ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ ንጭቡጥ ኵነት ህይወት ጽን ካብ ምባል ከይቦክር

ናይቶም ብዝተፈላለየ ናይ ሓጢኣት ስልጣንን ሓይልን ወትሩ ዝኹንኖን ናብ ድኽነትን ተነጽሎነትን ዝድረኽ ናይ እዋንና ሰብ ስቓይን ተስፋትትን ጽን ምባል የድሊ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 9 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ኣብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንልዕሊ 400 ዝግመቱ ብጠቕላላ ናይቲ ምስ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ምትእስሳር ዘለዎ ብረደምቶሪስት ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ካብ ዝምስረት መበል 70 ዓመት ዘኽብር ናይ ዘሎ ኣልፎንሲያሚ, ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ተቕማ ተመሃሮም መምሃራንን ተቐቢሎም ቃለ ሞዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ስነ ምርምርን መጽናዕትን ነታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ እትብል ቤተ ክርስቲያን ዘሰንይ ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኣብ ዝልገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ቃለ ትምህርቲ ብናይ ምሕረት ኣመክንዮ ወይ ስነ መጐት ክቕረጽ ገዛእ ርእሱ ዝፈቅድ ክኸው ኣለዎ፡ ረደምቶሪስ ብቅዱስ ኣልፎንሶ ማሪያ ደ ሊጉዎሪ ዝተመስረቱ ገዳማውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ማሕበር ኣብ 1949 ዓ.ም. ብሽም ናይቲ ማሕበር መስራቲ ዝጽዋዕ ተቕዋም ንናይ እግዚኣብሔር ተስፋ መልሲ ንምቕራብ ኣሚቱ ዝቖመ እዩ ኢሎም።

ኵለን ተቕዋማትን መናብርተ ጥበብ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ቃል ብስራት ማእከል ዝዀነ ንናይ ኢየሱስ ወንጌል ተማሪኸን ብስነ መንፈሳውነትን ብስነ ምርምርን ቀልብን ብህልውናን ብምስትንታን ዘቕርባ ምዃነን ጠቒሶም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ናይ ሓቂ ሓሴት እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘኪሮም፡

ብብልሑት ጥበብን ኣገባብን ምርኻብ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ሓሴት ተመክሮ ንምግባር ብስራተ ወንጌል ምስ ሕይወት ዝተሳዄዔ ሕይወት ባዕሉ ዝጠልቦ ሕቶ ምዃኑ ብምስትውዓል ይኹን፡ እዚ ኸኣ ወንጌል ንኸተዕምቖን ትርጉሙ ንኽትርዳእን ትግባሬኡን ዝድግፍ እዩ፡

መርበብታዊ ርክብ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት መርበብታዊ ርክብ ክህልወንን ሕይወት ክርስትና ክቱር ሚሳላውነት ካብ ምልብስ ምጥንቓቕ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ተቕዋም ኣብ ኣናሱሩ እሙን ኰይኑ በታ ናብ እትብል ልእኽቲ ወንጌል ብዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ኣተኩሮ ዝተነቓቕሔ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ንምቕራብ ኣዚዩ ዝተበርተዔ ኣገልግሎት ክህልዎ የተሓሳስቡ፡ ናይ ፍቕሪ ሃሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቒሶም፡

ከም ቅዱስ ኣልፎንሶ ካብቲ ካብ ናይ ሕይወትን ናይ ስድራ ቤትን ሰባትን ጭቡጥ ሕይወት ዝረሓቐ ኣብ ስነ ትምህርታዊ መትከላትን ቀመራዊ ፍርድታትን ካብ ምትራፍ ክሕለው ይግብኦ፡ ሕይወት ክርስትና ካብ ክቱር ምሳላውነት ምግባር ንጠንቀቕ እንተዘይተጠንቀቕና ልዕሊ ጸጋ ኣመኔታ ናይ ምግባር ብቕዓት ዘየበራብር እዩ ዝኽውን

