመለኻኽታ እዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ዓለም ኑክለሳዊ ስግኣት ኣብ ዘዘንበየሉ እዋን ዘሕዝን እውን ኣብ እዋንና ክመልሰ ምርኣዩ ኰይኑ፡ ኣብ  1986 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ካብ ዘበገስዎ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ሰላምን ሕውነትን ሓባራዊ ናብራን ብሓባር ኣብ መላእ ዓለም ብስሉጥነት ሰላም ንኸነቓቕሑ ዝዕድም  ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ከምዘበገሱ ዝዝከር እዩ፡ ድሕሪ ዕለት 11 መስከረም  2001 ዓ.ም.  ግብረ ሽበራ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ድምጹ ክብ ብምባል ብዘናውጽ ኣገባብ ምስ ኣተወ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ደጋጊሞም ግብረ ሸበራን ቅትለት ሰብን ሕጻናትን ኣረጋውያንን ደቀንስትዮን ምኽንያታዊ ንምግባር ሃይማኖትን ስም እግዚኣብሔርን ምጥቃም፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ምዃኑ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ዘቅረብዎ ጻውዒትን በዚ ኣሰር’ዚ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ዝፈጸምዎ ጉዕዞ፡ ብፍላይ ኣብ 2006 ዓ.ም. ንመላእ መንፈሳዊ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምና፡ ክስርቲያንን ኣስላምን ኣብ ትምህርቲ እምነቶም እሙናት ኰይኖን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዘይምክኣልን ዘይምቅብባልን ተጻባኦነትን ከይህሉ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዓለም ዝረአይ ተመክሮ፡ ብሓባር ክዓዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ዝብለዎ ምዕዶ ይዝከር።

ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገራት ሕቡራት ኢሚራት ዓረብ ኣብ ዝፍርምዎ ሰነድ፡ ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ንጹግ እዩ ይብሉ። እዚ ተግባር እዚ እውን ኣብ ሃይማኖት ምስልምናን ከምኡ እውን ኣብ ትንተና ሃይማኖት ምስልምና ዝተደገፈ ገርካ ናይ ምቕራብ ከይዲ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ውጉዝ ዝብልን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ ናይ ክርስቲያንን ሃይማኖት ምስልምናን ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ይረጋገጽ። ዝዀነ ይዅን ዓይነት ምዝመዛን ዓመጽን ጸቕጥን ኣድልዎን ብምዅናን ዝተፈልየ እምነት ዘለዎ ምኽባርን ናይ ሰባት ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ምክልኻልን ናይ ስግደትን ኣምልዀን ስፍራታትን ናይ ደቀንስትዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባርን ምክልኻልን ዝብል ውሳኔ እዩ።

እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ካልእ ዘንብሮ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓሳብ እውን፡ እቲ “ኣልቦነት- ሽበራ” ካብ ጌጋ ርድኢት ናይ ሃይማኖት መጻሕፍቲ ዝምንጨውን ዓለም ሓቆፍ ተግባራት ዝጸልው ምድኻም ናይ ሃይማኖት ዕሴታትን ናይ ሓላፍነት ትርጉም ምጥፋእን ዘስዕብ ካብ ዝረአይ ዘሎ ስነ ምግባራዊ ሕሰረት ዝነቅልን ብስጭትን ቀቢጸ ተስፋነትን ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥሩ ብዙሓት ናብ ኣኽራርነት ንኽወድቁን ነቲ ዘርጋም ዝዀነ ኢእግዚኣብሔራውነትን ጸንፈይናነትን ግኖስጢስነትን ዘእትዉ ወይ ናብ ጸንፈይንነትን ዕዉር ሃይማኖታዊ ደረቐይናነት ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል። ምዕራብን ምብራቕን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ንሕድሕዶም ከም ኣሕዋት ክረኣኣዩ ናይ ሮማ ጳጳስን ናይ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ብሓባር ኣብ ዝፈረምዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣመላኺቶም፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ እናተዀላለፈ ዝካየድ ውግእ ዓለም ምስቲ ኵሉ ዝተፈላለየ ኣዕናዊ መዳያቱ ንምውጋድ መታን ክከኣል ይሕግዙና፡

(Aandrea Tornielli)

ድሕሪ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት፡ ምእንቲ ሰላም ሓድሽ ምትሕቝቓፍን ናይ ሓባር ጻዕርን
05 February 2019, 17:21