ድለ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ህዝብታት ደቀባት፥ ዓለም ንምድሓን ውልቃውነት ምስናፍ

ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ምንቕቓሕን

ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ እዋንና መዓትን፡ ዕጥቃዊ ግጭትን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝፍጸም ዕንወትን ዝብዳህ ብሕውነት መንፈስን ካብ ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ረብሓታት ምልቃቕን ዓቃል ዘተን ነቲ ሓገዝ ዘድልዮ ቀረባ ብምዃን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓም. ሮማ ናብ ዝርከብ ናይቲ ናይ 181 ሃገራት ልኡካን ዘእንግድ ኢፋድ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ International Fund for Agricultural Development ዓለም ሓቆፍ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለ ማሕበር ኣብ ሃገራት ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝዓዪን ዝኽሰት ናይ ከባብን ማሕበራውን ጸገማት ብምብዳህን ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእለን ብቕዓት ክህልወን ዝድግፍ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውድብ ሕንጻ ንዘካየዶ መበል 42 ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ኣበጊሶም ምስ ኣብቅዑ ምስ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ደቀባት ሕዝብታት ዓለም ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰብኣዊ ስስዔን ህርፋንን ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ውጥረትን ግጭትን ዝኽሰት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዘስዕቦ ሰብኣውን ምህዳራውን ስቓይን እነርእዮ ዘይተገዳስነት መልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚህ ጉድለት ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ነቲ ዝርአይ ቅልውላው ንምውጋድ ዘድልዩ ማዕቀናት ክይኽበሩን ይድርኽ ነቶም ዝረአዩ ጸገማ የብእስ፡ ስለዚህ ብጽኑዕ ናይ ሕውነት መንፈስ መዓጹ ንናይ ትውልዲ ጽባሕ ርህው ንምግባር ዝዓዪ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሎማውነት ዘይዕጸው ዓይነት ኣነባብራ ምስዓብ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥

ሕጹድ ኣገዳስነት ዘለዎ ምሕዳራዊ ሕቶ

ቅዱነቶም ምስቶ ካብ 38 ሃገራት ዝተዋጽኡ ን 31 ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ደቀባት ዝውክሉ ልኡካን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕስራ ደቓይቕ ርክብ፡ ነቶም ካብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን እስያን ከባቢ ፓሲፊክ ዝመጹ ኵሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ደቀባት ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን፡ ዓለም ሓቆፍ ተቕዋማትን ተቐማጦ ገጠራትን ኣብቲ ኣዚዩ ዝደኸየ ከባቢ ዓለምን ምስ ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ዘነቃቐሖ መደብ ምዃኑ ክዝከረ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓውደ ጉባኤ ሕዝብታት ደቀባት ዓለም፥ ደቀባት ምቅይያራትን ምዝባዕን ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ንምግጣም እዋናዊ ፍልጠትን ዝተበጽሔ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ምጥቃምን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ምዕባለ ምንቕቓሕን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ምዃኑ የመልክታ።

ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፥

ናታትኩም ኣብዚ ምርኻብ እቲ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝወርድ ዘሎ ዓመጽን ማህሰይትን ኣገዳስን ዓቢይን እዋናዊ ሕቶ ምዃኑ ዝሕብርን፡ ብጀካ ዕንወትን ጥፍኣትን ካልእ ውጽኢት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣገባብ ናብራን ዓመጽን ውግእን ካብኡ ሓሊፉ እውን ባህርያዊ ዝዀነ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብዘስዕቦ ጸገም ዝደምይ ዘሎ ምህዳር ቆላሕታ ክግበረሉ ዝጠልብ እዩ፡ ማህሰይቲ ምህዳርን ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ዘይከኣል ከምዝዀነን፡ ዘይምግዳስን ኣልቦ ምትሕብባር ምንባርን ነቲ ዝርእየ ዘሎ ጸገም ኵሉ ስሉጡ መልሲ ንምሃብ ክፍጸም ዘለዎ ተግባር ክመሓላለፍ ምግባር ዘይግባእ ምዃኑ የተሓሳስብ፡ ስለዚህ ብሕውነታዊ መንፈስን ሕውነታውነት ብምጽናዕ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ እናሓሰብና ሎማዊ ተግባራትና ንጽባሕ ርህው ክንገብር ትሑዛት ኢና

ከምዝበሉን ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ቅዱስነቶም ነተን ብስም ኵሎም ልኡካን ማሕበረሰብ ዓለም ደቀባት ወኪለን ብቋንቋ ሚስኪቶ ሰላምታ ንዘቕረባሎ ተወላዲት ኒካራጉዋ ኣመስጊኖም፡ እግዚኣብሔር ምድሪ ንረብሓ ፍጥረት ሰብ ኵሉ ፈጠሮ፡ ስለዝህ ማንም ዘይንጽል! ንዅሉን ናይ ኵሉን ዝዀነ ጸጋ ምዃኑ ከብርሁ እንከለዉ፥

ንሓድ ሕድና ተደለያየይቲ ምዃንናን ንኸነስተውዕልን ግዚኡ ግዲ ይብለና፡ ስለዚህ ነቲ ህዱእን ዘይተሓላለኸን ናይ ሓባር ናብራ ኣብ ገለ ገለ እዋን ኣዕናዊ ኰይኑ ንኽትርጐም ዝድርኽ ብዙሕ ዓይነት ኣሉታዊ ኣገባብ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣሎ፡ ደቀባት ናይዚ ዓመጽን መጉዳእትን’ዚ ኣደዳ ኰይኖም ክቕጽሉ የብሎምን፡ ናይ ብሉጽ ዓለም መሰል ዘለዎም እያቶም፡ ቅኑዕን ስሙርን መልሱ ካባና እዩ፡

ክንየው ኤኮኖሚያዊ ረብሓታት

መሬት ብዘይ ክንክን ምጥቃም ዘይኰነስ፡ ክምስገንን ክዕቀብን ክንክን ክግበረሉን ከምዝግባእ ቅዱስ ኣቦና ከተሓሳስቡ እንከለዉ፡ ደቀባት፥ ተፈጥሮ ክንየው ኤኮኖሚያውን ቁጠባውን ረብሓ  ንግብኡ መሰሉን ክብሩን ናይ ተፈጥሮ ድምጺ ኰይኖም ከምዝርከቡ ቅዱስ ኣቦና ኣመላኺቶም፡

ተመክሮ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማዕከን ንሕርሻዊ ምዕባለን እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዘለዎ መጋበርያታት ክሉ፡ ብሉጽ ዓለም ዘይውሕስን ኵለንተናዊ ምዕባለ ሕይወት ዘየቕርብ ዕደ ጥበባውን ኤክኖሚያዊ ምዕባለ፥ እውነተይና ምዕባለ ክበሃል ከምዘይከኣል የነጽሮ፡

ዘተ ኣብ መንጐ ስልጣነታት-ጥበባት

ኣብ ምድሪ መሰረት ዘይብሉ ምዕባለ ጌጋ ዓይነት ምዕባለ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ብልማድ ካብ ደቀባት ባህልን ንላዕሊገዛእ ርእሱ ስልጡን ቢሉ ዝሓስብ ሕዝቢ ክህሉ ኣይግባእን። ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ዓይነት ስልጣነ ዘተ ክህሉን ናይዚ ዘተ ውጽኢት ንብሱል ከይዲ መሰረት እዩ ከምዝበሉ የመልክታ።

ቅዱስ ኣቦና ምስ ህዝብታት ደቀባት

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ምስ ህዝብታት ደቀባት
15 February 2019, 17:18