ድለ

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን  

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን

ምስክርነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዘበራትዕን ናይቲ ጸገም ከበድ ዘቃልሕን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዕለት 20 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ፡ ንጐሆ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዓውደ ጉባኤ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ቃል ምስክርነቶም ከምዝሰምዔ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 18 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ተዋሂቡ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሓበረ፡ ዕለት 20 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዓውደ ጉባኤ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣሰናዳኢ ኰሚቴ ነቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዝውክሉ ተቐቢሉ ቃል ምስክርነቶም ከምዝሰምዔ ጂሶቲ ገሊጾም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን አደዳ ዓመጽ ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ናይ 12 ሰባት ቃለ ምስክርነት ከምዝሰምዔን እቲ ኮሚቴ እዞም ኣሕዋት ቃል ምስክርነቶም ብምቕራቦም ከምዘመስገኖምን እቲ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ዘበራትዕን ናይቲ ጸገም ከበድ ዘቃልሕን ብምዃኑ ነቲ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ነቲ ጸገም ኣማእኪሉ ንዘካይዶ ምይይጥ ዓቢይ ድጋፍ እውን ምዃኑ ጂሶቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፡ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን
21 February 2019, 17:07