ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካነ ወንጌል ዘኣፍሪቃ፥ ምእንቲ ወንጌል ዘላናይ ኵኑ

ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ምስራዕ ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ምግልጋል ነሕዋትን ጽን ብምባልን ክሳብ እቲ ነፍሲ ወከፍ ተግባራትኩ ናይቲ መሓሪ ፍቕርን ናይቲ ሓልዮቱ መግለጺ ክሳብ ዝኸውን ምስ ጐይታ ዘለኵም ምትእስሳር ዕለት ብዕለት ይበርትዑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካነ ወንጌል ዘኣፍሪቃ ማሕበር ካህናትን ደናግልን ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምስረታ ማሕበሮም ምኽንያት ዕለት 8 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ሰዓት 11.30 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉብኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ማርቲኣል ኣለማንድ ላቪዠሪ ዝተመስረተ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል እመብየተ ማርያም ዘኣፍሪቃ ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምስረታ ኣብ ሮማ ንዝተኣከቡ ናይቲ ማህበር ካህናትን ደናግልን ኣባላት ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ መሰረታዊ ናይ ማሕበርኵም ተልእዀ ካብ ከባቢኻ ወጻኢ ምኻድ ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ መንነትኵም መለለዪ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ተልእኾ’ዚ ንከይትርስዕዎ መታን ኵሉ ሳዕ ጠመተኹም ኣብ ክርስቶስ ቅውሙ ይዅን ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና እዚ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ኣብነት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማርቲያል ኣለማንደ ላቪዥሪ ናይ ኣልጀርስ ሊቀ ጳጳስ ዝስዕብ ተልእኾ ብለጋስነትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ኣድኒቖም፥

… ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያ መስድዒ ሃይማንት ከምዘይኰነ ተስተውዕልዎ ሓቂ እዩ፡ ስለዚህ ኣስፍሆተ ወንጌልን ልኡካነ ወንጌላውነትን ንኻልእ ቀረባ ምዃንን እቲ ሕይወትኩም ዝቐየረን ሕይወትኩም ዘወፈኽምሉ ሕይወትን ንመላእ ዓለም ድሕነትን ዝዀነ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ንኸተካፍሉ ምስ ዝደረኸኵም ፍቕሪ ዝትረኸብክምሉ ጸጋ ንምክፋል እዩ

ናይ ወንጌል ዘላኖት ኢኻትኵም

እቲ ስድራ ቤት ላቪዠሪ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ኢዮበላዊ ምስረታኡ ንምብዓል ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘበገሶ ፍጻሜታት ነቲ ናይቲ ልኡካን ናይ ምዃን ሕመረት ዳግም ብዝተሓደሰ መንፈስ ንምልላይን ኣብቲ ዝቖሰለን ተስፋ ዝቖረጸን ብዙሕ ጸገም ዘሕልፍ ሰብኣዊ ልቢ ተስፋ ንምዝራእ ዝብል እዩ፡

እዚ ፍጻሜ ኢዮቤላዊ ከይዲ’ዚ ናይ ወንጌል ዘላኖት ንምዃን ዘበራትዓኵም ይኹን፡ … ኣሕዋት ናብቲ ዓይኒ ማይ ዝዀነ ናይ ፍቕርን ናይ ሕይወትን ማይ ዝዀነ፡ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጽምኢ ናብ ዝበትኽ እተምርሑን እተሰንዩን ኢኻትኩም

ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ምስራዕ ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ምግልጋል ነሕዋትን ጽን ብምባልን ክሳብ እቲ ነፍሲ ወከፍ ተግባራትኩ ናይቲ መሓሪ ፍቕርን ናይቲ ሓልዮቱ መግለጺ ክሳብ ዝኸውን ምስ ጐይታ ዘለኵም ምትእስሳር ዕለት ብዕለት ንኸበርትዕዎን ቅዱስ ኣቦና ምዒዶም ኣተሓሒዞም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጸገም ንዅሉ እቲ ዘይደናግር ተስፋ ዝምስክሩ ክዀኑ የተሓሳስቡ።

ሓነጽቲ ድልድልን ናይ ምርኻብ ባህል መሰኻኽርን

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ሓድሽ ጊልያነት ኵሉ እቶም ናይ ካርዲናል ላቪዠሪ መንፈሳውነት ወረስቲ ኵሎም ንድኻታትን ንትሑታትን ንዝተናዕቁ ነቶም ኣብ ወሰናስን ከተማታትናን ህልውናን ንዝርከብ ቀረባ ብምዃን ክብሮም ክሕሎን ክንክን ክረኽቡን ካብቲ ዝርከብሉ ከርፋሕ ሕይወት ክትንስኡ እትድግፉን እተሰንዩን ኩኑ ቢሎም፡

መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሓነጽቲ ድልድልን ኣብቲ ጐይታ ዝለኣኸኵም ናይ ምርኻብ ባህሊ እተነቓቕሑን ኣብ ምክብባር ናይ ዝቖመ ብዙህነትን ህብረኣውነትን ከም ሃብቲ ክስትውዓል ዘብቅዕ ዘተ እተገልግሉ ኵኑ፡ ስለ ዕዮዅም ብፍላይ እቲ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ዘተ እተካይድዎ ኣገልግሎት አመስግነኩም

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ካስተሊ ሓቢረን።

09 February 2019, 10:39