ድለ

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤት ጽሕፈት ኢፋድ፡ ድኻታት ዓለም ንኸይርስዑ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤት ጽሕፈት ኢፋድ፡ ድኻታት ዓለም ንኸይርስዑ 

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤት ጽሕፈት ኢፋድ፡ ድኻታት ዓለም ንኸይርስዑ

ድኽነት ኣብ ምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ተሳታፍነት ኩሉ ኣገዳሲ እዩ

ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ዋና ሕንጻ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መንግብን ሕርሻን ውድብን ኣብ ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበርን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓልዮ መግቢ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር          ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ኣረላኖ ዓቢይ ትጽቢት ይግበረሎም ከምዝበሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ዘካይዶ መበል 42 ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ ዘረባ ከበግሱ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር 181 ሃገራት ልኡካን ከምለወን ኣብ ዓለም ናይ ሃገራት ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝዓዪን ዝኽሰት ናይ ከባቢን ማሕበራውን ብድሆታት ንምግጣም ዘኽእለን ብቕዓት ክህልወን ዝድግፍ ምዃኑ ይንገር።

ሕዳሴን መንእሰያትን ዋኒንነትን

እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ኣብ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክሳብ ዕለት 15 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዘካይዶ መበል 42 ዓውደ ጉባኤ ናይ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ርእሰ ብሔርን ናይ ሩዋንዳ ናይ ሕርሻ ሚኒስትርን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ክሳተፉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራትን ድኻታት ሃገራትን ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖምን ንነኣሽቱ ናይ ሕርሻ ትካላትን እዚ ክፍሊ ኤኮኖሚ’ዚ ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን ንምድጋፍ ኣሚቱ ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ዝመክር እውን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ኣብ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበርን ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ መግቢ ማሕበርን ምብጻሕ ኣካይዶምን ዘረባ ከምዘስምዑን ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 14 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕርሻ ልምዓት ሓልዮ ማሕበር ብዘካይድዎ ምብጻሕ ኣቢሎም ኣብተን ሰለስተ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕርሻን ልምዓትን ጉዳይ ዝከታተላ ውድባት ኵለን ከጠቓልሉ እዮም።

ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናብ ቤት ጽሕፈት ኢፋድ
13 February 2019, 15:58