ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናፖሊ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናፖሊ 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናፖሊ

ብመሰረት ናይ ሓቂ ሓሴት ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘንብብ ኣብ ናፖሊ ናይ መዲትራኒያን ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ ተቛም ዘዳለዎ ዓውደ ጉብኤ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ናፖሊ፥ ቲዮሎጊያ ድሕሪ ናይ እውነት ሃሴት ኣብ ኵነት መዲትራኒያን ከባቢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብን ተቕዋማትን ዝምልከት ዕለት 29 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ቅዋም ኣማእኪሉ ብዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ምኽንያት ኣብ ናፖሊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝምህርዎን ዘተሓሳስብዎን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምቕዳም ዝብል ምስ ኩነትን ኣዋናዊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቤተ ክርስቲያናውን ከባቢ መዲትራኒያን ብመሰረት ናይ ሓቂ ሓሴት ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘንብብ ኣብ ናፖሊ ናይ መዲትራኒያን ከባቢ ናይ ቲዮሎጊያ ተቛም ዘዳለዎ ምዃኑ ናይ ሰበኻ ናፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክረሸንዞ ሰፐ ምስ ቫቲካን ንውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ እውን ምዃኑ ገሊጾም።  

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
11 February 2019, 17:33