ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ናብቲ ክፉት ናይ ሰብኣዊ ባሕሪ ንኸነብል ይሕግዘና

ቅዱስ ኣቦና ኵላትና ናይታ ንናይ እግዚኣብሒር ፍቓድ ስንድውቲ ዝዀነት ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስዓብ ናይ ድሕነት ቃሉ ናብ ኩሉ ንኸነብጽሕን ንኸነስፍሕን ንናይ ጐይታ ጸዋዕታ ስንድው ዝዀነ ምሉእ መልሲ ንምሃብ ቅሩባት ንኹን፡

ዕለት 10 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 5 ካብ ፍቅዲ 1-11 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብቲ ብዙሕ ዘደንቕ ባሕሪ ዓለም ብልግስና ንኢየሱስ ንምግልጋል ክንብገስ የተሓሳስበና ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ ስዕረት ተስፋ ከይንቖርጽን ናይ ምድንጋር ኣደዳ ንኸይንኸውን ናብቲ ክፉት ናይ ሰብኣዊ ባሕሪ ንኸነብልን ናይ ሓልዮትን ምሕረትን መሰኻኽር ንኽንከውን ወልደ እግዚኣብሔር የተባብዓናን ይድርኸናን፡ ሉቃስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌሉ ናይ ጴጥሮስ ጸዋዕታ የዘንትወልና፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ እምነት መልሲ ንኽህብ ዝተጸውዐ ምዃኑ የዘኻኽረና፡ እዚ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰዓብቱ ዝሓትቶ ስንድውና ብፍላይ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ንዘለዎም ዝሓትቶ እዩ።

ትብዓትን ኣመኔታን ንጸረ ዘይብቑዕነት

ብዙሕ ግዜ ብለጋስነትን ብትብዓትን ንናይ መለኵታዊ መምህር ጸዋዕታ ኣክንዲ ኣወታዊ መልሲ ምሃብ ናይ ዘይብቑዕነትና ውጽኢት ዝዀነ ምድሕሓርን ምጥርጣርን ነርእይ፡ ኣብኡ ኣመኔታ እንተድኣ ኣሎና ንሱ ካብ ሓጢኣትና ናጻ የውጽኣናን ኣብ ቅድሜና ናይ ተልእዀኡ ምትሕብባር ዝብል ሓድሽ ደረት ተመክሮ የንብረልና።

ምስኡ ዳግም ክንብገስን ናብቲ ብዙሕ ዘደንቕ ናብ ሓድሽ ባሕሪ ንኸነብል ኣብታ ናይ ሕይወትና መርከብ ንኸነእንግዶ ይሓትተና፡ ናብቲ  ናይ እዋንና ክፉት ናይ ሰብኣዊ ባሕሪ ብዙሕ እዋን ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኣብ ተደጋጋምነት ጸፊሑ ንምትራፍ ሓደጋ ንዝተቓልዔ ህላዌና ሓድሽ ትርጉም  ዝህቦ ለውሃትን ምሕረትን ንምምስካር ንኽንወጽእ ይዕድመና።

ስንድውን ምሉእን መልሲ

ቅዱስ ኣቦና ኵላትና ናይታ ንናይ እግዚኣብሒር ፍቓድ ስንድውቲ ዝዀነት ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስዓብ ናይ ድሕነት ቃሉ ናብ ኩሉ ንኸነብጽሕን ንኸነስፍሕን ንናይ ጐይታ ጸዋዕታ ስንድው ዝዀነ ምሉእ መልሲ ንምሃብ ቅሩባት ንኹን፡ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስን ንኻልኦትን ገፈፍቲ ዓሳ ዝፈጸሞ ተኣምር ብዙሕ ዓሳ ምግፋፍን መረቦም ብብዝሒ ዓሳ ምምላእ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ስዕረት እንከጋጥመካ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ኣብ እምነትን ብእምነትን ንቕድሚ ምባል ዝብል እዩ፡ ናይ ቃሉን መንግስቲ ኣምላኽን መሰኻኽርን ኣብሰርትን ንምዃን ገዛእ ርእሶም ክኸፍቱ ገበረ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ተኣምር ቢሎም ምስ ኵሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከምዘዕረጉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ባርባራ ካስተሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሱስ ናብቲ ክፉት ናይ ሰብኣዊ ባሕሪ ንኸነብል ይሕግዘና

Photogallery

ኢየሱስ ናብቲ ክፉት ናይ ሰብኣዊ ባሕሪ ንኸነብል ይሕግዘና
11 February 2019, 10:57