ድለ

ጊሶኒ፥ ግበረ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሱታፌኣውነት ምብዳህ ጊሶኒ፥ ግበረ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሱታፌኣውነት ምብዳህ 

ጊሶኒ፥ ግበረ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሱታፌኣውነት ምብዳህ

ሊንዳ ጊሶኒ፥ ኣብቲ ሱታፌ፡ ብሓባር ንምዕያይ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብኦ መደረ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተጸም ዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ብቐዳምነት ምፍላጡን

ንናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ግቡእ መልሲ ንምሃብ ብህርኵት ተበግሶ ብሓባር ከም ቤተ ክርስቲያናዊ መክብብ ሱታፌ ምዕያይ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ለካቲት ክሳብ ዕለት 24 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመክር ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሳልሳይ ፍጻሜ ኣኼባ፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት ሊንዳ ጊሶኒ ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ ከምዘስመራሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሱታፌ ሓላፍነት ምክፋልን ኣቐዲምካ ምጥንቃቕን ተሓባባርነትን ንዅሎም ነቶም ኣብ ኣካሎምን መንፈሶምን ብዝወረዶም ዓመጽ ምኽንያት ንዝቖሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ዝብል ትእዛዛዊ ቃል ዘረባኤን ዘበገሳ ጊሶኒ፡ ግብረ ዓመጽ ክይኽሰት ኣቐዲምካ ምክልኻል ብዝብል መርሓ ግብሪ ኣብ ዝብል ድምዳሜ ዘብቅዕ ዘይኰነስ ነናይ ዕለቱ ሓዋርይዊ ግብረ ኖልዎ ኰይኑ እዩ ክትግበር ዘለዎ። ከምቲ እተን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀና ኣብ ዝሃብኦ ቃል ምስክርነት ዝበለኦ፥ ነቶም ንመጓሰ ንኸሰንብዱን ንኽበታትኑን ፋሕ ነኸብሉን ከም ተዅላ እናገሓግሑን ሰሊዀም ዝኣትው ናይ ነፍሳት ጓሶት ምዃን ዝተጐለበቡ ኣካላት ኣለዉ፡ ስለዚህ ነቶም ዓማጽያንን ተሓባበርቶምን ዓመጽ የሎን ዝብል ከሓድያንን ሸለል በሃልትን ነቶም ነቲ ገበን ዝኸዋውሉን ዝሓባብኡን ነቶም ነዚ ገበን’ዚ ከቃልዑ ዝፈተኑን ኣፎም ክዓብሱ ዝተገብሩን እቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑን ግምት ከይሃብካ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምዝራብ ዘይከኣል ምዃኑ ኣተሓሳሲበን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ክርስቶስ ኣካል ክሳቐን ክዋረድን ዝርእይ ናይ ሕዝቡ ስቓይን ኣቝሳልን ናትና ገይርና ብፍቕሪ ቅብኣት ክንፍውሶም ዝሓትተና መሓሪ እግዚኣብሔር ፊት ኣብራኽና ኣጺፍና ንንበርከኽ ከምዝበላ ቸቺሊያ ገሊጸን።

ኣፍልጦን ሓላፍነትን

ሊንዳ ጊሶኒ፥ ኣብቲ ሱታፌ፡ ብሓባር ንምዕያይ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብኦ መደረ፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተጸም ዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ብቐዳምነት ምፍላጡን፡ ብሓቅን ፍትሕን መሰረት ንምኽሓስን (ስነ ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሰብኣውን) ተመሳሳሊ ገበን ክይፍጸም ኣቐዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ሓላፍነትን ተሓተቲ እውን ንግቡእ ፍርዲ ምቕራብን ክህሉ ምግባር ይግባእ። ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣፍልጦ ምሃብ ሓላፍነትካ ንምፍጻም ቀዳማይን ኣገዳስን ስጉምቲ እዩ።