ምስ በሉ፥

ናይ እዋናዊ ሰብ ስቓይን ተስፋታቱን ጽን ምባል

ናይቶም ብዝተፈላለየ ናይ ሓጢኣት ስልጣንን ሓይልን ወትሩ ዝኹንኖን ናብ ድኽነትን ተነጽሎነትን ዝድረኽ ናይ እዋንና ሰብ ስቓይን ተስፋትትን ጽን ምባል የድሊ፡ ቅዱስ ኣልፎንሶ ከምዘስተውዓሎ፡ ካብ ሓጥኣንን ድኻን ዝተነጸለን ገዛእ ርእስካ ምርሓቕ ዘይኰነስ ናብኡ ብምባል ንቑሳሉ ብምትንክፋ ምፍዋስ እዩ ዘድሊ፡ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ፡ ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይን መካራን ሓሳርን ስቡእ ብምዃኑ ኩሉ ሓጢኣተይናን ተኣፋፍን እውን ይዅን ብጥልቂ ልቢ ኣብ ጥልቂ ልበ እግዚኣብሔር ኣብ ሞት ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈቕረ ምዃኑ ከስተማቕር ምምስካር የድሊ።

ናይ ምሕረት ስነ መጐት ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ኣንፈት እዩ

ምሕረት ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ መፍትሕ ክኸውን ኣለዎ ኢየሱስ ንሰዓብቱ፡ ክዅንን ዘይኰነስ ክምሕርን ንምድሓንን ከምዝመጸ እዩ ዝነግሮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ኵሉ ሳዕ ክንክን ዘድልዮ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናይ ወንጌል ልዑላን ዕሴታት ቅድሚ ዅሉ ናይ ፍቕሪ ሓልዮትን ዘመላኽት እዩ ክኸውን ዘለዎ ቢሎም ቅዱስ ጳውሎስ ጠቒሶም፡ እቲ ኢየሱስ ዘምጸኦ መንፈስ ካብ ናይ ሓጢኣት ሕግን ካብ ሞትን ናጻ ዘውጽእን ካብ ፍርሒ ናጻ ዝወጹ ደቂ እግዚኣብሔር ዝገብር እዩ ኢሎም።

ኣብ ቅድሚ እዋናዊ ብድሆታት ውልቃዊ ስነ ግምባር ምስናፍ

ናይ ንስሓን ናይ ዕርቅን ምስጢር ክሰርን ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይ ንስሓ ክሰርዕ ብዙሕ ግዜ ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ምህዳርን ኣቢሰ ተፈጥሮን መሬትን ጐዲኤ ቢሎም ዝናዘዙ የጋጥሙኒ፡ ብሓቂ ብዛዕባ እዚ ዓይነት ሓጢኣት ቀልቢ ዝገበርና ኣይንምስልን፡ ምእንቲ እዚ ነቶም ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ሓድሽ ናይ ምርምር ዕዮ ምዃኑ ሓቢሮም።

ሕድሽ ናይ ስነ ምርምር ስነ ሕይወት ሕክምና ዶባት

ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ናይ ምርምር ባይታ ብዙሕ እዩ፡ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ዝምዕብለሉ፡ እዚ ኸኣ ሕድሽ ናይ ስነ ምርምር ስነ ሕይወት ሕክምና ዝምልከት እዩ፡

ናይ ዝዀነ ይኹን ሕይወት ብዝርከበሉ ደረጃታቱ ዘይውሰን ልዕሉ ምስክርነት ምቕራብ የድሊ፡ ብፍላይ ናይ ድኻታትን ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ናይ ዘይብሎም ኵነት ብምትሕብባርን ብምድጋፍን ናትና ክንገብር ዝተጸዋዕና ኢና፡

ኣእዳውና ብስራሕ ክሕርፍፍ ከፍረሓና የብሉን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኵሎም ናይ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትንተመሃሮን በቲ ጭቡጥ ዕለታዊ ናይ ሰብኣዊ ፍጡር ሕይወት ብግልጽን እቲ መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝዀነ ክርስቶስ ብጩቡ ንምምስካር ኣብቲ ህሉው ኩነት ብምእታው ኣዳውኩም ንኽረስሕ ኣይትፍርሑ ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ ንጭቡጥ ኵነት ህይወት ጽን ካብ ምባል ከይቦክር
09 February 2019, 17:35