ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ፥ ሰብኣዊ ክብሪ ኣኽብሩ ብሕያውነት በይኑ

ብዘይ መሰረታዊ ውካሴ ኣብ ሕግን ፍትሕን፡ ማሕበራዊ ሕይወት ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይተርፍ፡ ልክዕ ከም ሓደ ክትኸፍቶ ዘይከኣለካ ማዕጾ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ታሪኽና፥ ንመጻኢ ምዕዳወና” ብዝብል እርእስቲ ካብ ዕለት 8 ለካቲት ክሳብ ዕለት 9 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ዘካይየደ እቲ ኣብ 1909 ዓ.ም. ዝተመስረተ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማሕበር ደያኑ ኣባላት ኣብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ሰዓት 11 ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፥ ኣብ ከይዲ ሕጊ ብዛዕባ ሕይወት ጅማሮን ፍጻሜን ዝምልከት ዘሎ ባዶነት ከምዝጠቐሱን ሕጊ ምምሕዳር ማለት ብምሕረትን ፍትሒ ምትግባር ማለት ምዃኑ ከምዝገለጹ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሕግን ፍትሕን እንታይ ማለት እዩ? ሸቶኡ እንታይ እዩ? እዋናዊ ብድሆ ደያኑ እንታይ እዩ? ዝብሉ ሕቶታት ቅዱስ ኣቦና ንብሔራዊ ማሕበር ደያኑ ኢጣሊያ ተቐቢሎም ናይ ዝለገስዎ ቃል ሕመረት ገይሮም፡ ኣብዚ ሓቂ ትምዩን ኣብ ዝዀነሉ እዋን ፍትሕን ሕግን ከይድታቱን ጭቡጥነት ልዒል ፍካሬኣውነት ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም።

ተልእዀ ደያኑ

እዚ ናይ ኢጣሊያ ብሔራው ማሕበር ደያኑ፡ ኣገልጋሊ ናይ ሓባር ጥቕሚ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ክውንታ ሓቅነት ዘጻርዩን ዝምርምሩን እይቶም፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ዝደኸመን ብዝተፈላለየ ነገራት ዝሳቐይ ሕብረተሰብ ዝተሳዅዔ እዩ፡ ስለዚህ ሕግን ፍትሕን ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ጭቡጥ ኩነት ዘሎ እዩ።

እንነብረሉ ዘሎና እዋን ውጥረትን ብዙሕ ስቓይን ናይ ሕብረተሰባዊ መዳያት ዘዳኽሙ ሕልና ዘቐምስልን ናብ ውልቃውነት ዝዓጽፍ ዘይምግዳስ ዘስፍሕን ንሕገ ወጥነት ጥጡሕ ባይታ ኰይኑ ይርከብ ኣሎ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዝፍጠሩ ሓደስቲ ዓይነት መሰላት ዝሰፍሓሉን ክሳብ እቲ ሳልሳይ ራብዓን ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ትውልዲ ግብኡነት ዘዳኽምን ወይ ዘደናግርን ብቑዕ ኣፍልጦ ንኸይህሉ ዝድርኽ ናይ ብዙሓት መሰረታውያን መሰላትን ክብርን ዘይስቆሮ ኰይኑ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ ካብ ኣነነት ክንየው ዘይጥምት።

ሕግን ፍትሕን ምናብ እዩ

ንማሕበራዊ ተኣሳስሮነት ሓድሽ ዕያገነዳ ንምሃብ ናይ ፍትሒ ቀዳማዊ ክብሪ ምርግጋጽ የድሊ፡ እዚ ንዅሉ ናይ ሕይወት ጉዳይ ዝምልከት ምህዳር ዅሉ ዝምልከት ትኽክለይና ዕማም ኣገዳሲ እዩ፡ ብመሰረት ናይ ፍልስፍና ባህሊ፡ ሕግን ፍትሕን ከበሃል እንከሎ፡ ንገዛእ ርእሱ ፍትሒ ቀንዲ ክብሪ ምዃኑ ነስተውዕል፡ ንሱ ኸኣ ትኽክለይና ኣንፈት ሓባሪ ምዃኑ የብርሁ።