ድልያ ሓላፍነት ኣብ ሱታፌ

ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝግበር ተጸባጽቦ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱታፊኣዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ ሱታፌ’ዚ ድማ ስላስያውነት ማዕቅን ዘለዎ እዩ፡ ብውልቂ ዘይኰነ ብሁባሬ፡ ነቶም ኣደዳ ዝዀኑን ነቶም ምእንቲ እዞም ኣሕዋት ዝጣበቑን ንዘቕርብዎ ሕቶ ዝበረኸ መልሲ ንምሃብ ዝከኣል ኣብ ሱታፌ እዩ፡ ንዅልና ዝምልከት እዩ፡ ከም ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን፡ ስለዚህ ንር.ሊ.ጳ. ወይ ንጳጳስ ዝምልከት ጉዳይ እዩ ዝበሃል ኣይኰነን፡ ብዛዕባ ዝፍጸም ዓመጽ ኣፍልጦ ምሃብን ግቡእ መልሲ ምኽዋን ሓላፍነት እዩ፡ ንማሕበራዊ መድረኻት ንምሕጓስ ተባሂሉ ዘይኰነ መልሲ ዝወሃቦ፡ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ባህርይ ዝነቕለ ኣብ ስላሲያውነት ዝጸንዔ ግብረ መልሲ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎ ሕዝበ እግዚኣብሔር እቲ ጸገም ንምኽዋል ዘይኰነ ዝገጥሞን ነቲ ኵሉ ሱታፌኣውነት ዝብድህ ንዘበለ ፈተናታት ኵሉ እናገጠመ፡ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌን ኣብ ጉዕዝ ዘሎ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምዃና ምምስካር፡ ስለዚህ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኵሉ ብመሰልን ግብእን ጸጋ ጥምቀት ኣካል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃን ብዘለዎም ሓላፍነት ክዋስእ ይግብኦ፡ ስለዚህ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ጸረ ዓመጽ ምቛምን ስልጣንን ዘሎካ ሓላፍነትን ዝምልከት ዘይኰነ፡ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ብዘለዎ ተሳታፍነት ሓላፍነታዊ ግዴታኡ ከበርክት ጽዉዕ ምዃኑ ኣብርሄን።

ጳጳሳትን ካህናትን

ጊሶኒ ኣስዒበን ኣብ መንጐ ጳጳሳን ካህናትን ዘሎ ርክብ ኣመልኪተን፡ ካህናት ብቕኑዕ ፍቕርን መንፈስ ተኣዝዞን እቲ ኣብኦም ዘሎ ውክልና ስልጣነ ክርስቶስ ኣፍልጦ ብምሃብ ንጳጳሳቶም ቀረባ ክዀኑ ዝሕተቱ ካብ ኰኑ፡ ጳጳሳት እውን ብወገኖም ናይ ካህናቶም ቁሳውን መንፍሳውን ሰናይን ዝከናኸኑ ክዀኑ ይሕተቱ፡ ናይ ካህናቶም ቅድስና ኣብ ልቦም ንቡር ሓሳብ ክኸውን ኣለዎ፡ ክህነት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፈተና ስልጣንን ገዛእ ርእሳዊ ውከሳን ገዛእ ርእሳዊ ርውየትን መኰንናውነትን ብዝዀነ ኣርካን ወሲባዊ ስምዒት እውን ይኹን ውልቃዊ ርውየቶም ንኸዕግቡ ካልኦት ዝምዝሙ ክዀኑ የብሎምን።

ውስስእ መንፈሳውያን ህያባትን ተልእዀኣዊ ኣገልግሎትን፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ግደ

ዝተፈላለየ ዓመጽ ዘስዕቦ ማህሰይትን መዓትን ግምት ብምሃብ ነዚ ንምቅዋምን ከይኽሰት ኣቐዲምካ ንምጥንቃቕ ኣብ ዝግበር ከይዲ ኣብ መንጐ ጳጳስን ካህናትን ምትሕብባር ክህሉ የድሊ፡ እዚ እውን ናይ መፍንሳዊ ህያባትን ተልእዀኣዊ ኣገልግሎት ውስስእ ክህሉ ይጠልብ፡ ሲኖዶሳውነት ክህሉን ኩሉ ኣብቲ እንኰ ቤተ ክስቲያን ዘቕውም ከከም ጸዋዕታዊ ህያባቱን ፍልልያቱን ክዋሳእ ግድን እዩ። ኣብቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ካህናት ኣብ ዝምልከት ውሳኔኡ ምሉእ ናይ ኣገልግሎት ተዋሳእነት ይሕተቱ፡ ብዘይ ውደራ፡ ቤተ ክርስቲያናውነት ምንባር ይድሊ ይብላ።

