ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሕይወት ንናይ እደ ጥበብ ስነ መጐት ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ

እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት በቲ ሓደ ሸነኽ ስነ ምርምር ከይድታትን ውጽኢታቱን ዝውንን ልዑል ምምሕያሽ ሕይወት ናብ ምዕታር ዘብል ክኸውን እንከሎ በቲ ካልእ መዳይ ዓመጽን ኣልቦ ማዕቅን ዝዀነ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤትን መጻእን ዘዕንው

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.15 ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣብ ዘሰናደዎ ዕለት 25 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝኽፈት ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ሰብ (ሮቦቲክስ) ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመክር ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዝሳተፉ 300 ተጋባእያን ኣብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም፥ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንናይ ኵላዊ ስነ ምግባር መርገጺ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ልእኽቲ ጋዜጠይና ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕደ ጥበብ ነገልግሎትን ንናይ ሰብኣዊ ናይ ሓባር ጥቕምን ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ክንክንን ሓለዋን ዘነቓቕሕን፡ ነዚ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሰብን ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበብን ጥዕናን፡ ሓደ እቲ እዋናዊ ዓለም ዝነብሮ ስግጢራዊ ኵነት እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት በቲ ሓደ ሸነኽ ስነ ምርምር ከይድታትን ውጽኢታቱን ዝውንን ልዑል ምምሕያሽ ሕይወት ናብ ምዕታር ዘብል ክኸውን እንከሎ በቲ ካልእ መዳይ ዓመጽን ኣልቦ ማዕቅን ዝዀነ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤትን መጻእን ዘዕንው ኢማዕርነታዊን ምስሕሓባትን ክሰፍሕ ይረአይ።

ኣብ ናይ ተመሓዝያን መሳርዕ ስነ መጐት ዘይምውዳቕ

እደ ጥበባዊ ናይ ስነ ምርምር ምህዞ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈላለዩ ጸገማት ክፍትሑ እያቶም ቢልካ ንዘይትግምምቶ ክሰግሩን መልሲ ክርከበሎምን ከምኡ እውን ካብ ቀደም ኣዚዩ ንዝገደደ ሰላሕታዊ ስግኣት የቃልዕ ኣሎ፡ ምህዞ ስነ ምርምር ኣገዳሲ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ምህዞ ንምህዞ ዘይኰነ ንመን ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ክኸውን ኣለዎ፡ ንሰብኣዊ ፍጥሩ ዝጸናጸን ደጋዊ ሓይሊ ኰይኑ ክቐርብ የብሉን፡ ሰብኣውነት እምበር ስሉጥነት ጥራሕ ኣብ ዝብል ሜላ ምእኵል ክኸውን የብሉን።

እዋናዊ ናይ ስነ ምርምር እደ ጥበባዊ ፍልቀት ሓደገይና ዝዀነ ተማራኽነት ዘምርት ኰይኑ ኣሎ፡ ሰብ ሕይወቱ ዘመሓይሸሉን ብሉጽ ክንክን ክረክብ ዘኽእል ኣክንዲ ዝኸውን፡ ሕይወት ነቲ ዕሴታት ንዝውስን ንተመሓዝያን ዕደ ጥበብ ስነ መጐት ኣሕሊፉ ንዝህብ ስግኣት ዝተቓልዔ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነባሪ ንዘይኰነ ውጽኢት ዘረክበና ኰይኑ ይርአይን ሕይወት ብእደ ጥበብ ዝዝወርን ዝምራሕን ክኸውን ይገብርን ሰብኣዊ ኣመክንዮ ነቲ ዘይግብኦ ሳዕቤናት ናብ ዘውድቕ ጠርዚ ይድርኽ ኣሎ።

ናይ ሓባር ግንባር ምቛም

ቅዱስነቶም ነቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ እናዘከሩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ብገዛእ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እንነብረሉ ዓለም ዘውርዶ ዘሎ ማህሰይቲ ንምብዳህ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፡ ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ብዙሕ ክስራሕን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራትን መርበባዊ ተራኽቦነት ብዘለዎ ጻዕሪ ሕንጸት ምቕቓሕ ግድን ይኸውን፡

