ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ኢየሱሳውን መደብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ስሙር ምስ ቤተ ክርስቲያን

ኣብዚ ብዙሕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምልውዋጥ ዝረአየሉን ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣስተንትኖ ዝሰፍሓሉ ብኣገባብ ልልያ ነቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ናይ ዕርቂ ተልእዀ ኣብ ዓለም ንምግልጋል ዝድግፍ

ልልያን መንፈሳዊ ልምድታት - ሱባኤታትን ንምቕቓሕ፡ ብሓባር ምስ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ምጉዓዝ መንእሰያት ምስናይን፡ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻንን ዝብሉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ዓበይቲ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህላውን መፈሳውን ከይድታት ዘማእከለ ካብ 2019 ክሳብ 2029 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኵላዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፋ ዝብሎም ዝዝርዝር መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ብወግዒ መግለጺ ከምዝሃብሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመደዮ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኵላዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፋ ዝብሎም ነጥብታት ማሕበር ኢየሱሳውያን ብዝርዝር ዘንበሮም ቤተ ክርስቲያን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ እተቕርቦ ስልጣናዊ ትምህርትን ኣብ ዝመርሕዎ ሲኖዶሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካይዱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ብፍላይ ከኣ ወጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣቢሎም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶሳ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ቅስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን፡ እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብቐዳምነት ሓላፈ ቢሉ ዘንብሮ ግላዊ ርክብ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳዊ ምስ ጐይታን ኣብ ግላውን ማሕበራዊ ሕይወትን ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሁን፡ ጸሎትን ልልያን፡ እዚ ኸኣ ይብሉ ኣባ ሶሳ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ስነ ምርምርን ናይ ቤተ ምኰራን ውጽኢት ዘይኰነስ ናይ ንቑሕ ልልያ ውጽኢት እዩ ኢሎም።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፋ ደረት እዩ

እዚ ሓለፋ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ናይ ክልተ ዓመት መጽናዕቲ ልልያን ኣስተንትኖን ውጽኢት እዩ። ንእዋናዊ ዓለም ዘተኵር፡ ንኢየሱሳውያን ኣስተንፍሶ ዝዀኖም፥ ልልያ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደብ ሕንጻጸን፡ ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሓዋርያዊ ደረትን መወከሰስን መስራቕን ምዃኑ ኣባ ሶሳ ገሊጾም፡ ኣብዚ ብዙሕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምልውዋጥ ዝረአየሉን ቲዮሎጊያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣስተንትኖ ዝሰፍሓሉ ብኣገባብ ልልያ ነቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ናይ ዕርቂ ተልእዀ ኣብ ዓለም ንምግልጋል ዝድግፍ እዩ። ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘረጋገጽዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ሓለፋ ዝብል ምዃኑ የብርሁ።

ልልያን መንፈሳዊ ተምክሮታት-ሱባኤታት ምንቕቓሕ

ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ልልያን መንፈሳዊ ተመክሮታት ኣብ እዋናዊ ዓለም ብእዋናውያን መጋበርያ ኣቢሉ ንኽነብሮ ዝተጸውዔ እዩ።

ምስ ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ምጉዓዝን ኣብ ጐድኖም ምዃን

ምስቶም ዓለም ከምውዳቕ ዝሓስቦምን ዝንጽሎምን ቀረባኦም ምዃን ምስኦም ሓቢርካ ምጉዓዝ፡ ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ምባል። ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ቅርጽታት ንምልዋጥ ዝተፈላለዩ ተገብግሶታት ምንቕቓሕ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምንም ዓይነት ዓመጽ ንኸይፍጸም ምትጋህን ሕንጸትን ለውጥን ንምቕቓሕን።

መንእሰይ ምስናይ

ንመእሰይ ኣብ ጉዕዞኡ ምስናይ፡ ማለት ዓለም ብማዕቅፍ መንእስይ ምምልካት ማለት እዩ፡ መንእሰይ ናይ ዓለም ህልው ኵነት መምዘኒ እዩ ስለዚህ ካብኡ ህልው ኵነት ምስትውዓል የድሊ ኢሎም።

እቲ ራብዓይ ሓለፋ፡ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝብል እዩ

እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዕንወት ፍጥረትን ተፈጥሮን ንምድራቱን ንምውጋዱን ይሴባህ ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብቲዮሎግያውን ማሕበራውን መንፈሳውን ስነ ምርምራውን ንባባት መሰረት ምትጋህን ሕዝቢ ኣብ ዓቃቢ ፍጥረትን ተፈጥሮን ጸዋዕታኡ ክተግህ ንምድጋፍ ዝብል ምዃኑ የመላኽቱ። 

ናይ ኢየሱሳውን መደብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ስሙር ምስ ቤተ ክርስቲያን

Photogallery

ናይ ኢየሱሳውን መደብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎ ስሙር ምስ ቤተ ክርስቲያን
19 February 2019, 16:23