ክህልዉ ዘይብሎም ጌጋታት

ናይ መወዳእታ ውሳኔ ናይ ካልኦት ምኽርን ሓሳብ እውን ብምእንጋድ ንጳጳስ ዝምልከት እውን እንተዀነ ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ክኸውን ይሕተት። ካህን ብዛዕባ ካህን ጳጳስ ብዛዕባ ጳጳስ ጓለንስተይቲ ብዛዕባ ጓለንስተይቲ ስዒቡን ዝብል ዓይነት ምግምማዕ ተዋሳእነት ክህሉ የብሉን፡ እንተዘይከነ ሱታፌኣውነት እዩ ዝበትኽ። ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡን ሓላፍነቱን ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ተዋሳኢ እዩ። ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌኣውነት ምዃን ምምላስ የድሊ ኢለን።

ምስትውዓልን ምጽናዕን ዘለዉ መጋበርያታትን

እዚ ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኢ ይብላ፡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተገብረ ጻዕርን ዝተመሓላለፈ ውሳኔን ዘነኣእስ ወይ ውድቂ ዝገብርን ዘይኰነስ ናብ ምልኣት ንኸብል ዝድርኽ እዩ፡ ስለዚህ ኣይተገብረን ዘይኰነስ ክቕጽልን ምስ እዋናዊ ኵነት ክጓዓዝ ዝድግፍን እዩ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሕዝበ እግዚኣብሔራውነት ዜጋ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይን ዳሕረዋይን ዝበሃል ዜጋውነት የሎን፡ ኩሉ ከከም ከባብያዊ ሓቅነት ናብ ኵላውነት እዩ ጉዕዞኡ፡ ስለዚህ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓቅን ፍትሕን ፍወሳን ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻልን ከይዲ ክጸንዕ ኣለዎ።

ቀጻሊ ዕለታዊ ቀጥዕታትን ምጽራይን

ቀጻሊ ምጽራያትን ምርመራታትን ክትትልን ኣብ ሰበኻታት ይኹን ኣብ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን፡ ስለዚ ቀጻሊ መዛኒ ኣኽያድ ክህሉ ይግባእ፡ ንናይ ሓባር ጉዕዞ ኣብ ናይ ሓባር ምስክርነት፡ ናይ ሱታፌኣዊ ስነ መጐት ምክሳስን ምውግጋዝን ወይ ከኣ ገጌኻ ናይ ምኽዋል ግትርነት ዘይብል ንናይ ኩሉ ረብሓ ዝብል እዩ።

ገለ ገለ ማዕቅናት

ጊሶኒ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝኽወን ውጽኢታዊ ማዕቅናት ክህሉን፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ዘጻርይ ሰበኻዊ መንበር ክህሉን፡ ሰበኻን ኣብ ሰበኻ ዘገልግሉ ካህናትን ገዳማትን ማሕበራት ወንጌላዊ ልኡካን ኣባላት ዝሓቁፍ ቤት ምኽርን፡ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ነቲ ብሰበኻዊ ደረጃ ዝቖመ ድርገት ፍጻሜታቱን በቢ እዋኑ ዘጻርይ ኣካል ክህሉን ምእንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓን ዝዓዪ፡ ግልጽነትን ምትእምማንን ዘኸውን፡ መራኸቢ ብዙሓን ንግዚያዊ ተፈላጥነት ዘይኰነ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ዝቖመ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝብል ኣገባብ ዕዮ ክህልዎን ኣብ ናይ ፍጥረት ሰብ ጥቕሚ ዘተኰረ ክኸውን ንምግልጋል ሓቂ ዝቖማ ክዀና ኣተሓሳሲበን፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 31 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዘርእስቱ መልእኽቶም፡ ምትሕብባርን ምርኻብን ምስ ዝቖሰለ ክርስቶስ ነቲ ኣቢሰ ምባል ብተግባር ዝትክእ ከም ሕዝበ እግዚኣብሔር ናይ ኣሕዋት ስቓይን ቍስልን ናትና እናገበርና ህልውን መጻእን ታሪኽ ምፍጻም የድሊ ዝብለዎ ሓሳብ ጠቒሰን ዘቕረብኦ መደረ ከምዝዛዘማ ሰፒያ ሓቢረን።

ጊሶኒ፥ ግበረ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሱታፌኣውነት ምብዳህ
23 February 2019, 17:19