ከም ኣማንያን ነቲ ንናይ ምህዞን ድልያን ብዅሉ ቅቡል ንዝዀነ ኵላዊ ነቲ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ሓላፍነት ዘለዎ ወሳኒ ኣካል መወከሲ ዝዀነ ግብረኣዊ መምዘኒ ንኽህሉ ኣስተዋጽኦ ክህልወና ይግባእ፡ እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዚ መሰልን ክብርን ዘመላኽቶም ግቡእነታትን መሰረት ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ንምባል እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ንሰብኣውነት ንእነብረሉ ዓለምን

ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንሕንጸት ኵላዊ ስነ ምግባር መርገጺ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ተግባርን ኣስተንትኖን ናይ ሰብ ምናቡን (ክብሩን) ኵሉ ሳዕ ማእከል ክኸውን ኣለዎ።

ሰብ ሰርሖ ብልሓትን ሰብ ሰርሖ ዕደ ጥበባዊ ውጽኢትን ካልኦት ተበጽሖታት ኩሉ ከምዚ ብዙሕ ግዜ ዝረአይ ዘይኰነ ንሰብኣዊ ኣገልግሎትን ንናይ ሓባር ቤትና ምክንኻንን ኣስተወጽኦ ዘለዎ እዩ ክኽውን ኣለዎ።

ሓደጋታት

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቕባበ ስበኣዊ ብልሓትን ምህዞታትን ይርአይ ከምዘሎን እዚ ኸኣ ኣክንዲ ዕደ ጥበብ ሰብኣዊ ምግባር በንጻሩ ሰብኣዊ ፍጡር ዘእደ ጥበባዊ ዝገብር፡ ይኸውን ኣሎ፡ ስለዚህ እዚ ሓደጋ’ዚ ዘሰንብድን ኣግራሞት ከየስዕብ ሰብኣዊ ብልሓትን ሕልናን ስምዒትን ሕላኖ ፍትወትን ሉኣላውነት ግብረ ስን ምግባርን ዝብሉ ጉዳያት ብዕምቆት ምስትውዓል የድሊ፡

ከም ድላዩ ንዝጠዋውይ ከይዲ ኣይፋል ምባል

ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓናጺ ውስስእ (መስተጋብር) ክህሉን ዕደ ጥበባዊ ምህዞ ሰብኣዊ ፍጥረት ተጠቃሚ እምበር ንእደ ጥበብ ዘገልግል ከይኸውን ምግባር፡ ናይ ኣጠቓቕማ ዕደ ጥበብ ዓመጽ ከይህሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ኵለ መዳያዊ መሰል ምቁጽጻር ዘለዎ ክይኸውንን እዚ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተባብዖ፡ ዝተፈለለዩ ናይ ዕደ ጥበባት ስነ ምርምር ክፍልታት ክሕደሰን ኣብ መንጐ እምነት ክርስትናን ስነ ምግባራዊ ተግባርን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ጽኑዕ ኣስተንትኖ ዘድልዮ እዩ።

ጻዕርታትና ማለት ስነ ፍልጠታዊ ይዅን ስነ ሙያውነትናን ኩሉ ንናይ ሰብኣውነት ሓላፋ ተሳታፍነታዊ ዝዀነ ስነ ምግባራዊ ቃል ኪዳን ክህሉ ኣለዎ፡ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ብቐጥታ ይዅን ብኢቐጥታዊ መዳይ ንሰብኣዊ ኣካልን ስነ ኣእምሮን ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ስነ ምርምርን ንናይ ክንክን ዕዮ ዝተዋፈሩ ምክፋልን ብሓባር ምዕያይን ኣገዳሲ እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ሕይወት ንናይ እደ ጥበብ ስነ መጐት ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ
26 February 2019, 17:22