ሕግን ፍትሕን ሰላምን

ብዘይ መሰረታዊ ውካሴ ኣብ ሕግን ፍትሕን፡ ማሕበራዊ ሕይወት ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይተርፍ፡ ልክዕ ከም ሓደ ክትኸፍቶ ዘይከኣለካ ማዕጾ ምዃን ማለት እዩ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ማሐበራዊ ኣካል ዘሎ እወታዊ ጸዓት ፍትሒ ንምኽዋን ዝዋደድ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ሰላም ንምርግጋጽ መሰረታዊ ከይዲ እዩ፡

ናይ ሕግን ፍትሕን ባዶነት

ብዙሕ እዋን ደያኑ ምስ ሕልናን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ከጋጥሞም ይኽእል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ እንርእዮ ኣብ ናይ ሃገራት ሕግን ፍትሕን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ናይ ሕግን ፍትሕን ባዶነት ስለ ዘሎ፡ ካብ ብዝሕን ተገራጫውነትን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሕግታት ምኽንያት ብፍላይ፥

ብዛዕባ ጅማሮን ፍጻሜን ሕይወት ዝምልከትን ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት ጉዳይን ናይ ስድራ ቤት ክብርን መሰልን ካልኦት ምስ ሕይወት ምስ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዝምልከት ውሳኔ ንምትሕልላፍ ደያኑ ዓቢይ ጸገም እዩ ዘጓንፎም፡ ስለዚህ ካብ ገዛእ ርእሱ ቕንዕናን ሓላፍነትን ተበጊሱ ክውስን ይግደድ፡

ተወፋይነት

ኣብዚ ማሕበራዊ ረብሓ ሰዊእካ ውልቃዊ ረብሓ ንምርግጋጽ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣዋናዊ ዓለም፡ ደያኑ ናይ ግሊ ጥቕሚ ዘየማእከለ ናይ ውፉይ ኣገልግሎት ኣብነት ኰይኖም ክርከቡ ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ክምዕዱ እንከለዉ፡ እዚ ኸኣ ዘመድ ኣዝማድ ዝብልን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መንሽሮታት ንምጥፋእ ይሕግዝ

ሕግን ፍትሕን ናይ ሰባት ህድያው ኣካል ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ተስፋኦም ኣብ ሕጊ ዘንብሩ ብምዃኖም። ንስኻትኵም ደያኑ ኣብ ዕዮዅም ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ክትዕቅቡን፡ ብዘይ ባህላዊ ድዩ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ ድዩ ዓለማዊ ርእየት ዝብል ቅድመ ፍርዲ፡ ከተገልግሉ ዝተጸዋዕኩም ኢኹም፡ ምሕረት እቲ ዝዓበየ ናይ ሕግን ፍትሕን ደረጃ እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይምህረና፡ ስለዚህ ምህረት ሰብኣዊ ሓቅነት ንኽንትንክፍ የብቅዕ፡ ንሓቂ ብትኽክለይና ኣገባብ ንኸነእንግድ የድርኽ፡

ዳይና፥ በዓል መዝነት ዘይኰነስ ኣርኣያነት እዩ

ዳይና ክንየው መዝነቱ ኣብነት ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዜጋታትን ብፍላይ ኣብ ቅድሚ መንእሰያት ኣብነት ኰይኑ ክርክብ ኣለዎ ምስ በሉ ከይዲ ሕግን ፍትሕን ነቶም ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ድኻታትን ካብቲ ተነጺልካ ምንባር ንኽላቐቑን ምስ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዕድል ዘቕርብ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፥

ሕግን ፍትሕን ኣብ ምግልጋልን ፍትሒ ኣብ ምስፋሕ ዝተሳቐዩን ሕይወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑን ዝተሰውኡን ኵሎም ናይ ሕግን ፍትሕን ኣካላት ምሳዅም ሓቢረ ክዝርክ ሓጐስ ይስምዓኒ፡ ነቶም ሕይወቶም ብምስዋዕ ሕግን ፍትሕን ዘገልገሉ ኣነ እውን ምሳዅም ሓቢረ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ እዝክሮም

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ንደያኑ፥ ሰብኣዊ ክብሪ ኣኽብሩ ብሕያውነት በይኑ
09 February 2019, 17:29