ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኵሎም ናይ ፍልልያት ምቑሓት ኣይኹኑ

ኩላትና ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጐዳና እምበር ኩሉ ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ዝብል ኣመለኻኽታ ንኸይህልው ሓደራ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ድቁናዊ ሓዋርያውነት ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዝህቦ ዘሎ ውጽኢት ከምዘድነቑ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ብሓባር ምጉዓዝ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ጥራሕ ምባል ጌጋ እዩ፡ ሓልዮት እግዚኣብሔር ክንራኸብ ኣብቂዑና በዚ ኣገባብ’ዚ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን እቲ ካብ ዝፈላልይ እቲ ሓደ ዝገበር ኣዚዩ ብርቱዕ ምዃኑ ከምኮርዎ ይኽእሉ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ዕለት 16 ለካቲት 2019 ዓ.ም. መበል 11 ዓመት ሕርየቶም ንዘብዓሉ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕነቶም ሄሮኒሞስ ዳግማዊ ልባዊ ሰላምታይ ኣብጽሑለይ ከምዝበሉ ካስተሊ ሓቢረን።

ናይ ፍልልያት ምቑሕ ዘይምዃን

ር.ሊ.ጳ. በርጐሊዮ እቲ ፍርያም ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊት ዲያቆንያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ንኢዶም፡ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ዘካይዶ ርክብ እውን ዘዕግብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ንልዕሊ 15 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ፍርያም ርክብ’ዚ በቲ ባህላውን ሕንጸታውን መዳይ ኣቢሉ ዘሳልጦ ዘሎ ከይዲ ኣብነታዊ እዩ፡ ኣሕዋት ምዃንና ዝሕብር መገዲ እዩ፡

መንእሰይ ወለዶ ናይ ፍልልያት ምቑሓት ንኸይንኸውን ፍልልያትና ሰጊርና ናብ ምሉእ ሱታፌ ንኸነብል ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል ዕላማ ንኽንኵልዕ ይሕግዙና፡ እዚ ናይ ሓባር ጉዕዞ’ዚ ከም ኣሕዋት ብሓባር ክንኸዶ እቲ ብሓባር ምጉዓዝ ናትና ሰናይ ፍቓድን ሓላፍነትን እዩ፡

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ኩላትና ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጐዳና እምበር ኩሉ ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ዝብል ኣመለኻኽታ ንኸይህልው ሓደራ ቢሎም፡ እቲ ካልእን ካባይ ዝተፈልየን ታሪኽ ኣብ ጐድነይ ዘንበሮ ዘይኰነስ፡ ሓልዮት እግዚኣብሔር ኣብ ጐድነይ ክኸውን ዝገበሮ ሓወይ እዩ፡ እዚ ኸኣ ብሓባር ናብቲ እንኰ ዝዀነ ኣቦ ናይ ሓድ ሕድና ጾር እናተሰኻኸምና ብሓሴት ናብኡ መታን ንኽንጓዓዝ እዩ ከምዝበሉ ካስተሊ የመልክታ።

ምእንቲ ስድራ ቤት ሓድነት

እንነብረሉ ዘሎና ህልው ኵነት  በቲ ንናይ ነፍሲ ወከፋዊ ውሳጣዊ ተናቅፍነት ብዝጸልው ፈጣን ለውጢ ዝተዓበለ እዩ፡ እዚ ነቲ ዋላ’ኳ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ መልክዓ ምድርን ባህልን ይሃሉ ንመላእ ክርስቲያን ስድራ ቤት ዓቢይ ብድሆ እዩ፡

ንኽንቀራረብን ስድራ ቤት ናይ ምስጢረ ተኽሊል ጸጋ ዳግም ክረክብን ዕለት ብዕለት ብትዕግስትን ቅንዕናን ብጸሎትን ጽባቔን ፍቕሪ ንኽዕቅብ ንኽንድግፎ ዝተጸዋዕና ኢና፡ ኣብቲ ብምልኣት ወንጌላዊ ፍካሪ ዘይኽወንን  ኣብቲ ሰላምን ሓሴት ኣብ ዘይምህላው ሃዋሁ ናብ ዝርከብ ስድራ ቤት እውን ብሓባር ተቐራሪብና ንኸነብል ዝተጸዋዕና ኢና

ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘተቓለሉ ካስተሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኵሎም ናይ ፍልልያት ምቑሓት ኣይኹኑ

 

26 February 2019, 17:18