ድለ

ኣብ መንጎ ክርስትናን ምስልምናን ዝግበር ዘተ ንሰላም ወሳኒ ግደ ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ናብ ኣቡዛቢ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ብሰላም ድሕሪ ኣትዮም ሎሚ ዕለት 6 ለካቲት 2019 ዓምፈ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንክልግሱ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝተኣከቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ዝገበርዎ ሓዋርያ ምብጻሕ ሓጺር ጸብጻብ ኣቅሪቦም።

ቃል አምላኽ: -  ‘ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ። . . . እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉ፡ ክደልያ እየ።’ (ዘፍ 9.1.5)።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ሓጺር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺመ። ሓጺር ጉዕዞ እኳ እንተኽዕነ ብጣዕሚ ኣድላዪ ነበረ። ነቲ ብ2017 ዓምፈ ኣብ ኣል ኣዝሃር ሃገረ ግብጺ ዝገበርናዮ ርክብ ዝቅጽል ኮይኑ ኣብ መንጎ ክርስትናን እስልምናን ዝግበር ዘተን ኣብ ዓለም ምሉእ ኣብ ሕውነት ደቂሰባት ዝተመሥረተ ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ታሪኻዊ ጉዕዞ ሓዲስ ገጽ መዝጊቡ።

ንመጀመርያ ግዜ ር.ሊ.ጳ ኣብ ወሽመጥ ኣዕራብ በጺሑ። ሓልዮት ኣምላኽ ከኣ ነቲ ቅድሚ 800 ዓመታት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚ ናብ ሱልጣን ኣልማሊክ ኣልካሚል ዝገበርዎ ምብጻሕ ብስም ፍራንቸስኮስ ዝጽዋዕ ር.ሊ.ጳ ቀዳማይ ኮይኑ ክበጽሕ ፈቂዱ። ነዙ ጉዕዞ እንክፍጽም ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሓሲበ፣ እዚ ከኣ ንወንጌል ንፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብቲ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ኣብ ልበይ ከምዝሕዞ ገሩኒ። ኣብ ልበይ ወንጌል ክርስቶስ ነሩ ከምኡ እውን ሓደ ኣቦ ስለደቁ ዘዕርጎ ጸሎት ምናዳ ከኣ ስለ እቶም ድኻታት ስለ እቶም ግዳይ ስእነት ፍትሒ ግዳይ ውግእን ግዳይ ኩሉ ጸገማትን ጸልየ። እቲ ኣብ መንጎ ክርስትናን ምስልምናን ዝግበር ዘተ እውን ንናይ ሎሚ ዓለምና ወሳኒ ሰላም ክህብ እጽሊ ነረ።

ንወራሲ ዓራት መስፍንን ንፕረሲደንትን ንምኽትል ፕረሲደንትን ንኩሎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ሰበሥልጣንን ስለእቲ ዝገበሩለይ ዓቢ ተቅባል ብልቢ አመስግኖም። ኣብዘን ናይ መጨረሽእ ዓሠርተ ዓመታት እታ ሃገር እቲኣ ብጣዕሚ ማዕቢላ ኣብ መንጎ ምብራቅን ምዕራብን ከኣ ቀንዲ መራኸቢ ኮይኑ ናይ ብዙሓት ዓለታትን እምነታትን ኦኣሲ መካነ ገነት ኮይና በዚ ከኣ ናይ ርክብ ባህሊ ንምፍጣር ምሩጽ ቦታ ይገብሮ። ንብፁዕ ኣቡነ ፓል ሂንደር ናይ ደቡባዊ ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ስለእቲ ኣባኡ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ዝገበሮ ውዳቤን ምስንዳውን እንከመስግኖ እዚ ምስግናይ ናብቶም ምሳኡ ዝሰርሑን ንህልውና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብቲ ቦታ ዝኩስኲሱ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን እውን ይዝርጋሕ።

ንመጀመርያ ግዜ ናብታ ቦታ ዝተላእኩ ወደ 90 ዓመት ካህን ናይ ምርካብ ዕድል ኣጋጢሙኑ። እዞም ካህን እዚኦም ብዙሃት ማሕበረ ክርስትያን ሰሪቶም። ሸምጊሎም ዓይነ ስውር ኮይኖም ብዓረብያ እኳ እንተተጓዕዙ ካብ ከናፍሩ ፍሽኽታ ኣይፍለን እዚ ፈገግታ እዚ ከኣ ንጐይታ ብምግልጋሉን ብዙሕ ሠናይ ነገራት ብምግባሩን እዩ። ካልእ ወዲ 90 ዓመት ሽማግለ ካህን እውን ሰላም ክብል ዕድል ረኺበ። እዚ ግን ገና ላዕልን ታሕትን ይብልን የገልግልን ኣሎ። ብሓቂ ንፉዓት ካህናት! ካብ ሊባኖስ ካብ ሃገር ህንዲ ካብ ፊሊፒንን ካልኦት ሃገራትን ንምእመናኖም ከገልግሎ ዝመጹ ላቲናውን ሲሮማላባረዝን ሲሮማላንካረስን ማሮናዊ ሥርዓታተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ብዙሓት ንፉዓት ካህናት ኣለው።

