ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስለ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንእግዚኣብሔር ነመስግን

እግዚኣብሔር ወትሩ ምስ ሕይወት ስሙር ዝዀነ ምስክርነት ንኸነቕርብን ኣብ ድልያ ሓድነት ብሓባር ንኽንጓዓዝን ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ንበይንና ንኸንኸውን ይጽውዓና

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ካቲሊካዊትን ናይ ምስራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ድርገት ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ካቶሊካዊትን ናይ ምስራቕ ኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ዘተ ድርገት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እዚ ርክብ’ዚ በቢ ክልተ ዓመት ዝሕደስ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ናይ ሓባር ድርገት ቅዱሳት ምስጢራትን ብፍላይ ኣብዚ መበል 16 ዓውደ ዘተ ኣብ ምስጢረ ተክሊል ኣተኵይሩ ዝመክር ምዃኑ ክፍምልከት እንከሎ፡

ድሮ ፍርያም ዝዀነ ናይ ሓባር ጉዕዞ

ቅዱስነቶም እቲ ናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ናይ ሓባር ናብ ሓድነት ኣብ ዝኣመተ ኣመልካቲ መገዲ ዘካይዶ ጉዕዞ ዘዐደሎ ውጽኢት ርእዩ ምዃኑ ጠቒሶም ብምስጋን፡

እቲ እተካይድዎ ዘተ ኣብ መንጐ ምዕራብን ምስራቕን ዘሎ እቲ ዝተፈላለየ ናይ ቲዮሎጊያ ቀመራት ካብ ተነጻጸጊ ተማላላኢ ምዃኑ ዘመላኽት ሰናይ ተግባር እዩ፡ ተማላላእነቱ እቲ ኣብ ቀረባ ኣዋን መበል ዝኽሪ 70 ዓመቱ ዘብዓልናዮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዝሕብሮ እዩ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራት ኣሞርኵይዝኩም እተካይድዎ ዘለኹም ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ናብ ምሉእ ሱታፌ ኣብ ምስራዕ ምስጢረ ቁርባን ዘብጽሓና ክኸውን ዘሎኒ ተስፋ ኣናገለጽኩ እጽልን አመስስግነኵምን፡

እምላኽ ብኣርኣያኡ ሰብ ፈጠረ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሮ ፈጠሮ

ምስጢረ ተክሊል ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ቅዱስ ኣቦና ኦሪት ዘፍጥረት ጠቒሶም፡ ሰብ ብምልኣት ናይ እግዚኣብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ከይኑ ብእግዚኣብሔር ክምእተፈጥረን በይኑ እንከሎ ዘይኰነስ ኣብ ሱታፌ ፍቕሪ እንከሎ እዩ፡ ስለምንታ እግዚኣብሔር ሱታፌ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ እዚ እውን ንስድራ ቤት ደቂ እግዚኣብሔር ዝምልከት እዩ፥

ማእከላይ ምብርቕ ወትሩ ኣብ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና

ቅዱስነቶም ንማእከላይ ምብራቕ እናሓሰቡ፡ እቲ ከባቢ እተን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጻሉ፡ ብውግእን ዓመጽን ስደትን ዕለት ብዕለት ዝፍተና ምነን ጠቒሶም፡

ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ምእመናን ቅርበተይ እናገለጽኩ፡ ወትሩ ጸሎተይን ሓሳበይን ኣብኡን ስሌኡን እዩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ለይቲ እግዚኣብሔር ጸሓይ ንጐሆ ክርእዩ ይግበሮም፡ ናይ ሰላም እምበር ናይ ግጭት መሬት ከይኸው መታን፡ ውግእ ውላድ ስልጣንን ሓሳርን እዩ፡ እዚ ሃልኪ ንሰላምን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንፍትሕን ቦታ ክሓድግን እቶም ናይቲ ከባቢ ክርስቲያን ኣሕዋትና ዜጋታት ናይቲ ከባቢ ምዃኖም ተፈላጥነት ዘለዎም እውን እንተዀነት ተፈላጥነቶም ምሉእ ስያሜ ክኸውን ኣለዎ፡

ቅዱሳትን ሰማእታት ኣቢያተ ክርስቲያንና ኣብ ጉዕዞና የሰንዩና

እግዚኣብሔር ወትሩ ምስ ሕይወት ስሙር ዝዀነ ምስክርነት ንኸነቕርብን ኣብ ድልያ ሓድነት ብሓባር ንኽንጓዓዝን ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ንበይንና ንኸንኸውን ይጽውዓና፥

ናይዚ ሱታፌ’ዚ ዘርኢ፡ ናይቲ ፍረ ዝህብ ዘሎ ናይ ሓባር ጻዕርታትኵም እዩ፡ ብናይ ሓድነት መሰኻኽር ሰማዕታት ደም ወትሩ ዝምስነው እዩ፡ በቶም ናይ እዋንና ማእለያ ዘይብሎም ናይ ዝተፈላለያ ንሓድነት ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ኣባላት ብስም ኢየሱስ ናይ ሓባር ክብሩ ዝቋደሱ ናይ ደም ሰማዕታት ዝምስነው እዩ፡

እዚ ናይ ሓባር ድርገት ካብ 2003 ቆይሙ ንሓድነት ዝኣመተ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ የቕጽል

ናይ ካቶሊካዊትን ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቲዮሎጊያዊ ናይ ሓባር ዘተ ድርገት ብሰናይ ተበግሶ ጳጳሳዊ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽርን ናይ ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ማለት ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ብኵላውነቶም ናይ ኣርመናዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ጉስነት ዝምርሓ ናይ ኤትችሚኣድዚን ናይ ቂሊቂያስን ኣርመናዊት ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያንን ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘማላንቃርን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ብምትሕብባር  ኣብ ወርሒ ጥሪ 2003 ዓ.ም. ዝቖመ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.፥ ስለ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንእግዚኣብሔር ነመስግን

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ስለ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንእግዚኣብሔር ነመስግን
01 February 2019, 17:08