ክንዮ እቲ ኣብ ኣቡዛቢ ዝገበርናዮ ዝርርብ ምስ ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢ ኢማም ዓቢ ነገር ገርና። ክልተና ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዝምልከት ሰነድ ፈሪምና። ኣብ`ዚ ሰነድ እዚ ክልተና ናይ ኩሎም ደቂሰባት ደቂተባዕትዮ ይኹኑ ደቂኣንስትዮ ደቂእግዚአብሔር ብምዃኖም ጸዋዕታ ሕውነት ኣለዎም። ንዝኾነ ዓመጽ ነወግዝ ብፍላይ ብስም ሃይማኖት ንዝግበር ዓመጽ ነወግዝ። ኣብ ዓለምና ከኣ ቅኑዓት ክብርታት ደቂሰብን ሰላምን ንምድንፋዕ ቃል ንኣቱ ኢልና። እዚ ሰነድ እዚ ኣብ ኣብያተትምህርትን ዪኒቨርሲታትን ናይ ብዙሓት ሃገራት ክጽናዕ እዩ። ሕጂ እውን እንተኾነ ንኣኹም ሓደራ ዝብለኩም ንክተንብብዎን ንክትፈልጥዎን ኣዩ። ከመይ ብዛዕባ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ንምዝታይ ብዙሕ መበገሲ ነጥብታት ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ዘመንና ዚኣመሰለ ተኣፋፊ እዋን ማእከል ምዕባለ ክርስትናን እስልምናን ናይ ግጭት ነገራት ፈተና ከምኡ እውን እምነታት ናይ ግጭት ምንጪ ገርካ ናይ ምግማት ፈተና ስለዘሎ ነዚ ዚቃወም ንጹር ምልክት ወሳኒ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ተጻይ እዚ ዝምባሌ እዚ ምርኻብ ከምዝከኣል ነንሕድሕድካ ክትከባበርን ክትዛተን ከምዝከኣል ኣርኢና። ሽሕ`ኳ ዝተፈላለየ ባህልታትን ልምድታትን ኣብ ናይ ክርስትና ዓለምን ናይ ምስልምና ዓለምን እንተሎ ክልቲኦም ነዚ ፍልልያት እዚ ዓቢ ዋጋ ብምሃብ ንዘሎ ሓባራዊ ክብርታት ሕይወትን ሥድራቤትን እምነትን ንሽማግለታት ምኽባርን ንመንእሰያት ምስትምሃርን ካልእ ነገራትን ይድግፉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዕራብ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ክርስትያን ኣለዎ። እዚኦም ንክሰርሑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤስያ ዝመጹ እዮም። ትማሊ ንግሆ ኣብ ኣቡዛቢ ዝርከብ ካተድራል ቅዱስ ዮሴፍ ወከልቲ ካቶሊካውያን ማሕበረ ክርስትያን ተቀቢለ ኣዘራሪቦ። ካተድራል እንክብለኩም ገርሀይና ቤተጸሎት እዩ። ድሕሪ እቲ ርክብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪገ። እቲ ስታድዩም 40 ሺሕ ጥራይ ይሕዝ ስለዝነበረ ብዓበይቲ ናይ ምስሊ መርኣዪ ተሰንዮም ልዕሊ 150 ሺሕ ዝኾኑ ኣብቲ ከባቢ ምሳና ተሳቲፎም። በዚ ከምዚኸስ ብዛዕባ ብፅዕና ዚዛረብ ክፍሊ ወንጌል ብምስባኽ ቅዱስ ቊርባን ሠሪዔ። ኣብቲ ቅዳሴ ብኁባሬ ምሳይ ዝቀደሱ ፓትርያርክታትን ዓበይቲ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳሳትን ነበሩ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብ መላእ ዓለምና ሰላምን ፍትሕን ክወርድ ጸሊና። ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ሃገረ የመንን ሰላም ክነግሥ ጸሊና።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ጉዕዞ እዚ ካብቲ እግዚአብሔር ዝዓደለና ዘደንቅ ነገራት ሓደ እዩ። ስለዝኸስ ንዓኡ ክብሪ ንምሃብ ስለሓልዮቱ ነመስግኖ ከምቲ ቅዱስ ፍቃዱ ከኣ እቲ ዝዘራእዮ ዘርኢ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ንጸሊ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 February 2019, 16:48